2011-06-21 17:11:51

ዝኸበርኩም መንእሰያት። ካብ ማእሰርቲ ናይዚ ዓለምዚ ነገራት ህደሙ። ናይቲ ሃሰው ትብልዎ ሕቶታት መልሲ አብ ክርስቶስ አሎ፣


ነዙይ ዝበሉ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ሐደ መዓልቲ ሐዋርያዊ ምብጻሕ አብ ሪፓብሊክ ሳን ማሪኖ ፈጺሞም ንኽምለሱ ቅድሚ ምብጋሶም ምስ መንእሰያት ሳን ማሪኖ ኣብ ዝገበርዎ አባታውን ዉሉዳውን ርክብ ኢዩ።።
ቅዱስነቶም ቀንዲ ዘተኰሩሉ ነጥቢ ናይ ዘመንና መንእሰያት ቅሳነትን ዕረፍትን ሐጎስን ርግጽነት ናይ ኩሉን አብ ዓለማዊ ሃብትን ትሕዝቶን ብምግባር ለይትን መዓልትን ሃሰው ከምዝብሉ እዚ ከአ ብዝገደደ ዕረፍቲ ኅልና ከሊኡ አብ ጓህን ተስፋ ቊርጸትን ኃዘንን ከምዝሸሞም ብምዝኽኻር ንክርስቶስ ምቅባል ናቱ ምዃን ምንም አይሐትትን ክርስቶስ ከአ ምንም ከይሐተተ ኩለንታኡ የወፍየልና፣ ስለዚ መልሲ ናይ ኩሉ ጸገማትኩም ክርስቶስ ስለዝኾነ ናባኡ ተመለሱ፣ ንክርስቶስ ብምቅባል ትኸስቡ ደአ እምበር ምንም አይተጥፍኡን። እንክብሉ ተላበው፣
ምስ አመሐደርቲ ሪፓብሊክ ሳን ማሪኖን ካልኦት ሰበሥልጣን መንግሥትን አካላት ዲፕሎማሲን አብ ዝተራኸቡሉ ግዜ ነበርቲ ሳን ማሪኖ አብ መምርሒ እምነት ክርስትና ጸንዖም ንኽነብሩ ተማሕጺኖም።። ነዚ ዘበሎም ምኽንያት እንክገልጹ ከአ። እዛ ሪፓብሊክ እዚአ ሽማ ካብ ቅዱስ ማሪኖ ዝበሃል ዓቢይ ሰባኼ ወንጌል ብምኽንያት ስደት ክርስትና ቅድሚ 17 ክፍለ ዘመናት አብአ ብምዕቋብን ወንጌል ብምስባኻን መሠረት ናይዛ ናይ ሎሚ ሪፓብሊክ ዝኾነ ንእሽቶይ ቤተ ክርስትያን ብምህናጽን ሃገር ከቊም ካብ ዝጀመረ ቅዱስ ማሪኖ እያ ወሲዳቶ። መዛግብቲ ታሪኻ ከምዝምስክሮ ከአ ብ3 መስከረም 301 ዓም ሪፓብሊክ ሳን ማሪኖ ከም ሃገር ቆመት።። ኃይሊ ቅዱስ ማሪኖ አብ መምርሒ እምነት ክርስትና ዝነበሮ ተአማንነት ስለዝኾነ ሎሚ እውን እንኮ መሠረት ዲሞክራስን ኃልዮት ሐባራዊ ረብሓ ናይ ኩሉ ሰብን እዚ ኢዩ። በዚ ኸአ ብቚዕ ማኅበረሰብ ኪሕነጽ ከምዝከአል ምናዳ እቲ አድላይን ሐቀኛን ጽቡቅ ነገር ናይ ደቂ ሰባት ክብርን ነፃነትን ከማኡ እውን መሰል ነፍሲ ወከፍ ሰብ እናሓሎኻ ብሰላም ክንበር ይከአል።። በዚ ከአ ሃይማኖት ማኅበረሰብ ብብሱል ዓለማዊ ተቅዋማት ንሐባራዊ ጥቅምን ጽቡቅ ነገርን ክጽዕት ውሳጣዊ ኃይሊ ይኾኖ።።
ቤተ ክርስትያን ሕጋዊ ልዑላዊነት ሥልጣን ማኅበረሰብ ብምኽባር ንአግልግሎት ናይቶም ኣብ ባህርዮም ሥነ ምግባር ዝተሓትሞም ደቂ ሰባትን ንምክልኻል መሠረታዊ መሰላቶምን ትተሓባበር።። በዚ ከአ ቤተ ክርስትያን ሲቭላውያን ሕግታት ንሕይወት ወዲ ሰብ ካብ ጥንሲ ክሳብ ሞት ዝከላኸሉ እንተኾይኖም ብኣኦም ትግዛእ፣ አብ ልዕልዚ ንሥድራ ቤት ዝግባእ ቦታኡ ብምሃብ ክሕግዝዎን ከተባብዕዎን ትጽውዕ።። ዘሎ ጸገማት ሥድራ ቤት ንዕዘቦ አሎና፣ ግዳይ ናይዚ ዝኾኑ ከአ እቶም ድኹማት ክፍሊ ኅብረተሰብ ዝኾኑ ሕፃናት ኢዮም።። ከም ሳዕቤኑ ከኣ መንእሰያት ንዝተፈላለየ ሐደጋ ዝተቀልዑ ይኾኑ። ንስደት ንባርነት ወዘተ።። ዘሎ ሥነ መዕበያን ትምህርታዊ ኲስኰሳን እውን ነዚ ናይ ሎሚ ወለዶ የዕግቦ የሎን። በዚ ኸኣ ብዙሕ ግዜ መንእሰይ ወለዶ ኣብዚ ኅብረተስብና ፍጮ ኮይኑ ይርከብ።። ስለዚ ንሥድራ ቤት ምሕብሓቡን ምድጋፉን። ከምቲ እግዚአብሔር ዝፈጠሮን ዝሰርዖን ኣብ ዓሚቝ ማኅበራውን ሞራላውን ክብርታትን ወግዕታትን ዝተመሥረተ ክኸውን ይግባእ።። እንክብሉ ምትእስሳር ሥድራቤትን ሥነመዕበያን ብስለት ኅብረተሰብን አገንዚቦም።።
ኣብ መወዳእታ ናይ ብፁዕ ዮሐንስ መበል 23 ብዛዕባ ፍቅሪ ሐርነት ንዝዛረቦ ናብ ሕዝቢ ሳን ማሪኖ ብምእንፋት ንሓርነት ከፍቅርዋ ከምዘለዎም እዚ ሓርነት እዚ ከኣ ብቅንዕና እንተተሓልዩ ናብቲ ብመንፈስ ቅዱስ ዝዂስኰስ ሓርነት ከምዝርሑን በዚ ፍቅሪ ሓርነት እዚ ዝተመልኤ ልቢ ደቂ ሰባት ከኣ እንትርፎ ሠናይ ምምናይን ምግባርን ካልእ ክገብር ከምዘይክእል ኣዘኻኸሩ።። ኣብ መላእ ዓለም ተጋሂዱ ዘሎ ቅልውላው ቊጠባ ንሳን ማሪኖ እውን ከምዝትንክፋ ብምዝኽኻር ከኣ ደቂ ሳን ማሪኖ በቲ ዝተሃንፅዎ ሞራላውን ሃይማኖታውን ክብርታት ተደፊኦም ሓዲሽ ምዕራፍ ናይ ታሪኽ ክኸፍቱ። ሰላምን ምትሕግጋዝን ዝመለለዪኣ ዓዲ ክትከውንን ዘሎዎም ሠናይ ምንዮት ብምግላጽ ምስ አመሓደርቲ ሪፓብሊክ ሳን ማሪኖ ዝገበርዎ ርክብ ደምደሙ።።
ቀጺሎም ቅዱስነቶም ናብቶም ንሳምንታት ብልዑል ተሳትፎ ንምቅባሎም ክሰናደው ንዝቀነዩ መንእሰያት ንምርካብ ኣብ ሜዳ ፐናቢሊ ብሄሊኮፕተር ብምኻድ ተስፋ ዝህብ መሪሕ ቃል ኣስነቅዎም።። ምስቶም መንእሰያት ኮይኖም ዝተቀበልዎም ናይቲ ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ልዊጂ ነግሪ እዞም መንእሰያት ካብ ቅዱስነትኩም ናይ ሎሚ ሕይወቶም ዝሓንፁሉን መጻኢ ጉዕዞኦም ዝእንፍቱለንን ረዚን ቃላት ይጽበዩ ኣለው እንክብሉ ክንዲ ኩሎም ሰላምታ ምስ ኣቅረቡ። ብስምቶም ብኣሽሓት ዝቊጸሩ መንእሰያ ማርኮ ኣንጀሎኒ ዝተባህለ መንእሰያት ሰላምን ምስጋናን ከማኡ ከኣ ዝተሰምዕም ሓጎስ ድሕሪ ምግላጽ። እታ ኣብ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናት ሕማም ኮይና ዘላ ጸገም ቶግ ኣበላ መንእሰያት ክሳብ ምሥጢረ ሜሮን ዝቅበሉ ናብ ቤተ ክርስትያንን መደባት ትምህርቲ ክርስቶስን ደሓን ክመላለሱ ድሕሪ ምጽናሕ ምሥጢረ ሜሮን ምስ ተቀበሉ ህልም ይብሉ፣ እዚ ብምኽንያት መሳጢ ትምህርትን ኲስኰሳን ጸገማት ሥድራቤታትን ተባሂሉ እኳ እንተተመኽነየሉ ምሥጢረ ሜሮን ዳርጋ ንመንእሰያት ካብ ቤተ ክርስትያን መሰናበቲ ኮይኑ ኣሎ፣ ዝገደደ ጸጊሙ ዘሎ ብዕርክነት ተኣኻኺብካ ምንባት ንዋታዊ ረብሓን ግላዊ ምቾትን ምድላይ ሽቅለት ኣልቦነት ዕለታዊ ፍርሂ ካብ ኩሉ ዓንዱና ኣሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ትርጉም ሕይወትና ክንርዳእ ሓግዙና፣ ናይ ተመኲሮ ዋጋን ክብርን ግምት ክንህቦ ሓግዙና፣ ካብዚ ከቢቡና ዘሎ ሥልጣናትን ጸገማትን ወጺእና መንነትና ክንዳእ ርድ ኡና፣ ኣብዚ ተኣኪብና ዘሎና ዘረባኹም ምኽርኹም ሰሚዕና ካብዚ ዓኒዱና ዘሎ ወጺእና ኣብ ሃገራትና ንጡፋት ተዋሳእቲ ክንከውን እንኽእለሉ ትምህርቲ ክንረክብ ዓቢ ተስፋ ኣሎና፣ ነቲ ንስኹም ደጋጊምኩም ንክርስቶስ ምውፋይ ምንም ኣየጒድልን እንታይ ነቲ ንኲለንታናኡ ዘወፍየልካ ክርስቶስ ትቅበል፣ ንዝበልክምዎ ከመይ ገቢርና ክንምኰረሉ ንኽእል፦ ናይ ነፃ ምዃን ሃረርታ ብተግባር ክንበርዶ ይከኣል፦ ካብዚ ከቢቡና ዘሎ መጻወድያ ናይ ንኣይ ይጥዓመኒ፦ ግዝያዊ ደስታ ናይ ምድላይ ኮይኑ ኣብ መወዳእታ ጐደሎ ሕዙን ገሩ ዝሓድገና ባህሊ ከመይ ቢልና ክንወጽእ ንኽእል፦ እንክብል ዘሎ ጸገማት መንእሰያት ክንዲ ኩሎም ዘርዘረ።።
ቅዱስነቶም ነቲ ዝቀረበሎም ሰላምታን ሠናይ ምንዮትን ብዕጽፊ ድሕሪ ምምላስ። ብቀጥታ ናብ ኣስተምህሮኦም ኣተው፣ ከም መክፈቲ ትምህርቶም ድማ መምህር ሕይወት ዘለዓለም ክወርስ እንታይ ክገብር ኣሎኒ ንዝብል ኣብነት ናይ ሃብታም ወዲ ብምጥቃስ። ወዲ ሰብ ብዘይ እዚ ሕቶ እዚ ክነብር ኣይክእልን፣ እዚ ሕቶ እዚ ንሐቂ ኣብ ውሽጥኻ ሃሰስ ምባል ወትሩ ምሳና ምዃኑ ይሕብር።። አነ መን እየ፦ ዕላማ ሕይወተይ እንታይ ኢዩ፦ እናበልካ ዝግበር ሃሰሳ ወይ ሓተታ ክንዮ እዚ ቊሳዊ ነገራት ሓሊፍካ ብተስፋን ብርድኢትን ነዛ ሓጻር ሕይወት ንክተስተማቅርን ንክትነብርን ይሕግዝ።። እዚ ግን ኣዕሚቊካ ከተስተንትንን ትርጉም ክትደልን እንተኾይኑ ኢዩ እምበር ብላዕሊ ላዕሊ ሓሊፍካ ኣይኮነን፣ እንተደኣ ብዕምቈትን ብክፉት ልብን ተገሩ ናብቲ መወዳእታ ዘይብሉ ፍቅሪ ኣምላኽን ብርሃኑን ከብጽሕ ይኽእል።።
ኣብዚ ዘመንና ካብ ዝረኣዩ ጌጋታት ምዕባሌ ተክኖሎጅን ሳይንስን ናይ ኩሉ ሽግራትን ጭንቅታትን ወዲ ሰብ ፍታሕ ይኾኑ ኢዮም ዝብል እምነትን ተስፋን ንብዙሓት ኣሰሓሒቱ።። ከማኡ ከምዘይኮነ ከኣ ርኢና።። ነቲ ሽግራትናን ጭንቅታትናን ወላ እውን እንተዝፈትሖ ነቲ መሰረታዊ ነገራት ማለት ትርጉም ሕይወት ትርጉም ሞት ትርጉም ሥቃይ ክህበና ኣይክእልን፣ ምኽንያቱ እዘን ነገራት እዚአን ኣብ ልቢ ሰብ ነፍሲ ሰብ ተሓቲሞም ዘሎው ኢዮም ክንዮ ተክኖሎጅን ሳይንስን ከኣ ኢዮም።። ወዲ ብተክኖሎጂን ሳይንስን ዝማዕበለ ይማዕብል ንፍጹም ሓቅነት ዝሓዙ ነገራት ሕይወቱ ክፉት ኢዩ፣ ስለዚ ነዚ ናይዚ ዓለም እዚ ነገራት ግዝያዊ ተዛማዲ ብጥቅሚ ዝምዘን ስግር በልዎ፣ ርግጽ እዚ ኩሉ ደርቢኻ ዝግደፍ ኣይኮነን። ዋጋን መዛንን ኣለዎ፣ ክንርድኦ ዘሎና ነፍሲ ወከፍና እዚን ካልእ ዘቁመና ክንዮ ምድራዊ ነገራት ብምስጋር ሰማያዊ ነገራት ንምስትምቃር ዝሕግዘና ትዕድልቲ ከምዘሎና ክንዝንግዕ የብልናን፣ ምዕባሌ ሳይንስን ተክኖሎጂካዊ መጋበሪታትን ንሕይወት ንሓርነት ንፍቅሪ ንዕርክነት ክትክእ ኣይክእልን፣
ዝኸበርኩም መንእሰያት ልብኹም ንክርስቶስ ክፈቱ፣ ኣባኡ ማለት ኣብ ክርስቶስ ኣብ ጉዕዞ ሕይወትኩም ናይ ዘጋጥሙኹም ሕቶታት መልሲ ክትረኽቡ ትኽእሉ።። እዚ ከኣ ብስምዒታዊ ወይ ኣፍኣዊ ወይ ቅልል ብዝበለ መንገዲ ዘይኮነስ ምስ ኢየሱስ እናተጓዓዝካን እናነበርካን ኢዩ ዝርከብ።። ምስ ክርስቶስ ምርኻብ ኣብ ሓደ ፍልስፍና ወይ ዓንቀጸ ሃይማኖት ምጥባቅ ዘይኮነ ሕይወቱ ምስታፍ ዘቅርበልካ ሐሳብ ምቅባል በዚ ከኣ ሰብ መን ምዃኑ እናተማሃርኩም ክትነብሩን ክትጐዓዙን ኢኹም ነቲ ኣነ መን እየ ዝብ እውን መልሲ ክትረኽቡሉ ኢኹም።። ንጽጉም ነገራት ናይ ጭንቀት ግዝያት ከማኡ እውን ናይ ሕይወት ፈተን ክትገጥምዎም እንከሎኹም ኣይትፍርሑ። ከመይ ጐይታ ወትሩ የሰንየኩም ኢዩ፣ ወትሩ ምሳኹም ኢዩ ዘሎ።። ንግላውን ምቾታውን ሥነ ሞጎት ኢድኩም ኣይትሃቡ፣ ብዙሓት መንእሰያት ከማኻትኩም ኣብ ቅድስና ከምዝበጽሑ ኣይትዘንግዑ፣ እኳ ደኣ በዚ ተተባብዑ። ቅድስት ተረዛ ዘኢየሱስ ሕፃን ቅዱስ ዶመኒኮ ሳቭዮ ቅድስት ማርያ ጎረቲ ብፁዕ ፕየር ጆርጅዮ ፍራሳቲ ብፁዕ ኣልበርቶ ማርቨሊ ገለ ካብኦም ኢዮም ዘይንፈልቶም እውን ብዙሓት ኣለዉ።። እዚኦም ብብርሃንን ኃይልን ወንጌል ስለዝተመላለሱ ነቲ ከመይ ቢልካ ምንባር ንምንባር እንታይ ይገበር ናይ ዝብል ሕቶታት መልሲ ኣብ ወንጌል ረኺቦሞ፣ እንክብሉ ኣባታዊ መልሲ ምስ ሃቡ ሕቶታት ቀሪቡ አዕጋቢ መልሲ ብምሃብ ተሰናበትዎም።።








All the contents on this site are copyrighted ©.