2011-06-13 10:01:49

ዘጰራቅሊጦስ 2003 ዓ.ም. (ሰነ 12 2011)


ንባባት 1ቆሮ 12፡1~13፥ 1ጴጥ 1፡1~5፥ ግ.ሓ. 2፡1~11፥ ዮሓ. 20፡19~23
ስብከት ወመንፈስከ ቅዱስ ኢታውጽእ እም ላዕሌየ እስየኒ ፍሥሓ ወአድኅኖትከ ወበመንፈስ ዓዚዝ አጽንዓኒ።
ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር ወንትሓሰይ ባቲ፥ ኦ እግዚኦ አድህንሶ” “እዚአ ዕለት እግዚአብሔር ዝገበራ እያ፥ ብአኣ ንተሓጎስን ባህ ይበለናን፥ ኦ እግዚአብሔር አድኅነና” መዝ. 118፡24።
መዝሙር ይትፈሣሕ ሰማይ ወትትሓሰይ ምድር. . .
“ኢየሱስ ናብ መንግኦም ደው ኢሉ ዘኻትም ገረ አይክሓድገኩምን እየ ወትሩ ምሳኻትኩም ክነብር ነቲ ዓለም ክጾሮ ዘይክእል መንፈስ ቅዱስ ክሰደልኩም እየ”። እናበለ ነርድእቱ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝሰደሎም አትስፊይዎም ከይዱ። ብእምነት ክጸንዑ ኢሉ።ናይ ኢየሱስ ምፍላይ ንዝያዳ ርክብን ምጽንናዕን እዩ። ብዝያዳ አብ መንግኦም ተረኺቡ ነቲ ተልእኮ ሰማያዊ አብኡ ብመንፈስ ቅዱስ እንታመርሑ አብ ዓወት ከብጽሕዎ እዩ።
አብ እምነት ክርስትናና ብዓለ ጰራቅሊጦስ ካብ ትንሣኤ ድኅሪ 50 መዓልቲ ነብእሎ እዚ ኸአ ከም ልጡርግያ ሃገርና ክሳብ ሰነ 17 ዘሎ ዕለታት ዝሓዘ ኮይኑ ዘመነ ጰራቅሊጦስ ክንብሎ ይክአል። አብቲ ዝዝመር መዛሙር ናይ መንፈስ ቅዱስ ምውራድን ብዛዕባ ትንሣኤን ዕርገትን እናዘከርና ንዝምር ንፍልን። ወረደ ላዕሌሆም እናበልና ሎሚ እውን አባና ክወርድ እሞ ክሕድሰና ከብርሃልና ንልምኖ።
በዓል ጰራቅሊጦስ ፍሉይ ተዘክሮ እምነትና የዘኻኽረና፥ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ዝወረደሉ ዕለት፥ ቤተክርስትያን ዝተወልደትሉ ዕለት ነፍስ ወከፍና ብፍሉይ ንመንፈስ ቅዱስ ሕይወትና ክንከፍት ዕድል ዝህብ ዕለት። ዘመን ጰራቅሊጦስ 5 ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። ካብ ዝትንሥእ ሓምሳ ካብ ዝዓርግ ዐሰርተ መዓልቲ ምስ ሓለፈ ሓዋርያት አብ ጽርሓ ጽዮን ብጾምን ብጸሎትን ተአኪቦም ከለዉ መንፈስ ቅዱስ አብ ርእሲ ማሕበር ብአምሳል ልሳን ሓዊ አብ ልዕሊ ነፍሲ ወከፎም ወረደ። መንፈስ ቅዱስ ምስተቐበሉ ሓዲስ መንፈስን እምነትን ለበሱ እሞ አብ ኩሉ ክሰብከዎ ጀመሩ ይብለና ሓዲስ ኪዳን። ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ብእምነት ዓብዮም እቲ ኹሉ ክርድእዎ ዘጸገሞም ዝነበረ ተልእኮ መምህሮም በሪህሎም ንስብከትን ምስክርነትን ተጓጒይዮም፥ ሞት አብ ዝሓተተሉ እዋን እውን ንእምነቶም ብደሞም መስኪሮም እዚ ኹሉ ፍረ መንፈስ ቅዱስ እዩ። ኩልና አመንቲ አብ ዝተፈላለየ እዋን መንፈስ ቅዱስ ተቐቢልና ብፍላይ ምስጢራት ክንቅበል ከሎና፥ “መንፈስ ቅዱስ ተቐበል” ዝብላ ቃላት ብእስትንፋስ ካህን ተቐቢልና ንእምነት ንምስክርነት ተዓዲምና። ሎሚ ነዚ ዝተቐበልናዮ መንፈስ ቅዱስ ክንሕድሶ ምስኡ ዘሎና ርክብ ክንሕድሶ ዕድል ዝኸፍተልና ፍሉይ ዕለት እዩ።
ሓዋርያት ብተስፋ ብሓንሳብ ማርያም አብ ማእከሎም ገሮም ይጽበዩ ነሮም ይብለና ግ.ሓ.። አብቲ እዋን ፍርሒ ከቢብዎም ካብ ሕጂ ሕጂ ይመጹና ከምቲ ንመምህርና ዝገበርዎ ንአና እውን ሓደ ዕጫ ክወርደና እዩ እናበሉ ብፍርሒ ተሸቕሪሮም ይጽበዩ ነሮም። አብ ከቢድ ፍርሒ እንከሎኻ እትሕልፎ ጊዜ ከቢድ እዩ ነዚ ከርድእ ኢሉ፥ ሓደ ፈረንሳዊ ጸሓፋይ ጃን ፖል ሳርቴር ዝተባህለ ብዙሓት ሰባት አብ ሕይወቶም አብ እዋን ፍርሕን ስቓይን እንከልዉ ዘሕልፍዎ ኩነት ብዛዕብኡ ይጽሕፍ። አብ ጽሑፉ ብዛዕባ ገሃነም እሳት ይዛረብ። ዝሃቦ አርእስቱ ኸአ “መውጽኢ ዘይብሉ” ዝብል ነበረ። ሰለስተ ተዋሳእቲ አብ ገሃነም እሳት መጺኦም አብኡ ገፍሕ ኮፍ መበሊ፥ ዓቢ መድረኽ ዘለዎ ገዛ መናድቑ ኩሉ መስትያት ጥራሕ ዝኾነ አብኡ መጹ። እቲ ገዛ መውጽኢ አይነበሮን፥ አብ መንጎ ዝኾነ ምርኢት ኸአ ናይ ዕረፍቲ ጊዜ አይነበሮምን። እዚኦም ሰለስተ ሰባት ኩሉ ጊዜ አብ መድረኽ እዮም ዝነብሩ ነሮም ምኽንያቱ ንዘለአለም ዝተኾነኑ ስለ ዝኾኑ ኩሉ ጊዜ ካብቲ ገዛ ከይወጹ አብኡ ይነብሩ ነበሩ።
አብ ዝሓልፈ ሕይወት ዝተገብረ ይዝክሩ እንተኾነ ነዚ አብዚ እዋን አብ ምልዋጥ ሕይወቶም ክጥቀሙሉ ዘይክእሉ ምዃኖም ይርእዩ። አብቲ ገዛ ብዕጽዎም እንከለዉ አብ ልቦም ኩሉ ጊዜ ንዑናይ ንኺድ ንውጻእ ዝብል ጥራሕ ይስማዕ። እንተኾነ አብ ሓደ ክኸዱ አይክእሉን እዮም። ንአኦም ገሃነም እሳት ምስ ዝሓለፈን ምስ ዝመጽእን ዝተአሳሰረ ክቕየር ዘይክአል እዩ። ንሶም ካብዚ ሕጂ ዘለውዎ ዘይፈሊ መጻኢ ተስፋ ዘይብሎም እዮም። ኩሉ ጊዜ ሓደ ዓይነት አብ መስትያት ከም ዝርአ እዮም ዝርእዩ ንሱ ኸአ እዩ እቲ ገሃነም።
ክልተ ዓይነት ምዕጻው አሎ። አብ ሓደ ገዛ መውጽኢ ዘይብሉ ምዕጻውን ከምኡ አብ ነፍስኻ ተዓጺኻ አብ ርድኢትካን እምነትካን ኩሉ ካብ ማዕጾ ሕይወትካ ወጻኢ ዘሎ ኩሉ ዓለምን አብኡ ዘሎን ጸላኢኻ ገርካ ምርአይን። ካብቲ ዘሎኻዮ ገዛ እንተ ወጻእካ ገለ ዓይነት ሞት ከም ዝመጽኣካ ገርካ ትሓስብ። ዓለም አብ ገዛኻ አይትመጽአካን ትኸውን ንሳኻ እውን ካብ ገዛኻ አይትወጽእን ትኸውን። እዚ እዩ ቅዱስ የውሃንስ አብ ናይ ሎሚ ወንጌሉ ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ንሓዋርያት ዝገጠሞም ይብለና። ድሕሪ ስቕለቱ አብ ዕጹው ገዛ ብሓደ ተሸቕሪሮም ማዕጾ ዓጽዮም እዮም ነሮም። አብ ውሽጢ ንርእሶም ዓጽዮም ፍርሒ ብሓደ ዝገበሮም እዮም ነሮም።እቲ ገዛ ንፍርሖም ጥራሕ ዘርኢ መስትያት መውጽኢ ዘይነብሮ እዩ። እቲ እዋን ከም ገሃነም እዩ ነሩ ንሓዋርያት።
ቅዱስ ዮውሓንስ ካብዚ ከቢድ ፍርሒ መውጽኢ ከምዘሎ እዩ ዝነግር። እዚ ኸአ በቲ ኢየሱስ ዘምጽኦ ሰላም እዩ ዝርከብ። አብዚ ዕጹው ገዛ ብፍርሒ ዝተአከቡ ሰባት ኢየሱስ ምስ ሰላሙ ይመጽኦም። አብልዕሊ ልቦም ዝተጎድኤ ብፍርሒ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ እናበለ የስተንፍሰሎም። ከምቲ ዝተንሥኤ ኢየሱስ አብ ልዕሊኦም ዘስተንፈሰ፥ ሓዋርያት ብመንፈስ ቅዱስ ይመልኡ። መንፈስ ቅዱስ ብዕለተ ሰንበት ትንሥኤ ብመልክዕ እስትንፋስ ዝተቐበልዎ እዩ ንሱ ኸአ ኩሉ እቲ ሓዲስ ሕይወት ዝህቦም እዩ።
አብ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ እዩ ካብ ፍርሒ አብ ነጻነት ዝቕየር። ብመንፈስ ቅዱስ ጥራሕ እዩ ሓዋርያት ንዝሓለፈ ከም ብሓዲስ ክርእይዎ ዝኸአሉ ንዝመጽእ ከአ ብተስፋ ክርእይዎ ዝኸአሉ። መንፈስ ቅዱስ እዩ ካብቲ ተስፋ ዘይብሉ ምዕጻውን ካብቲ ፍርሒ ዝመልኦ ኩነታትን ነጻ ከውጽእ ዝኽእል። መንፈስ ቅዱስ ጥራሕ እዩ ካብቲ ሰባት አብ ግላዊ ዓዘቕቲ ማእሰርቲ ንዝርከቡ አብ ጎደና ነጻነትን ሕይወትን ዝንቀሳቐሱ ክወስድን ከብጽሕን ዝኽእል። ብሓዋርያቱ ገሩ መንፈስ ቅዱስ አብ ኩሎም ከብጽሕ እዩ። ሓዋርያት ከምቲ አብ ልዕሊኦም ብእስትንፋስ መንፈስ ቅዱስ ዝተቐበሉ ንሶም ከአ ከምኡ ገሮም ንብዙሓት አሕዛብ ካብቲ ዘለውዎ ገሃነም ከውጽኡ ብእስትንፋስ መንፈስ ቅዱስ ከውርዱሎም አለዎም።
ቅዱስ ሉቃስ እዩ ናይ መንፈስ ቅዱስ ተራ አብ ተልእኮ ሓዋርያት ብዝያዳ ዝነግረና። አብ ግ.ሓ ከም ዝንበብ አብ መዓልቲ ብዓል ሓምሳ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ከም ዝወረደ ይነግረና። ብዓል ጰንጠቆስጠ ብዓል አይሁድ እዩ ንሱ ኸአ ነቲ አምላክ ብሙሴ አቢሉ ዝአተወሎም ኪዳን ንምዝካር ዝብዓል እዩ ነሩ። ከም ባህሊ አይሁድ እቲ ኪዳን ዝአተዎ ድሕሪ ሓምሳ መዓልቲ ጉዕዞ ንምድረ ተስፋ እዩ ተዋሂቡ ዝብል ርድኢት አሎ። በዚ እዩ ብዓል ሓምሳ ወይ ጰንጠቆስጠ ብግሪኽ ሓምሳ ማለት እዩ። አብዚ ቅዱስ ሉቃስ ነቲ ብዓል ጰንጠቖስጠ ክርስትያናዊ ትርጉም ይህቦ ማለት ነቲ አምላኽ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ምስ ህዝቡ ዝአተዎ ኪዳን ከም ዘመልክት ይሕብር። ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ አምላኽ ምስ ህዝቡ ሓዲስ ርክብ ኪዳን ይአቱ። በቲ ዝተዋህበ ሓይሊ ሓዋርያት ንኹሎም ካብ አብ ዝኸድዎ ሓዲስ ቃላት ይዛረቡ። ንሉቃስ አብ መዓልቲ ጰራቅሊጦስ ነቶም ህዝቢ ሓዲስ ዕድል ንሓዲስ ርክብ ምስ አምላኽ ተዋሂብዎም ይብል። እዚ ብዓል ንሓዲስ ርክብ ክንፈጥር ዕድል ዝህብ፥ ንሓዲስ ግብሪ ዝዕድም እዩ። ብመንፈስ ቅዱስ ምሉእ ሓዲስ ሕይወት ክንረክብ ይክአል። አብዚ ከምቲ አብ ባቢሎን ሰባት ብሰንኪ ቋንቋ ዝተፈላለዩ ዘይኮነ ኩሎም እቶም ዝሰምዕዎም ዝነበሩ ከም ዝተረድእዎም እናገለጸ መንፈስ ቅዱስ ሓድነት ዝፈጥር ምዃኑ እሞ ብሓደ ኮና ክንልምኖ ከሎና ንሓድነትና ከም ዘደልድል ንርኢ።
ሓደ ዓይነት መንፈስ ሎሚ እውን አብ ማእከልና አሎ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ፡ ”ዝተፈላለየ ተግባራት አሎ እንተ ኾነ ካብ ሓደ ምንጪ እዩ፥ ዝተፈላለየ ውህበት አሎ መንፈስ ቅዱስ ግን ሓደ እዩ” እናበለ ህያባት መንፈስ ቅዱስ ብዙሕ ከም ዝኾነ ግን ኩሉ ካብኡ ከምዝምንጩ ይነግረና። አብ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለየ ህያባት ንዝተፈላለዩ ሰባት ክዕደል ንርኢ። እዚ ዝተፈላለየ ህያባት ካብ መንፈስ ቅዱስ እዩ መሰረቱ። ዝተፈላለየ ውህበታት ክንፈላለ ምእንቲ ዘይኮን ነፍስ ወከፍና አብቲ ወሃቢ እጃምና ክነበርክት ምእንቲ እዩ። አብ ኩሉ ብዕሉ ወሃቢ ስለ ዘሎ አብ ኩልና ዘሎ ውህበት ንሓደ ዕላማ እዩ።
ናይ ነፍሲ ወከፍና ተልእኮ እምብአር ነቲ መንፈስ ቅዱስ ዝዓደለና ውህበት አብ ግላዊ ሕይወትና አለሊና ክንክእል እሞ ክነምስግኖ ከምኡ ንኻልኦት ዝሃቦ ርኢና ክንክእል እሞ ብአአቶም ገሩ ንዝሃበና ክነምስግኖ። አብ መንፈስ ቅዱስ ዝተፈላለየ ውህበት ክንርኢ ከሎና ንመጻኢ ተስፋ እዩ ዝህብ። አብ ገሃነም እሳት ሰባት ሓደ ዓይነት እዮም ምኽንያቱ ካብቲ ሕጂ ዘለውዎ ዝፍለ ነገር አብኦም የለን እዚ ሕጂ ዘለውዎ ንዘለዓለም ንሱ እዩ ስለዚ ተስፋ ዝብሃል የለን። አብ መንፈስ ቅዱስ ዘልኦ ግን ነቲ ውህበታቱ አብ ዝተፈላለዩ ሰባት ክንርእዮ ከሎና ንመጻኢ እውን ካልእ ክህሉ ከምዝኽእል ክንርኢ ንኽእል። ገሃነም ነቶም አብኡ ዝርከቡ አብ ሓደ ማዕጾ ይዓጽዎም አብኡ መውጽኢ ዝብሃል የለን፥ መንፈስ ቅዱስ አብ ዘልኦ ግን ተስፋን እምነትን አሎ፥ ካብቲ ዘሎኻዮ ወጺእካ ንኻልኦት አብቲ ንስኻ አሎኻዮ ክትእድም ትወፍር። ሎሚ አብዚ ሓደ ገዛ ተአኪብና አሎና። ካብዚ ዘሎናዮ መውጽኢ አሎ። ቅድሚ ንዑናይ ንውጻእ ቅድሚ ምባልና ንመንፈስ ቅዱስ ንለምኖ በቲ ንሱ ዝዓደለና ዝተፈላለየ ህያባት ተበራቢርን ክነመስግኖ። ኩልና ብሓደ መንፈስ ክንጉዓዝ ከሎና አብ መንጎና ሰላም ምርድዳእ ክወርድ እዩ።
ብዓለ ጰራቅሊጦስ ክነብዕል ከሎና፡

ብዓለ ጰራቅሎጦስ ንሳልሳይ አካል ቅድስት ስላሴ ዘኪርና እነብዕሎ ፍሉይ ብዓል ስለ ዝኾነ ንፍሉይ ርክብ ምስ አምላኽ ክንፈጥር ዝገብረና ፍሉይ ዕለት እዩ። መንፈስ ቅዱስ አብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ዘልኦ ተራ ዓቢ ዝለ ዝኾነ ክመርሓና ክሕግዘና ምስኡ ቀጻሊ ርክብ ክንገብር ይግብአና። እሞ ሎሚ ልብና ሕይወትና ንኽፈተሉ። ኦ መንፈስ ቅዱስ ሎሚ እውን አብ ልበይ ሕደር ለውጠኒ ናትካ ግበረኒ ኩሉ ዘድልየና ህያባትካ አውርደልና አብ መንጎና ሰላም ክንፈጥር ሓግዘና። ኩሉ ዓለም ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ክኸውን ንልምነካ አሎና። ነፍስ ወከፍና አብ መንጎና ሓዲርካ ንግላዊ ድለትና ሃብና እናበልና ንለምኖ።
ዝተነስሐ ልቢ ሂቡ ጸግኡን ሓልዮቱን የውርደልና።
ርሑስ ብዓል ንኹልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.