2011-07-07 15:31:40

ሠረት መረዳእታ ኅላዌ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓለም


ብዛዕባ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ኣቡነ ፈርናንዶ ፊሎኒ ኅላዌ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓለም ብጭብጢ ዝተደገፈ ሠረት መረዳእታ ብስእላዊ መግለጽታት ተሰንዩ ንሓቅታትን ኩነታትን ሓፈሻዊ ኅላዌ ቤተ ክርስትያን ብኣኅዝ ዝገልጽ ፍሉይ ብናይ ኡርባኒያኑም ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ቤት ማኅተም ንንባብ ዝበቕዔ ቅዱስ ኣቦና RealAudioMP3 ናይ መእተዊ ጽሑፍ ዘነብሩሉ መጽሓፍ ሻድሻይ ሕታም ትማሊ ንቕዱስ ኣቦና ከምዘረከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ 1992 ዓ.ም. ዝተሓትመ ኅላዌ ቤተ ክርስትያን ኣብ መላእ ዓለም ብኣኅዝ ዝገልጽ መጽሓፍ ዳግም ክጽናዕን፣ ነቲ ኣብ ዓለምና ዝርኤ ዘሎ ለውጥታት ኣብ ግምት ብምእታው እዋናውነት ተነቢርዎ ተሓዲሱ ክቐርብ ሓዋርያዊ መንበር ብተደጋጋሚ ንናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ከምዘተባብዔ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ብምዝኽኻር እዚ ሓድሽ ሻድሻይ ሕታም’ዚ ዓሚዩቕን ሓደ ብሓደ ኣብ መላእ ዓለም ሃገራት እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያንን ብዝሒ ምእመናን ከምኡ ድማ ናይተን ሃገራት እዋናዊ ኩነትን መልክዓ ምድራተንን ብዝምልከት ዓሚዩቕ መረዳእታ ዝተሓወሶ ኮይኑ ብቛንቋ ኢጣሊያን ፈረንሳን ስፐይንን እንግሊዝን ከምእተኅትመ እውን መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቱ።

ናይ ቤተ ክርስትያን ኅላዌ ኣብ ዓለም ብስእላዊ ሓበሬታ ዝተደገፈ ንሓቅታትን ኩነታትን ሓፈሻዊ ኅላዌ ቤተ ክርስትያን ብኣኅዝ ዝገልጽ ፍሉይ መጽሓፍ ብፁዕ ኣቡነ ፊሎኒ ናይቲ መጽሓፍ ፍሉይ ሕትመት ዝመርሑ ኣባ ጃንካርሎ ጊራርድን ናይቲ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባኒያኑም ቤት ማኅተም ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ሊዮናርዶ ሲለኦ ተሰንዮም ንቕዱስ ኣቦና ከምዘቕረብዎ ድማ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.