2011-06-21 14:52:02

ድኽነትን ደገፍን


ቅዱስ ኤጂዲዮ ናይ ካቶሊክ ምቅስቓስን ናይ ናፖሊ ሰበኻ “ጸጋን ተስፋን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ድኽነትን ደገፍን ዘነጽር ዘዳለዎ ኣብ ኢጣሊያ ናፖሊ ከተማ ዝተኻየደ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ RealAudioMP3 ቅድሚ ትማሊ ከምእተዛዘመ ክንገር እንከሎ፣ እዚ ብዛዕባ እቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ዝርከቡን ከምኡ ድማ ነዞም ጽጉማት ክፍሊ ኅብረተሰብ ኩለ መዳያዊ ደገፍ ዘቕርቡ ሰብ ጽቡቕ ድላይን ናይ ዝተፈላለዩ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ኣባላት ጉዳይ ዝዘተየ ጉባኤ ካብ 157 ዝተፈላለያ ናይ ግብረ ሰናይ ማኅበራት ዝተዋጽኡ 1500 ወለንተይናታት ከምእተሳተፉ ክንገር እንከሎ፣ እቲ ዝሥዋእ ፍቕሪን ልግስን ምሕዝነትን ብሓባር ንምኽባርን እቲ እውነተይና ቅኑዕን ቅቡልን ናይ ሰብኣዊ ሃብቲ ልግስን ምሕዝነትን ደገፍን ንምትብባዕ ኣሚቱ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ምዃኑ ካብ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማኅበር ዝተመሓላለፈ መግለጺ የመልክት።

ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮ ማኅበር ወሃቢ ቃል ማሪዮ ማራዚቲ ብዛዕባት እቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ድኻታት ክፍሊ ኅብረተሰብ ተመጽወቲ ዘይኮኑስ ናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ተኻፈልቲ ከምዝኾኑን ኣብ ዓለም ዝርኤን ድኽነት ማኅበራውን መዋቕራዊ ሓጢኣተ ዝፈጥሮ ከምዝኾነን ኩሉ ዕለታዊ እንጌራኡ ክረክብ ቅዱስ ሰብኣዊ መሰሉ ከምዝኾነ ዘመልከተ ጉባኤ ኢዩ። እዚ ቅዱስ ሰብኣዊ መሰል’ዚ መዝነት ዝመልኦ ሥነ ምግባራዊ ትእዛዝ ኢዩ ስለዚ ብማንም ክግሃስ ከምዘይብሉ ዘነጸረን ከመኡ ድማ ድኻታት ክፍሊ ኅብረተሰብ ዓለም፣ መላእ ሕዝቢ ዓለም ሰብኣውነቱ እቲ ክርስትያናዊ ሰብኣዊነት ክበሃል ዝከኣል ክቡር ዋጋ ዳግም ክለብስን ክራኸቦን ዝድግፉ ምዃኖም ኣብቲ ዝተካየደ ጉባኤ ክምእተሰመረሉ ሓቢሮም።

ድኻታት ኣብ ቅዱስ ወንጌልን ቤተ ክርስትያንን ውልቃዊ ሕይወት ማእከል ከምዝኾኑን ድኻ ልክዕ ከምቲ ወንጌል ሕይወትና ዝቕይሮ ምስ’ዚ ክፍሊ ሕብረተሰብ ክትራኸብ እንከሎኻ ሕይወትካ ይልወጥን ኣነባብራኻን ኣተሓሳባኻን ኩሉ ኣብ ሕቶ ዘእትው ተመክሮ እውን ኢዩ። ስለዚህ ሕዝቢ ዓለም ዳግም ሰብኣውነቱ ክረክብ ዘተባብዕን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ ድኻታት ሃብቲ ቤተ ክርስያን ኢያቶም። በዚ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ኩሉ ፍጥረተ ሰብ ንድኻታት ከም ሃብቲ ክጥምቶምን በዚ መሠረት ድማ ንደገፎም ክተባባዕ ከምዘለዎ ዘነቓቕሕ ጉባኤ ከምዝነበረ ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.