2011-06-09 13:50:38

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ናይ ሰላም ሽግ ባሪኾም


ኣብ ኢጣሊያ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ካብ ማቸራታ ናብቲ ኣብ ሎሬቶ ዝርከብ ማርያማዊ ቅዱስ ሥፍራ ምእንቲ ምርግጋጽ ሰላም ኣሚቱ ዝፍጸም ናይ እግሪ ጉዕዞ ምኽንያት፣ እቶም ኣብቲ ናይ ለብዘበ መበል 33 ዓመት መንፈሳዊ ንግደት ናብ ማርያማዊ ቅዱስ ሥፍራ ምእንቲ ሰላም ዝፍጸም ናይ እግሪ ጉዕዞ ተሳተፍቲ ትማሊ ኣብቲ ረቡዓዊ RealAudioMP3 መደብ ሰሙናዊ ኣስተምህሮ ትምህርቲ ቅዱስ ኣቦና ተሳትፊም፣ እታ ዝምርሑላ ናይ ሰላም ሽግ ብናይ ማቸራታ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ክላውዲዮ ጁሊዮዶሪን ብናይ ሎረቶ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ቨቸሪካ ተሰንያ በቶም ተሳፍቲ ናይቲ መንፈሳዊ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ናብ ቅዱስ ኣቦና ቐሪባ ብቅዱስነቶም ከምእተባረኸት ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርቲ ክርስቶስ፣ ነቶም ብናይ ማቸራታን ሎረቶን ብፁዓን ጳጳሳት ዝተሰነዩ ኣብዚ መበል 33 ካብ ማቸራታ ናብ ሎረቶ ምእንቲ ሰላም ዝፍጸም መንፈሳዊ ንግደት ናይ እግሪ ጉዕዞ ተሳተፍቲ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፣ ነቲ ዝፍጽመዎ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ እግዚአብሔር ክባርኾን፣ ኣብቲ መንፈሳዊ መደብ ብመንፈስ ተሳታፊ ምዃኖም እውን ከምዘረጋገጹ ናይቲ መንፈሳዊ ንግደት ናይ ዜና ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ኤማኑኤለ ሶሪኬቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ነፍሰ ኄር ናይ ኮሙኒዮኔ ኤ ሊበራዚዮነ ሓድነትን ነጻነትን ናይ እተሰምየ ካቶሊክ ምንስቃስ መሥራቲ ኣባ ልዊጂ ጁሳኒ ኣብ ሓደ እዋን ዝተፈላለዩ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቃስ ኣባላት ምስ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝፈጸመዎ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ናይ ታሪኽ በዓል ቤትን ታሪኽ ሠራሕን ቀንዲ ተዋሳእን እቲ ነዳይ ኢዩ። እዚ ድማ እቲ ልቢ ወዲ ሰብ ዝልምን ወይ ድማ ዝደሊ ክርስቶስን እቲ ንኽርስቶስ ዝልምን ሃረር ዝብል ልቢ ሰብ ምዃኑ ኣረዲኦም፣ ብሓቂ እቲ ናይ ለብዘበን ካብ ማቸራታ ናብ ሎሬቶ ማርያማዊ ቅዱስ ሥፍራ ዝፍጸም ናይ እግሪ ጉዕዞ መንፈሳዊ ንግደት ወዲ ሰብ ነዳይ ከምዝኾነን፣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዘድልዮን ዝሓቶም ዝልምኖን ሃረር ዝብሎን ከምእተነብረን እዚ ድማ ሓታትን ነዳይን ከምዝኾነ ንኽርዳእ ብዝብል ሓሳብ ዝተሰየነ ከምዝኾነን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ካብ ዕለት 4 ሰነ ክሳብ ዕለት 5 ሰነ 2011 ዓ.ም. ኣብ ክሮአዚያ ኣብ ዝፈጸመዎ ሓዋርያዊ ብጻሕ ኣብ ዛጋብሪያ ኣብ ዝሃብዎ መሪሕ ቃል ወዲ ሰብ ናብቲ ካብኡ ዝዓበየ ከምዝጥምትን ንኣኡ ንምሕታትን ድላይ ዘለዎን ናብቲ ካብ ገዛእ ርእሱ ዝተፈለየን ዝዓበየን እዚ ድማ ደረት ሰገር ናብ ዝኾነ ቁልሕ ዝብል እዩ እንክብሉ ዘረድእዎ ሓሳብ ዘድምዕ እዩ ኢሎም።

መንፈሳዊ ንግደት ዓቢይ መንፈሳዊ ኣጋጣሚ ኢዩ፣ ናይቲ መንፍሳዊ ንግደት ሕዝባዊ ባህርይ ዝንጸባረቐሉን ብሓባር ዝፍጸም ማለት ሕዝባዊ መንፈሳዊ ጉዕዞ እዩ፣ እቲ ዝሓትትን ዝውድስን ጽን ዝብል ፍጥረት ሰብ ብሓባር እቲ ውልቃዊ ሕቶኡ ናይ ሓባር ገይሩ ብኣማላድነት እኖ እግዚኣብሔር ነቲ ናይ ሰላም ንጉሥ ንኸቕርብ ዝሓቀነ መንፈሳዊ ንግደት ኢዩ ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.