2011-06-07 12:33:13

ዱብሊን፣ መደብ ምስንዳው ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን 2012


ኣብ ዱብሊን ንኽካየድ ተወሲኑ ዘሎ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቅዱስ ቁርባን ጉባኤ መገድን ብፍላይ ድማ ንዅሉ ናይ ሕዳሴ እዋን ከምዝኸውን ናይቲ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቅዱስ ቁርባን ጉባኤ ዋና ጸሓፊ ኣባ ከቪን ዶራን RealAudioMP3 ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣንከመልከት፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ምእመናንን ኅብረተሰብ ኣየር ላንድ በቲ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉደ ክህንት ዝተፈጸምመ ናይ ወሲብ ዓመጽን ዘጸይፍ ተግባራትን መሠረት ኣብታ ሃገር ንዘተኣታተዎ ድርብ መልክዕ ዘለዎ ፍሽለት ተኣማንነትን ኣእማንነትን ከምእዉ እውን ካብ ኅብረተሰብ ዝተነጸለ ኣብ ማህበራዊ ፍትሒ ዘየተኰረ ኣብ መኽሰብ ጥራሕ ዝጓየ ናይ ኤኮኖሚ ፖለቲካን ንገዛእ ርእሱ ከይዲ ምሕደራ ፖለቲካ ዘተኣታተዎ ዘሎ ካልኦት ጸገማት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ዝፍጸም ዓለም ሓቆፍ ናይ ቅዱስ ቁርባን ጉባኤ ከምዝኾነን ኣዘኻኺሮም፣ ብሓቂ ኩሉ ንኅዳሴ ዘተባብዕ ናይ ኅዳሴ እዋን ከምዝኸውን ዝተረጋገጸ ኢዩ ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እዚ ካብ ዕለት 10 ክሳብ ዕለት 17 ሰነ 2012 ዓ.ም. ዝካየድ ዓለም ሓቆፍ ናይ ቅዱስ ቁርባን ጉባኤ ኣብ ክሮከ ፓርክ ማሕበራዊ ቦታ ብዝቐርብ ስታዚዮ ኦርቢስ - ኣዚዩ ብዙሕ ማለት ሓፈሻዊ ሱታፌ ዝዓሰሎ ካብ 80 ሺሕ ንላዕሊ ሕዝቢ ክሳተፈሉ ኢዩ ዝብል ግምት ተዋሂቡሉ ዘሎ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሠረት ከምዝዛዘም ኣባ ከቪን ዶራን ሓቢሮም፣ ነቲ ንኽካይድ ተወሲኑ ዘሎ መበል 50 ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ቅዱስ ቁርባን መሰናደዊ ኣብ ዱብሊን ካብ 75 ሃገራት ዝተዋጽኡ ልኡኻትን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ካቶሊክ መራኸቢ ብዙሃን ልኡኻት ዘሳተፈ ክካይድ ዝቐነየን ኣኼባ ዝሓለፈ ዓርቢ ከምእተፈጸመ እውን ሓቢሮም፣ ነዚ ጉባኤ መካየዲ ዝኸውን ገንዘብ ካብ ምእመናን ይዋጻእ ከምዘሎን ኣብ ኩለትን ኣቢያተ ክርስትያን ኣየር ላንድ ነዚ ጉባኤ መካየዲ ምጽዋት ጎስጓስ ይካየድ ከምዘሎ ከምዝሓበሩ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።








All the contents on this site are copyrighted ©.