2011-07-07 15:35:25

መዓልቲ ምእዋጅ ነጻነት ደቡብ ሱዳን፦ ዝተነብረሉ ተስፋን ብድሆታቱን


ደቡብ ሱዳን ብናይ ሕዝቢ ውሳኔ መሠረት ንዝተገልጸ ድላይ ነጻነት ምሉእ ብምሉእ ሓፈሻዊ ኮይኑ ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ኣብ ጁባ ዝእወጀሉ ቀዳም ዕለት 9 ሐምሌ 2011 ዓ.ም. ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ፣ RealAudioMP3 ኣብቲ ዝካየድ ሥነ ሥርዓት መዓልቲ ምእዋጅ ነጻነት ሉኣላውነት ሃገረ ደቡብ ሱዳን ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ዋና ጸሓፊ ባን ኪ ሙን RealAudioMP3 ክሳተፉ ምዃኖም እንክንገር፣ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ እውን ምስታ ናይ መጻኢ ሉኣላዊት ሃገር ደቡብ ሱዳን ርእሰ ብሔር ሳልቫ ኪር ክራኸቡ ምዃኖም ተሓቢሩ።

እቲ ድላይ ነጻነት ዝብል ውሳኔ ህዝቢ ደቡብ ሱዳን ኣብዚ ደረጃ እዚ ንኽበጽሕ ክሳብ 2005 ዓ.ም. መወዳእታ ኣብ ዝሓለፉ 21 ዓመታት ኣብ ዝተኻየዱ ውግኣት ናይ ልዕሊ ክልተ ሚሊዮን ሕዝቢ ሕይወት ዝተኸፍሎ ከምዝኾነን፣ 4 ሚሊዮን ሕዝቢ ቤቱን ንብረቱን ዛሕዚሑ ከምእተመዛበለን እንክንገር፣ ሕጂ እውን እንተኾነ ኣብ መንጎ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳን ናይ ይግበኣኒ ዶባዊ ሕቶ ጉዳይ ገና መዕለቢ ከምዘይረኸበ እንክፍለጥ፣ ዞባ አበይን ከምኡ ኣውን ደቡባዊ ኮርዶፋ ገና ናብ ውጥረት ይመርሕ ከምዘሎ እውን ቅድሚ ትማሊ ኣብ ናይ ኢጣሊያ ሕዝባዊ ባይቶ ሕንጻ ጎስጓ ኢጣሊያ ንሱዳን ዝብል መድረኽ ዝሳተፉ ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ተራድኦ ማኅበር ጨንፈር ኣብ ኢጣሊያ ተሳትፎ ዝመሑ ፋብሪዚዮ ካቫለቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ኣብቲ ጎስጓስ ናይ ሰላም ጠረጴዛ እተሰምየ ማኅበር እውን ከምእተሳተፈ ክፍለጥ እንከሎ፣ ምእዋጅ ነጻነት ደቡብ ሱዳን ኣብ መንጎ ደቡብን ሰሜንን ሱዳን ንዘሎ ወጥረት መዕለቢ ኣውን እንተኾነ፣ ገና መፍትሒ ዘድልዮም ዘሰሓሕቡ ሕቶታት ዝጸነሰ ኢዩ። ስለዚህ እቲ ናይ ሰላም ጉዕዞ ገና ተዛዚሙ ክበሃል ከምዘይከኣል ገሊጾም፣ እቲ ኣብ 2005 ዓ.ም. ዝተመጽሔ ናይ ሰላም ስምምዕ ንምእዋጅ ነጻነት ሃገረ ደቡብ ሱዳን መሠረት ኢዩ ምስ በሉ፣ መራኸቢ ብዙሃን ብዛዕባ ደቡብ ሱዳ በሓፈሻኡ ብዛዕባ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብተኸታተሉ ሓበሬታን ዜናታትን ከቕርቡ ይግባእ፣ ክርሳዕ ዘይብሉ ክፍለ ዓለም ኢዩ ኢሎም።

ንኽልትኤን ሃገራት ዘዳቡ መስመር ክንጸር ኣለዎ። እዚ ብሓቂ ንናይ ነጻነትን ሉኣላውነትን ሓንቲ ሃገር መሠረት ኢዩ። ኣብዚ እዋን ናይ ደቡብ ሱዳንን ሰሜን ሱዳንን ዶቦ ዘነጽር ዓለም ሓቆፍ መልክኣ ምድራዊ ውሳኔ ገና ኣይተነጸረን፣ ነዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ዘዳቡ ከባቢ ዘሎ ሃብቲ ማይን ከምኡ ድማ ሃብቲ ነዳድን ካልኦት ማዕድናትን ንቐጻሊ ምስሕሓብ ምኽንያት ከይከውን ዶባተን ብትኽክል ዘነጽርን ኣብ ኣጠቓቕማ እቲ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ናይ ክልእትኤን ሃገራት ሕቶ መሠረት ዘለዎ ውሳኔ ዓለም ሓቆፍ ዘድልዮ ኢዩ ኢሎም።

እቲ ዕለት 9 ጥሪ 2011 ዓ.ም. ውሳኔ ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ናይ ካርቱም መንግሥቲ ብዕሊ ተቐቢልዎን ኣፍልጦ እውን ሂቡሉ ኢዩ። ስለዚ እቲ ናብ ግጭትን ውጥረትን ክመርሑ ዝኽእሉ ሕቶታት ብሰላማዊ መገዲ ኣብ ምፍትሑ ናይ ክልቲኤን ሃገራት መንግሥቲ፣ ብሰላማዊ መገዲ ክዝትዩ ኣለዎም ምስ በሉ፣ ኣብ ሱዳን እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ሕንጸት ሰላም ቀዳመይቲ ተዋሳኢት ኮይና፣ ኣብ ናይ ሰብኣዊ ደገፍ መዳያት እውን ተዋፊራ ቅድሚ ውግእን ኣብ እዋን ውግእን ድሕሪ ናይ ሰላም ሰነድ ምፍርራም እውን ከየቋረጸት ዓቢ ኣገልግሎት ተቕርብ ኣላ። ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ረድኤት ማኅበር ጨንፈር ሱዳን ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት ጨንፈር ካሪታስ ብምትሕብባር፣ ንሕዝቢ ሱዳይ ዓቢ ደገፍ ከምእተቕርብ ኣመልኪቶም፣ ኣብ ሕንጸት ሰላምን ኣብ ምንቕቓሕ ማኅበራዊ ኤኮኖሚ መዳያትን ተዋፊራ ከምዘላን ስለዚህ ድሕሪ ምእዋጅ ሃገራዊ ነጻነት ደቡብ ሱዳን ብቐጻልነት ብዝተፈላለዩ ናይ ሕንጸት መደባት ነቲ ሕዝቢ ከተሰንዮ ምዃና ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ደቡብ ሱዳን እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብጸሎትን ብግብረ ሠናይን ትሳተፍ ከምዘላ ናይታ ናይ መጻኢት ሃገረ ዱቡብ ሱዳን ርእሰ ከተማ ጁባ ሊቅ ጳጳስ ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ኣባ ማርቲን ኦካያ ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ፣ ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ምእዋጅ ሃገራዊ ናጽነት ዓቢ ተስፋ ኢዩ ዘለዎ፣ እዚ ድማ እቲ ግጭትን ውጥረትን በዚ ዝድምደም ኢዩ ቢሉ ስለ ዝኣምን ምዃኑ ኣባ ኦካየ ገሊጾም፣ ኣብ በዓል ምእዋጅ ነጻነት ሃገረ ደቡብ ሱዳን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዘላ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ከምእትሳተፍን ነዚ መቀራረቢ ድማ መዓልቲ ዕርቂ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተምረሔ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝተሳተፋሉ ኣብ ዘዳለወቶ ናይ ክልተ መዓልቲ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን መንፈሳዊ መደብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕትን ምእመናንን ሰዓብትን እውን ከምእተሳተፉ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ በዓል ምእዋጅ ናጽነት ሃገረ ደቡብ ሱዳን ብስሞም ክሳተፉ ኣብ ሱዳን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ብፁዕ ኣቡነ ለዮ ቦካዲ ከምዝወከሉን ናይ ናይሮቢ ሊቀ ጳጳስ ካርዲናል ጆን ንየ ከምዝሳተፉ እውን ሓቢሮም፣ ኣብዚ በዓል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምሉእ ብምሉእ ተሳታፊት ኮይና ሰላም ክበዓልን ነባሪ መታን ክኸውን ኣገልግሎታ ከምዘይተቋርጽ ከምዘረጋገጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግልቶ ሓቢሩ። እቶም ንነበሪ ሰላም ዕንቃፍት ክኾኑ ዝኽእሉ ሕቶታት ኣብ ምፍታሕ ኩሉ ብፍላይ ድማ ማኅበረሰብ ዓለም ኣበርቲዑ ክዓዪ ቤተ ክርስትያን ጻውዒት ከምእተቕርብን ገዛእ ርእሳ ናይዚ መደብ ቀዳመይቲ ተዋሲኢት ኮይና ክምእርከብ እውን ኣረጋገጾም፣ ነቲ በዓል ናጽነት ደቡብ ሱዳን ብጸሎት እውን ከምእተሰይንዮ ከምዝሓበሩ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.