2011-06-18 14:35:13

ኩባ፣ ናይ ሃቫና ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኻይመ ኦርተጋ መግለጺ


ናይ ኩባ ርእሰ ከተማ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኻይመ ኦርተጋ ብዛዕባ እቶም መንግሥቲ ኩባ ናጻ ዝበሎም ናይ ፖለቲካ እሱራት መንግሥቲ ኩባ ካልእ ኣማራጺ ዕድል ከይሃበ ካብ ቤት ማእሰርቲ RealAudioMP3 ምስ ዝወጹ ናብ ካልኦት ሃገራት ክስደዱ ኣስገዲድዎም ኢዩ ቢሎም ንናይ ስፐይን ሕዝባዊ ባይቶ ኣባል ተኦፊሎ ደ ልዊስ ገሊጾምሉ ዝብል ዝተፈናለያ ናይ ዜና ኣገልግሎት ዝፍንወኦ ዘለዋ ዜና ናይ ሃቫና ሰበኻ ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ሓቅነት ዘይብሉ ምዃኑ ገሊጹ፣ ብፁዕ ካዲናል ኦርተጋ ንናይ ስፐይ ሕዝባዊ ባይቶ ኣባል ደ ልዊስ ይዅን ንማን ካልእ ኣካል ናጻ ዝወጹ ናይ ፖለቲካ ኣሱራት ኩባ ለቒቖም ክወጹ ተገዲዶም ዝብል ሓሳብ ከምዘየስምዑን ብፁዕነቶም ምስቶም እሱራት ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ ተራኺቦም ናጻ ምስ ተለቐቁ ናብ ስፐይን ክትኸዱ ድላይ ዶ ኣለኩም ዝብል ሕቶ ደኣ እቕሪቦም እምበር መንግሥቲ ኵባ ናጻ ዝበሎም ዜጋታቱ ካብ ኩባ ክስደዱ ኣስገዲድዎም ዝብል ዘረባ ከምዘየስምዑን እቶም ኣብ ሃገርና ክንተርፍ ዝበሉ ኾነ እቶም ናብ ስፐይን ክንስደድ ንደሊ ዝበሉ ኩሎም ኢዮም ናጻ ተባሂሎም እንክብል ናይ ሰበኻ ሃቫና ናይ ዜና ክፍሊ ማኅተም ቤት ጽሕፈት መግለጺ ሓቢሩ።

ብፁዕ ካርዲናል ኦርተጋ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት 2011 ዓ.ም. ኣብ ብራሰልስ ኣብ ዘካይድዎ ምብጻሕ ኣቶም ኣብ ኩባ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ናይ ፖለቲካ እሱራት ናጻ ክልቐቑ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣብ ኩባ እተጻወተቶ ተራን ኣብ መንጎ እታ ቤተ ክርስትያንን መንግሥቲ ኩባን ዛዕባ ናጻ ምልቓቕ ናይ ፖለቲካ እሱራት ኣማእኩ ዝተፈጸመ ዘተ ካብቲ ናይቲ ዘተ ተዋሳኢት ቤተ ክርስትያን ኅብረት ኤውሮጳ ቀጥታዊ ናይ መግለጺ ሓበሬታ ንምርካብ ብዝብል ድላይ ኣብ ሃቫና ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ልኡኽ መሠረት ብዘቕረበሎም ዕድመ እምበር መንሥቲ ኩባ እዚ ኃላፊነት ኣልቢሱ ብትእዛዝ መንግሥቲ ኩባ ናብ ብራሰልስ ኣይከዱን እንክብሉ ናይ ሰበኻ ሃቫና ናይ ዚና ክፍሊ ማኅተም ሓላፊ ኦርላንዶ ማርኴይ ኣመልኪቶም።







All the contents on this site are copyrighted ©.