2011-06-14 15:52:31

ቻይና፦ በዓለ ጰራቕሊጦስ ምእንቲ ሰላም ኣብ ዓለም


ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝሓለፈ ሰንበት ምስ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ብሓባር በዓለ ጰራቅሊጦስ ከምዘብዓለት እንክንገር፣ ብፍላይ ድማ ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ካቶሊክ ምእመናን RealAudioMP3 ቻይና ብሓባር ጸሎትን ምስጋናን ዘቕረብሉ ዓቢይ በዓል ከምዘነበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት እንከመልክት፣ ኣብዚ ሰላም ናይ ጸሎት ሓሳብ ኮይኑ ዝተኸብረ በዓል ጰራቅሊጦስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝኣወጅዋ መዓልቲ ጸሎት ምእንቲ ኣብ ቻይና ንእትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ምኽንያ ብኣማላድነት ማርያም ዘ ሼ ሻን ዘቕረብዎ ጸሎት እውን ከምተደግመን፣ ኣብ ዝተፈላለያ ቁምስናታት ብዙሓት ምሥጢረ ጥምቀትን ሜሮንን ቅዱስ ቁርባንን ከምእተቐበሉን፣ ናይ እምነት ጸጋ ዝተዓደልሉ ብዙሓት ናይ ክርስትና እምነት ዝተቐብልሉን ምእመናን እቶም ዝተቐበልዎም ቅዱሳት ምሥጢራት ከኽብሩን ብኣኡ መሠረት ድማ ክነብሩን ማዕረ እቲ ዝተቐበልዎም ቅዱሳት ምሥጢራት ክዓብዩ ድማ መንፈስ ቅዱስ ከበርትዖም ዝተጸለይሉ ዕለት ከምዝነበረ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.