2011-06-10 13:08:41

ሮብዓዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊ.ጳ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ሰሙን ሐደ ግዜ ዕለተ ሮቡዕ ንምእመናን ትምህርቲ ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝህቡ ክዝከር ከሎ ትማሊ ክአ ከምቲ ዝተለመደ ነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ዝተአከቡ ምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም ።
ቃለ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16፤ ኤውሮጳ ካብ እግዚአብሔር ክትፈርሕ የብላን ምንጪ ክርስርትንአ ከተሐድሶ አለዋ፤ ንስድራ ቤት ክአ ክተከላኸለሎም ይግባእ ኢሎም።
እዚ ትማሊ ቅዱስነቶም አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንምአመናን ዝሀብዎ ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ አብቲ ዝሕለፈ መወዳእታ ሰሙን አብ ክሮአጽያ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ሐዋርያዊ ዑደት ዘተኮረ ኢዩ ዝነበረ። ዝሐለፈ ሰንበት አብ ክሮአጽያ ብሀገር ደረጃ በዓል ዕለተ ካቶሊካውያን ስዳራ ቤታት ተኸቢሩ ከም ዝውዓለን፤ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አብ ናይ ክሮአጽያ ርእሰ ከተማ ዛጋብርያ ንልዕሊ 300 ሺሕ ህዝቢ አብ ዝተረኸበሉ ሥርዓተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ዝዝከር ኢዩ። ቅድስነቶም አብዚ ትማሊ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ እቲ አብ ክሮአጽያ ዘካየድዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ሐዋርያዊ ዑደት ጽቡቅን አዎንታውን ከም ዝነበረ ጠቂሶም፡ ጊደ ክርስትያንዊ ስድራ ቤት አብ ቤተ ክርስትያንን ኅብረተ ሰብን አዝዩ አጋዳሲን ቀላስን ከም ዝኾነ አገንዚቦም ።
ቃል ኪዳን አልዒሎም ክአ ሚስጢረ ተክሊል ክቡርን ክዕቀብ ዘለዎን ከም ዝኾነ፤ ብቃል ኪዳንካ እሙን ኬንኳ ምንባር ምስክር ፍቅሪ መድኅን ክርስቶስ ከም ዝኾነ አመልኪቶም።
ኤውሮጳ ስዳራ ቤታት ክርስትያን ከም ዘድልያን ካብቲ ሐቅን ፍቅርን ዝኾነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክትርሕቅ ከም ዘይብላን ክአ ተላብዮም።
ናይ ሎሚ ኤውሮጳ ብፍላይ ድልዱል ምንጭን ክርስትያናዊ ባህልን ዘለወን ሀገራት ኤውሮጳ አብ ቃል ኪዳን ዝተመሥረተ ክብሪ ስድራ ክዕቅባ ሐላፍነት ከም ዘለወን አተሐሳሲቦም። አብ ቃል ኪዳን ዝተመሥረተት ስዳራ ቤት አብ ዓውደ ማኅበራውን ትምህርትን ወሳኒ ጊደ ከም ዘለዋ ክአ ገሊጾም።
ቅዱስ አቦና በነዲክቶስ ነቲ ዝሐለፈ ሰንበት አብ ናይ ክሮአጽያ ርእሰ ከተማ አብ ዛጋብርያ 300 ሺሕ ዝኽውውን ህዝቢ ዘሳተፈ ዘካየድዎ ሥርዓተ ቅዳሴ ዘኪሮም፤ ሽሕኳ አብ ስዳራ ቤታት ፍትሕ ይሃሉ ድአምበር ጽኑዕ ቃል ኪዳናት ከም ዘሎን እዚ ከኣ ፍቅሪ ክርስቶስ ዝምስክር ከም ዝኾነን አመልኪቶም። ምስ መንእሰያት ክሮአጽያ አብ ዝተራከቡሉ ተድላን ሐጎስን እምነት፡ ከም ዝህበና እግዚአብሔር ወትሩ ከም ዘፍቅረና ክንርዳእ የኽእለና ብማለት ንመንእስያት ከም ዝገለጹሎም ክአ ዘኪሮም። ቀጺሎም አብቲ አብ ውሽጢ ካተድራል ዛጋብርያ ዝርከብ መቃብር ብፁዕ ስተፊናክ ከም ዝጸለዩ ዘኪሮም፡ ብፁዕ ስተፊናክ ናይ ጥንታዊ ክርስትያናዊ ባህሊ ክሮአጽያ አብነት ከም ዝኾነ ገሊጾም። ዜጋ ክሮአጽያ ብፁዕ ስተፋኒክ ጸረ ፋሺሽታውን ናዚን ሥርዓታት ዝቆሙ ድሐር ክአ ንክርስትያናዊ ሃይማኖት ዝጸረር ዝነበረ ናይ ኮሚኒስት ሥነ ሐሳብ በዲሆም ምእንቲ እምነቶምን እምነተ ክርስትናን ሕይወቱ ዘሕለፈ ብፁዕ ከም ዝኾነ ቅድስነቶም አዘኻኺሮም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲቶስ አተሓሒዞም ነቲ ዝሐለፈ ሰሙን መወዳእታ አብ ክሮአጽያ ዘካየድዎ መበል 19 ሀገራት ሐቆፍ ሐዋርያዊ ዑደት ዘኪሮም አብ ዛጋብርያ ሀገራዊ ትያትር ምስ አባላት ቤርጌሳዊ ማሕበረ ሰብ ምስተራኸቡ ብዛዕባ’ቲ ቅድሚ ሠለስተ ክፍለ ዘመናት ዝነብር ዝነበረ ኢየሱሳዊ ምሁር ሳይንስ ቦስኮቪች አልዒሎም ባህሊ ክርስትና ክሮአጽያ ዘለዎ ታሪኻዊ ዕምቁትን ምሉእነት ካቶሊካውነትን ዘተኮረ ዲስኩር ከም ዝገበሩ አመልኪቶም። እዚ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመታት ዝነበረ ባህሊ ክርስትና ኤውሮጳ ከይሀስስ ጥንቃቀ ከም ዘድሊ ካብ ፈጣሪ ምንጻል ናብ ጥፍአት ከም ዘምርሕ ክአ እተሐሳሲቦም። እግዝእብሔር ከሃሌ ኩሉ ርሕሩሕ መሓሪ ተስፋ ብርሃን ከም ዝኾነ ክአ ቅድስነቶም አገንዚቦም።
አብ መወዳእታ ክአ ዝመጽእ ዘሎ ሰንበት ዕለተ ጰራቂሊጦስ ከም ዝኽነ ንምአምናን ብምዝኻካር ምእንቲ መንፈስ ቅዱስ ክወርድ ክጽልዩ ሐደራ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.