2011-06-14 15:49:17

ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር


ኣብ ጀርመን ናይ ናዚ ሥርዓት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ኣብ ዳካው ናይ ህልቂት ሠፈር ተዳጒይኖም ካብ 1933 ክሳብ 1945 ዓ.ም. ናይ እምነት ሰማዕተነት ካብ ዝተቐበሉ ናይታ ሃገር ኣባላት ውሉደ ክህነት ሓደ ዝኾኑ ኣባ ኣሎይስ ኣንድሪትዝኪ ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 12 ሰነ 2010 ዓ.ም. እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ብፅዕና ከምዝኣወጀትሉ ናይ RealAudioMP3 ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ብሽም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ናይ እወጃ ብፅዕና መሥዋዕተ ቅዳሴ ዘቕረቡ ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፣ ናይ ኣባ ኣሎይስ ኣንድሪትዝኪ መንፈሳውን ሰብኣውን ገድልታትን መንፈሳዊ ጥበባትን ዝድነቕ ኮይኑ፣ እነሆ ድማ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት መጽናዕትን ምርምርን እንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ብውሳኔ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢላ ብፁዕ ከምዝበለቶምን፣ ኣባ ኣሎይስ ኣብ 1914 ዓ.ም. ኣብ ራዲቦር ካብቶም ኣብ ሳክሶንይ ካብ ዝነብሩ ውሁዳን ናይ ስላቭ ዓሌት ሥድራ ቤት ዝተወልዱን ኣብቲ ኣብ ጀርመን ከቢድን ጽንኵር እዋን ምስ ሓዉ ጸዋዕታ ክህነት ከምእተቐበለን፣ ኣብ 25 ዓመት ዝዕድሚኡ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ወራር ወትሃደራት ናዚ ኣብ ፖላንድ ናይ ክህነት ማዕርግ ከምእተቐበለን ቀዳማይ ውግእ ዓለም ኣብ ዝተባርዓሉ እዋን ኣብ ናይ መንሰያት ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ተዋፊሩ ክርስቶስ ጸግዔይ ኢዩ ዝብለ ሓቀይናን በቲ ዝነበሮ ኃይሊ ተስፋ ዝድነቕ ወዲ ቤተ ክርስትያን ከምዝኾነ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ታሪኽ ምህደር የረጋግጽ።

ኣብ ልዕሊ መንሰያት ዘሕድሮ ዝነበረ ጽልዋ እምነትን ደላይ ሰላምን ጸረ ዓመጽን ውግእን ምኽንያት በቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ናይ ናዚ ሥርዓት ብሕማቕ ዓይኒ ክጥመት ከምዝገበሮን ድሕሪ ነዊሕ ምክትታላት ድማ ድሕሪ ክልተ ዓመት ኣገልግሎት ክህነቱ ልክዕ ኣብ 27 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ዳካው መዳጎኒ ሠፈር ከምዝተዳጎነን፣ ኣብ ምድራዊ ሕይወቱ “ዝተቐበልናዮ ጸዋዕታ ክህነት ንሓደ ደቒቕ’ኳ ከይዘንግዖ ሓደራ” እናበለ ይምስክር ከምዝነበረ ቅድሚ ቕተለቱ ድማ ቅዱስ ቁርባን ክቕበል ሓቲቱ እንከብቕዕ እቶም ጨካናት ወተሃደራት ናዚ ክርስቶስ ዲኻ እትደሊ እነሆ እምበኣርከስ ፍርዲ ሞትካ ተቐበል ቢሎም ልክዕ ኣብ 28 ዓመት ዕድሜኡ ዕለት 3 ለካቲት 1943 ዓ.ም. ቀታሊ መርዚ ወጊኦም ንሞት ከምዝዳረግዎ ታሪኽ ማኅደር ቤተ ክርስትያን የመልክት።

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝሓለፈ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣስተምህሮ እንከቕርቡ ነዚ ሓድሽ ብፁዕ ወዲ ቤተ ክርስትያን ዘኪሮም እግዚኣብሔር ሓድሽ ብፁዕ ስለ ዝሃበና ነመስግኖ ቢሎም ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ናዚ መዳጎኒ ሠፈር ዝተቐሉ ምእንቲ ክርስቶስ ሕይወቶም ዘሕለፉ ናይ እመነት ሰማዕታት ደቂ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዓለም ሰላም መታን ክረጋገጽ ነኸማልዱልና ምእንቲ ሰላም ናይ ልመና ጸሎት ንሰማዕታት ካህናት ኣማላድነት ከምዘረከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.