2011-06-16 16:09:17

መበል 80 ዓመት ምሥረታ ቫቲካን ረዲዮ፦ ታሪኽ ብኣርመን ቋንቋ ዝመሓላለፍ መደብ


ብዛዕባ ታሪኽ ናይ ዝተፈላለየ ቋንቋ መደብ ራዲዮ ቫቲካን ዝጀመናዮ መርሃ ግብር ብምቕጻል ሎሚ እቲ ካብ ዝጅመር መበል 45 ዓመቱ ዘብዕል ዘሎ ዕለት 29 ግንቦት 1960 ዓ.ም. ብድላይ ብፁዕ ካርዲናል ዮሓንስ ጴጥሮስ መበል 14 ኣጋጃኒያን ዝተበገሰ ብቛንቋ ኣርመን ዝመሓላለፍ መደብ ራዲዮ ቫቲካን ታሪኽ ከምዘመልክቶ እዚ ብቋንቋ ኣርመን RealAudioMP3 ዝመሓላለፍ መደብ ካብ ዝተጀመረሉ ክሳብ 1983 ዓ.ም. ከም ሓላፊ ኮይኖም ዝመርሕዎ ብፁዕ ኣቡነ ነርሰስ ሰቲያን ከምዝኾኑን፣ ካብ 1983 ክሳብ 1991 ዓ.ም. ድማ ኣባ ጆርጅ ዛባርያን ከምዝነበሩ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ናይ ታሪኽ ማኅደር እክሕብር፣ እዚ 15 ደቓይቕ ዝሽፍን መደብ ኮይኑ ዝተጀመረ ምዃኑ እንክምልከት፣ ኣብዚ እዋን ራዲዮ ቫቲካን ናይቲ ዝተበጽሔ ዝተራቀ ምዕባለ መረኸቢ ብዙኃን ተጠቃሚ ብምዃኑ ድማ እነሆ መደብ ቋንቋ እርመን በዚ ዕድል መሠረት ዝመሓላልፎ መደባት ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝማዕበለ ኮይኑ፣ ንናይ ማኅበራዊ ኅዳሴን ናይ መጻኢ ተስፋ ኮይኑ ነቶም እርመናውያን ኣብ ኣርመንን ነቶም ኣብ ስደት ዝነብሩ ኣረመናውያን ብጠቕላላ ንግብረ ገብኣውን መንፈሳውን ሕይወት ብምንቕቓሕ እቲ ኣብ ታሪኽ ዝተሳቐየ ሕዝቢ ኣርመን መንፍሳውነትን ሃይማኖተይናነትን መንፈስ ብምትብባዕን ብምዕቃብን ኣርመን ኣብ መልእኽቲ ወንጌል እምንቲ ከምዝኾነትን እዚ ክቡር ዋጋ ከይሃስስ ኣስተዋጽኦ ዝህብ ብቋንቋ ኣርመን ዝመሓላለፍ ራዲዮ ቫቲክን ኢዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ኣርመን ማኅበራውን ፖለቲካውን ብግረ ገብን ሥነ ምግባርን ዝተመርሔ ክኸውንን ብዛዕባ ስድራ ቤትን መንሰያትን ሕንጸት ዝገደስ ናይ ኣርመን ባህልን ቋንቋን ዕቃበን ምዕባለን ዓቢ ተራ ዘለዎ መደብ ራዲዮ ከምዝኾነ ዝንገር እውን ኢዩ። ኣብ መዳይ ሥነ ታሪኽን ሃይማኖትን ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ርክብ ዘተባብዕ መደብ እውን ከምዝኾነ ታሪኽ ማኅደር ራዲዮ ቫቲካን የረጋገጽ።

እዚ ብቋንቋ ኣርመን ዝመሓላለፍ ራዲዮ ቫቲካን ዕለታዊ መደባቱ ካብ 15 ደቒቃ ዝጠቓለል ፈነወኡ ካብ 1991 ዓ.ም. ንነጀው ናብ 19 ደቒቓ ክብ ቢሉ፣ እነሆን ብሚሸል ዣንገይ ተመሪሑ ሪታ መለክያንን ሶና ኖርፐትሊያን ጋዜጠይናታት በቢ ዕለት ዝዳሎ መደብ ከምዝኾነ ክፍለጥ እንከሎ ኣብቲ ራዲዮ ቫቲካን ነጥቢ ኦርግ ኣብ ዝብል ናይ ራዲዮ ቫቲካን ኣድራሻ መርበብ ሓበረታ ናይ ኣርመን ቋንቋ ዘጠቓልል እውን ከምዝኾነን ዓለማውያን ምእመናንን ውሉደ ክህነት ኣርመንን ተራ ሕዝቢ ዝከታተሎ ከምዝኾኑ ይንገር።

ኣብ 2010 ዓ.ም. ኣብ ቫቲካን ናይ ዝተኻየደ ናይ ማእከላይ ምብራቕ ብፁዓን ጳጳሳታ ሲኖዶስ ኣደገፊ ብተኽታታሊ ሓበሬታን ኣገደስቲ ሰነዳትን ብምትንታን ብሓፈሻኡ ነቲ ከይዲ ሲኖዶስ ብምክትታል ብቛንቋ ኣርመን ብቑዕ ሓበሬታ ከምዘቕረበ ይዝከር።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኣንከሎ ኣብ 1915 ዓ.ም. ኣብ ልዕሊ ኣርመናውያን ዝተፈጸመ ሕልቂትን ጥርዝያን ምኽንያት ድማ እነሆ ካብ 5 ክሳብ 6 ሚሊዮን ዝግመቱ ኣርመናውያን ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ፋሕ ቢሎም ከምዝርከቡን ድሕሪ ብምትታን ሶቪየት ሕብረት ኣብ 1991 ዓ.ም. ናይታ ዝተወልደት ሬፓብሊካዊት ሃገረ ኣርመን ብዝሒ ሕዝቢ ካብ 2.3 ክሳብ 3 ሚሊዮን ከምዝኾነ ይግመት።








All the contents on this site are copyrighted ©.