2011-06-11 15:21:47

ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን


ጀኔነቭ ኣብ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሓልዮት ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ቶማሲ ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝምራሕ ዓወደ መጽናዕቲ ንዕለ 20 ሰነ 2011 ዓ.ም. ከምእተሰናደወ ሓቢሮም፣ ኣብዚ ዓወደ መጽናዕቲ RealAudioMP3 ዝተፈላለዩ ናይ መንግሥቲ ኣካላትን ናይ ኣቢያተ ክርስትያን መንፈሳዊ መራሕትን ከምዝሳተፉን ዘረባ እውን ከስምዑ ምዃኖን ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ መልእኽቲ ከመሓላልፉ ምዃኖም እውን ጠቒሶም፣ ምስቲ ዓወደ መጽናዕቲ ተተሓሒዚ ሓዋርያዊ መገሻታት ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝገልጽ ናይ ስእሊ ምርኢት ክቐርብ ምዃኑ ሓቢሮም።

ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝሓሊ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ማኅበር ናይዚ ዓለም ሓቆፍ ማኅበር እቲ ዝለዓለ ቤት ምኽሪ ምዃኑ ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ ገሊጾም፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ መዳይ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሓልዮት መሠረት ናይቶም ድምጺ ዘይብሎም ጽምጺ ኮይኖም ዘበክርከትዎ ደረት ኣልቦን ልዑል ኣስተዋጽኦ ኩሉ ዝፈልጦን ብፍላይ ድማ መንግሥታት ዓለም ብቐረባ ዝዝክርዎ እዩ። ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ተማጓቲ ር.ሊ.ጳ. ብዝብል ስም እውን ብዙሓት ከምዝገልጽዎም ዘኪሮም፣ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ መበል 23 ፓቸም ኢን ተሪስ - ሰላም ኣብ ምድሪ ኣተሰምየት ዓዋዲት መልእኽትን ከምኡ ድማ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣምሪሖም ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ሠረት ትምህርቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዘነቓቕሑን ውሑስ ክኸውን ከምዘተባብዑን ኣብዚ መዳይ ናይ ኵሉ ሓላፍነት ዘነቓቕሑን ኢዩም።

ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ዘተሓላልፍዎ መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘነቓቕሕዎ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ቲዮሎጊያዊ ባህርእዩ ዘነጽር ከምዝኸውንን ቀጺሎም ኣብቲ ዓውደ መጽናዕቲ ዝሳተፉ ኣብ ፈረንሳ ናይ ሊዮነ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ፊሊፐ ባርባሪን፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ምኽባር ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ኣስተምህሮ ቀጺሎም ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ እስራኤል ልኡከ መንግሥቲ ሞርደቻይ ለውይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን እምነት ኣይሁድን ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ርክባት ብዛዕባ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሕስነት ዝሃብዎ ኅሊና ዘነቓቕሕ ኣስተምህሮን ኣብነትን ዝትንት ዘረባ ከስምዑ ምዃኖም ብፁዕ ኣቡነ ቶማሲ ገሊጾም፣ ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋንን ብፖለቲካ ብኤኮኖምን ሃይማኖትን ምኽንያት ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ከይገሃስን እቲ ዝለዓለ ፖለቲካን ኤኮኖም ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ኣብ ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ዝኣምን ክኸውን ከምዘለዎ ዝሃብዎ መሪሕ ሥልጣናው ትምህርቲ ዝሥመረሉ ዓወደ መጽናዕቲ ከምዝኸውን ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.