2011-05-28 14:35:34

ምእንቲ ክብሪ ቅዱስ ኣቦና ናይ ውሁድ ሙዚቃ ምርኢት


ናይ ሃንጋሪ ርእሰ ብሔር ፓል ሽሚት ሃገሮም ናይ ኅብረት ኤውሮጳ ተረይና ናይ ሊቀ መንበርነት ሓላፍነት ብወግዒ ዝተቐበለትሉ ዕለትን ከምኡ ድማ ብምኽንያት እቲ ዕለት 31 ሓምለ 1886 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየ ውሩይ ሃንጋርያዊ ሥነ ሙዚቀኛን ደራሲ ሙዚቃን ዓቢይ ናይ ኦርጋን RealAudioMP3 ናይ ሙዚቃ መሣርሒ ሥነ ጥበበይና ፍረንች ሊስዝት ዝተወለደሉ ዝኽሪ መበል 200 ዓመት ምኽንያት ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳርራሽ ብናይ ሃንጋሪ ብሔራዊ ናይ ሙዚቃ ጉጅለ ዘማርያንን ሙዚቀይናታትን ዝተሰነየ ናይ ሊስትዝን ዞልታን ኮቺስን ንዝኽሪ ጎተ ዓቢይ ናይ ሙዚቃ ሥነ ጥበበይናን ናይ ሙዚቃ ደራሲ ዝኽሪ ዓመት ምኽንያ ዝደረስዎ ናይ ምርሻ ሙዚቃን ኣብ ሮማ ንኽብሪ ቅድስት ድንግል ማርያም ዝደረሶ ሰላም ነዓኺ ኦ ማርያም ዘርእስቱን ከምኡ ድማ መዝሙረ ዳዊት ምዕራፍ 13 ናይ ሊስዝት ናይ ሙዚቃ ድረስት ዘጠቓለለ ውሁድ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ንኽብሪ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 06.00 ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ነቲ ናይ ሃንጋሪ ብሔራዊ ጉጅለ ሙዚቀይናታትን መዘምራንን ዝመርሑ ሥነ ሙዚቀይና ዞልታን ኮቺስ ከምዝኾኑ እውን ክሕበር እንከሎ ብዛዕባ እዚ ንኽብሪ ቅዱስ ኣቦና ዝቐረበ ውሁድ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ኣመልኪቶም ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፐስትን ሊቀ ጳጳስ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ክርስትያናዊ ባህሊ ሃንጋርን ናይ ሃንጋሪ ቀዳማይ ክርስትያን ንጉሥ ካብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሲልቨስሪ ዳግማዊ ዘውዲ ንግሥና ዝተቐበለ ቅዱስ ስቴፋኖን ጠቒሶም ታሪኽ ክርስትና ሃንጋርን ከምኡ ድማ እቲ ምስ ሓዋርያዊ መንበር ማለት ምስ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዘለዋ ምትእስሳር ጥንታውን ጽኑዕን ምኻኑ ዘመልክት ኢዩ። ሽሕ’ኳ ኣብዚ እዋን’ዚ ኤውሮጳ ብተዛማዲ ባህሊ ዝተጠቕዔት እውን እንተኾነት ናይ ኤውሮጳ ኣብ ክቡር ዋጋታትን ሥነ ሓሳባትን ዝቖመ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተመሓላለፍ ዝመጽእ ውህደትን ኣእማንነትን ካብ ናይ ክርስትና ባህሊ ዝተወልደ መሠረታዊ ናይ ውህደት ኣእማንነትን ጸጋ ኢዩ፣ ስለዚህ ኣብዚ ባህላዊ ማኅበራዊ መዳይ ናይ ቅድስቲ መንበርን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ተራ ዓቢ ምዃኑ ዘነጽር እውን ኢዩ፣ እዚ ብናይ ሃንጋሪ መንግሥትን ርእሰ ብሔርን ንኽብሪ ቕዱስ ኣቦና ዝቐረበ ውሁድ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ነዚ ዘረጋገጽን ንናይ ኤውሮጳ መጻኢ ናይ ትእምርቲ ተስፋ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ዛዘሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.