2011-06-11 15:25:14

ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት፦ ጸረ ምልካውነትን ሃጸይነትን ሥልጣን


ነቲ ኣብ ኣይቨርይኮስትን ሊቢያን ተቐስቂሱ ዘሎ ህልው ኩነታት ኣማእኪሎም ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሥርዓት ዴሞክራሲ ክሰፍሕን ውሕስ ክኸውንን ብናጻ ሕዝባዊ ምርጫ ዝግለጽ ድላይ RealAudioMP3 ሕዝቢ ዝመዞ ናይ መንግሥቲ ሥልጣንን መርሕነትን ንኣፍሪቃ ዘድልይዋ ምዃኖም ገሊጾም፣ ሕጊ ሥርዓት ዴሞክራሲ ደጊፎም መላኽነትን ሃጸይነትን ሥልጣን ክውገድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ክንገር እንከሎ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝርኤ ናይ መላእ ሕይወት ዘመን ሥልጣን መራሔ መንግሥታት ብዙሕ ጊዜ ኣውን ምትላላትን ምፍርራሕን ዝረኣይሉ ተምሳል ናጻ ሕዝባዊ መረጻ መሠረት ዝቐውም መንግሥቲ ከይህሉን ኣብ ኣፍሪቃ ሥርዓት ዴሞክራሲ ክሰርጽን ክሰፍሕን ሓደራ ኣምዝበሉ ተገሊጹ።

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝካየድ ሕዝባዊ መረጻ ሕቡራት መንግሥታት ዓለም ብተዓዘብቲ ልኡኻት ገይሩ እቲ ዝካየድ ሕዝባዊ ምርጫ ስሩዕን ሕጋውን ከምዝኾነን ምትላላትን ምፍርራሕን ዘለዎ ከይከውን ብቐረባ ክከታተልዎ ናይቶም ዝካየዱ ምርጫታት ሕጋውነቱ ክመዝን ይግባእ እንክብሉ ብፁዓን ጳጳሳት ምዕራብ ኣፍሪቃ እዚ ዓይነት ሱታፌ ብምሕታት፣ ተልእኾ ቤተ ክርስትያን ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ደቀ መዛሙር ብምስንዳው ኣብ እትልእኾም ሃገራት ነቲ ሓቅን ሕይወትን መገድን ዝኾነ እናሓበሩ ናይተን ኣገልግሎት ዝፍጽሙለን ሃገራት ዜጋትት ኮይኖም ከፍቅርወንን ክሓልዩለንን ንሕዝቦም ዝሓልዩን ምእታኦም ዝጣበቑን ናይ ሰላም መሣርሒ ኮይኖም ክርከቡ ከምዘለዎምን ኵላዊ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ብቓልን ሕይወትን ክምስክሩ ከምእተተባብዕ ድማ ኣመልኪቶም፣ ብናይ ሰብኣዊ ደገፋት ዝተኸወለ ተግባር መሠረት ናይ ድኻታት ሃገራት ሉዓላውነትን ድላይ ሕዝቢን ሰብኣዊ ክብሪ ከይገሃስ ድማ ብፁዓን ጳጳሳት ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣተሓሳሲቦም፣ ዓለም ሓቆፍ ማሕበረሰብ ዘቕርቦ ናይ ሰብኣዊ ደገፍ ሕቡዕ ዕላማ ዘለዎ ክኸን የብሉን ቢሎም፣ ኩለን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሰላምን ፍትሕን ዕርቅን ኣብ ምትብባዕ መዳይ ክዋፈራ ድማ ሓደራ ቢሎም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “ዓመጽን ጽልእን ወትሩ ናይ ሥዕረት ምልክትን መጻኢ ናይ ዘይብሉ ጉዕዞ ሓባሪ ጸረ ተስፈይናን ጸረ ብሩህ መጻእን እዩ” ዝበልዎ ሓሳብ ጠቒሶም ኣብ ኣፍሪቃ ሥርዓት ዴሞክራሲ ክሰፍሕ ዝጽውዕ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ከምዘጠቓለሉ ተገሊጹ።







All the contents on this site are copyrighted ©.