2011-05-28 14:40:23

ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ዘተኮረ ሲኖዶስ


ኣብ ቫቲካን ካብ ዕለት 17 ግንቦት ክሳብ ዕለት 18 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ናይ ማእከላይ ምብራቕ ሲኖዶስ ፍሉይ ቤት ምኽሪ፣ ሃይማኖታዊ ዘተን ሰላምን ፍትሕን ኣብ ሃገራት ዓረብ ዝርኤ ዘሎ ለውጥታትን ከምኡ ድማ እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን መሠረት ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ዝብሉ ርእሰ ጉዳያት ኣተኲይሩ RealAudioMP3 ከምእተኻየደ ክንገር እንከሎ፣ ነቲ ጉባኤ ዝመርሑ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጠቕላይ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤቶሮቪች ከምዝኾኑን ብፁዕነቶም ነቲ ጉባኤ ቅድም ቀዳድም ሓድሽ ናይ ኣንጽዮኪያ ናይ ማሮናዊት ሥርዓት እትኽተል ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ኣቡነ በቻራ ቡትሮስ ራይ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዛዕባ ማእከላይ ምብራቕ ሃገራትን ከምኡ ድማ ሰሜን ኣፍሪቃን ኣመልኪቶም ብቐዳምነት ኣብተን ሃገራትን ሕዝብን ሰላምን ፍትሕን ዝኣመተ ናይ ሓባር ዘተን ምክብባርን ምቅብባልን ምድግጋፍን ውጥረትን ግጭትን ብዘተ ክፍታሕን ናይ ዘተ መድረኽ ክተባባዕን እዚ ባህሊ ክሰርጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እዘን ሃገራትን ሕዝበንን ብርሃን ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከይፍለየንን ክድግፈንን ከምዝጸለዩ እውን ከምዘዘኻኸሩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ናይዚ ናይ ማእከላይ ምብርቕ ብጹዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቤት ምኽሪ ኣባላት፣ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሕዝበንን ሃይማኖታውን ማኅበራውን ሰብኣውን ኤኮኖሚያውን መዳያት መሠረት ዝገበረ ተስፋን ስክፍታን ተንቲኖም ናይተን ሃገራትን ናይ ዓለም ሓቆፍ ናይ ፖለቲካ ኣካላትን ሰበ ሥልጣንን ናይ ኩሉ ዜጋ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድ ውሑስ ክኸውን ከተባብዑን ብዘይ ሃይማኖታውን ዓሌታውን ኣድልዎ ክብሪ ሰብ ክሕሎን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ክዓዩ ጻዕዊት ኣቕሪቦም፣ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ምርግጋጽ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ መሠረት ምዕባለን ምክብባርን ከምዝኾነን፣ ኩለን ሃማኖታት ብሓባር ብዘቕርብኦ እውነተይና ናይ ቃልን ተግባርን ምስክርነትን እቶም ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰዓብቲ ዝህብዎ ናይ ቃልን ሕይወትን ምስክርነት ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራ ብትዕግሥትን ጽንዓትን ፍቕርን ኣብ ምርግጋጽ ዝግበር ከይዲ መሠረት ከምዝኾነ ከምዘስመርሉን እቲ ጉባኤ መቐጸልታ ኣኼባኡ ካብ ዕለት 6 ክሳብ ዕለት 7 ሓመለ 2011 ዓ.ም. ንምክያድ ቆጻራ ድሕሪ ምውሳድ ከምእተዛዘመ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.