2011-06-30 16:32:59

ኣስተምህሮ ር.ሊ.ጳ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር (29.06.2011)


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ብግጻዌ ሥርዓተ-ላቲን ትማሊ ዝተዘከረ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ንምብዓል፣ ብብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ተዓጂቦም፣ ብዙሕ ምእመናንን ዝተፈላለዩ ናይ ካልኦት ሃይማኖታት ልኡኻት ናይ መንግሥትን ፖለቲካን ኣካላት ዝተሳተፍዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም። አብ ርእሲ እዚ መበል 60 ዓመት ክህነቶም እውን ምስዚ ተተሓሒዙ ተዘኪሩ ውዒሉ። እግዚኣብሔር ንዝገበረሎም ዓቢ ነገር ብምዝካር ስለ ኩሉ ነገር ንአምላኽ አመስጊኖም።።
ድሕሪ ቅዳሴ አብቲ ልሙድ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎተ መልአከ እግዚአብሔር። ብአሽሓት ዝቝጸር ሕዝቢ አብ ዝተሳተፈሉ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ሓለውቲ ቅዱሳን ሮማ ምዃን ጠቒሶም፣ ኦ ሮማ ፈሊክስ ሮማ ተፈስሂ ቢሎም እዛ ከተማ ናይዞም ክልተ ዓበይቲ ሓዋርያት ናይ እምነት ምስክርነትን ሰማዕትነትን ጸጋ ዝተዓደለት ስለ ዝኾነት ድማ ሮማ ደስ ይበልኪ ከምቲ ናይ ምሥራቕ ኣብያተ ክርስትያን ነዞም ክልተ ቅዱሳት ደቀ መዛሙርት ኣብ ዘቕርብዎ ማህሌት፣ ንእግዚኣብሔር እንፈልጠሉን እነስተውዕለሉን ክልተ ኣኽናፍ ማለት ክልተ ኣኽናፍ ፍልጠት እግዚኣብሔር ካብ ኣጽናፍ ክሳብ ኣጽናፍ ዓለም ተጓዕዞም፣ ክሳብ ሰማየ ሰማይ ልዕል ዝበሉ ኣእዳው፣ ጸጋ ወንጌል ኣእጋር ናይ ሓቂ ኣስፍሆተ ወንጌልን ወሓይዝ ጥበብን ናይ መስቀል ምናትን ቢሉ ከምዝገልጾም ዘኪሮም። ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ናይ ፍቕርን ናይ ተኣማንነት መሰካኽርን ልኡኻት ቤተ ክርስትያንን ስለዝኾኑ፣ ዘርኢ ሰብ ናብ ሓቂ መታን ክመርሑን ኣብ ናይ ክርስቶስ እምነት መታን ክጸንዑን ብብርሃን ከምዝደገፉን ከምዘነቃቕሑን ገሊጾም። ቅዱስ ጴጥሮስ ከአ ትእምርቲ ሓድነትን ውኅደትን ቤተ ክርስትያን ከምዝኾነ፣ ከማኡ ከአ ነዚ ሓድነትዚ ዝውክል እውን ንሱ ከምዝኾነ አብሪሆም። ከምቲ መብዛሕቱ ግዜ ዝግበር በዚ ዕለትዚ 41 ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ተኸታሊ ቅዱስ ጴርጥሮስ ኣክሚም ቃለ ተኣምኖ ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ቅዱስነቶም ተቀቢሎም። እዚ ድማ ኣብ ዙሪያ ቅዱስ ጴጥርስ ዝግለጽ ምልክት ሓድነት ቤተ ክርስትያን ዝገልጽ ኢዩ። ቅዱስ ሄሮኒሞስ ናይ ሊዮነ ሊቀ ጳጳስ ናብ ሮማዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ፣ እታ ናይ ሮማ ቤተ ክርስትያን በቲ መለለዪኣ ዝኾነ መሠረታዊ ሕጊ ርእሰእውነት መሠረት ካብ ሓዋርያት ናይ ዝተመሓላለፈ ትውፊትን ባህልን እትዕቅብን ሓላዊትን ስለ ዝኾነት ኵለን ኣብያተ ክርስትያን ማለት ኩሉ ምእመናን ናብኣ ክውሕዙ አለዎም እንክብል ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ይገልጽ።።
መሠረት ቤተ ክርስትያን ዘንበረት እታ ብቕዱስ ጴጥሮስ ዝተገልጸት እምነት እያ፣ አብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 16,16 “ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ሕያው ኣምላኽ ኢኻ” ዝብል ምኻኑን፣ ከምቲ ጸዋዕታ ክህነት መለኮታዊ ሕርየት ዝኾነ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀዳምነት እውን መለኮታዊ ሕርየት ኢዩ። ማቴ. 16,17 ነቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘጽንዖ ተኣምኖ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መሠረቱ ክገልጽ እንከሎ ድማ “እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ድኣ እምበር ሥጋን ደምን ኣይገለጸልካን እሞ ብፁዕ ኢኻ” እንክብል የረጋግጾ። ስለዚ እቲ ንናይ እግዚኣብሔር ጸዋዕታ ክስዕብ ዝውስን ብምልኣተ ሕይወቱ ክምልስ ከምዘለዎ ኢዩ ዘነጽር። ድሕሪ ምባል ቅዱስነቶም መበል 60 ዓመት ክህነቶም ምስ እዚ ብምትሕሓዝ ዘኪሮም፣ አብዛ ዕለት ነቶም ብጸሎት ምሳኦም ዝሓበሩን ምእንታኦምን ምእንቲ እቲ ዝተቐበልዎ ተልእኾ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ከምቲ አብ ግብረ ሓዋርያት “ቤተ ክርስትያን…ምእንታኡ (ምእንቲ እቲ ኣብ ቤት ማእስረቲ ዝሕሎ ዝነበረ ቅዱስ ጴጥሮስ) ተጊሃ ናብ ኣምላኽ ትጽሊ ነበረት” ዝበሎ ምእንታይ እተዕርግዎ ጸሎትን ኣስተንትኖን ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ዝገበርክምዎ ስግደትን፣ ነጻነትን ሓይልን ስብከተ ወንጌል ንምዕባይ ዝሓለነ ጸሎት ኢዩ ኢሎም።።
ኣብ መደምደምታ ኣስተምህሮኦም ነቶም በታ ዓባይ ዕለት ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ምኽንያት ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ንግደት ዝፈጸሙን ንቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ኣኽብሮቶም ንምግላጽ ኣብኡ ንዝተረኽቡ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ፓትሪያርክ ልኡኻትን ኣመስጊኖም። ኣብቲ እምነት ሓድነት ኣብያተ ክርስትያን ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ኣገልግሎትን ኣብቲ ምእንቲ ሓድነት ዝፍጽምዎ ጸሎትን ክንሓብር ድማ ሓደራ ቢሎም። ንግሥተ ሓዋርያት ቅድስቲ ድንግል ማርያም፣ ጸጋ ጥምቀት ዝተቐበሉ ክርስትያን ኩሎም ናይቲ መንግሥቲ ኣምላኽ ዝሓንጽ ክፍሊ ሕያው አእማን ብምዃን ንቤተ ክርስትያን ክሐንጹ ንከተማልድ እናለመኑ ጸሎተ መልአከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም። ንኹሎም ብዝተፈላለይ ቋንቋታት ብምምስጋን ሐዋርያዊ ቡርኬ ዓዲሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.