Home Archivio
2011-06-11 15:23:28
ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ አውሲሊዩ፦ ሓልዮት ሕፃናት
ኣብ ልዕሊ ሕፃናት ዝፍጸም ዓመጽን ሓደጋን ምክልባትን ንምውጋድ ዝድግፍ እዚ ዓይነት ናይ ሕፃን ናይ መጻኢ ሕይወት ጸቕጢ ብዓንተውኡ ንምክልኻል ዘብቕዕ ትምህርትን ኣብዚ መዳይ ብቕዓት ዘለዎ
ሰብ ንምስንዳው ዘብቕዕ ሓድሽ ክፍሊ መጽናዕቲ ብትሕቲ ናይ ስነ ሕንጸት ጨንፈር ትምህርቲ ዝምራሕ ኣብ ዝመጽዕ ዓመት ናይ ትምህርቲ ዘመን ኣብ ጳጳሳዊ ኣውሲሊዩም መንበረ ጥበብ ክጅመር ምዃኑ ካብቲ መንበረ ጥበብ ዝተውሃበ መግለጺ የመልክት።
ኣብ ሥድራ ቤት ዘጋጥም ዘይምርድዳእን ምስሕሓብን ኣብ ልዕሊ ሕፃናት ዘስዕቦ ኣእምሮኣውን ሰብኣውን ጸቕጢ ንምውጋድን ከምኡ ድማ እታ ከቢድን መሪርን ምስሕሓብን ዘይምርድዳእን ዘጓነፋ ሥድራ ቤት ካብዚ ንኣባላታ ንዓቢ ሰብኣውን ስነ ኣእምሮኣውን ሽግራት ዘቃልዕ ኣጓኒፍዋ ዘሎ ሽግር ንምንጋፍ ብቐረባ ምሉእን ብቑዕን ደገፍ ከቕርብ ዝኽእል ምሁር ኣካል ንምስንዳው ዝሓቀነ ናይ ክልተ ዓመት መደብ ትምህርቲ ከምዝኾነን እዚ ክፍሊ ትምህርቲ ካብ መስከረም 2011 ዓ.ም. ጀሚሩ ዝወሃብ ከምዝኾነ እውን ናይቲ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ድረ ገጽ ይሕብር።
እቶም ኣብ ናይ መንሰያትን ሥድራ ቤትን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተዋፊሮም ዘገልግሉ ኣባላት ውሉደ ዘርኣ ክህነትን ገዳማውያንን ደናግልን ዓለማውያን ምእመናንን ነቲ ዘቕርብዎ ኣገልግሎት ዝድግፍ ክፍሊ መጽናዕቲ ከምዝኾነ እውን ክምልከት እንከሎ፣ መንፈሳውን ሥነ ኣእምሮኣውን ሰብኣውን ደገፍ ዝቐርበሉ መደብ ትምህርቲ እውን ከምዝኾነ ናይቲ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ድረ ገጽ ሓቢሩ።
All the contents on this site are copyrighted ©.