2011-06-23 15:30:30

ግብጺ፦ ሓደስቲ ኣቢያተ ክርስትያን ንምሕናጽ ክፍቀድ


እቲ ብሕዝባዊ ናዕቢ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ.ም. ካብ ሥልጣኑ ዝወረደ ናይ ሆስኒ ሙባረክ መንግሥቲ ዝተከኤ ናይ ግብጺ ግዚያዊ ወተሃደራዊ መንግሥቲ፣ ኣብታ ሃገር ኣቢያተ ክርስትያን RealAudioMP3 ንምሕናጽ ዝፈቅድ ሓድሽ ናይ ሕጊ ውጥን ከምዘቕረበ ክንገር እነክሎ፣ እዚ ሓድሽ ውጥን ሕጊ’ዚ ነቲ ኣብታ ሃገር ካብ መንግሥቲ ሙባረክ ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ ንፍሉይ ፍቓድ ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ዝውከስ ቤተ ክስትያን ናይ ምሕናጽ ፈቓድ ዝሓትት ትእዛዝ ዘምልከት ሕጊ ዝትክእ ከምዝኸውንን፣ በቲ ዝነበረ ሕጊ መሠረት ኣብ ግብጺ ቤት ክርስትያን ንምሕንጻጽ ፍቓድ ካብ ርእሰ ብሔር ንምርካብ ዝቐርብ ዝነበረ ሕቶ መልሲ ንምሃብ ዓመታት ዝወስድ ኮይኑ ኣሰልካይ ከምዝነበረን እዚ ዓይነት ዘይግቡእ ኣገባብ ንምውጋድ ኣሚቱ ዝቐረበ ከምዝኾነን ብፍላይ ድማ ቤተ ክርስትያን ንምሕናጽ ዝቐርብ ሕቶ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ መልሲ ክረክብ ኣለዎ ዝብል ትእዛዝ ዘጠቓለለ ከምዝኾነ ኣብ ግብጺ ናይ ኣሲኡት ናይ ኦርቶዶስክ ቤተ ክርስትያን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ክይሪሊዩስ ዊሊያም ዝሃበዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

ኣዚ ውጥን ሕጊ እንተድኣ ጸዲቑ ኣብ ግብጺ ኣድልዎ ዘይብሉ ኩሉ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ማዕርነት ከምዘለዎ ዘረጋግጽ ኢዩ ቢሎም፣ እዚ ዝቐርበ ውጥን ሕጊ ገና ክጸድቕ ዝግብኦ እውን እንተኾነ ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተኻየዱ ሰላማዊ ሰልፍታት ውጽኢት ከምዝኾነ ብፁዕ ኣቡነ ክይሪሊዩስ ዝሃብዎ መግለጺ ዝተቐሰ ዜኒት ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.