2011-05-24 15:31:51

ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ፦ ናይ ቤተ ክርስያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ሠረት እምነት


ትማሊ ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ናይ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ናይ እንተ ላእለ ኩሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ሠረት እምነት ብፍሉይ ዘጽንዕ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሥነ ምርምር ማእከል RealAudioMP3 ንኽቐውም ዝኣመተን ነዚ መደብ እዚ ንምርግጋጽ ዝድግፍ ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ካሪታስ ኢን ቨሪታተ- ፍቕሪ ብሓቂ እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ዝተማእከለ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዓወደ መጽናዕትን ምይይጥን ከምእተኻየደ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ዝተኻየደ ዓወደ መጽናዕቲ ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ማሪዮ ቶሶ ዝርከብዎም ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ሠረት እምነት ሊቃውንቲ ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናንን ዝውክሉ ከምእተሳተፉ እንክሕበር ናይቲ ዓወደ መጽናዕቲ ዕላማ ዘማእከለ ዘረባ ብምስማዕ ነቲ ጉባኤ ዝኸፈቱ ናይ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ኤንሪኮ ዳል ኮቮሎ ከምዝኾኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ብፁዕነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፣ ብናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ሠረት እምነት ዝተሓንጸን ኣብ ማኅበራዊ ጉዳያት ብቑዕን ሃላፍነት ዝስምዖን ብናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርትን ሰነዳት ቅዱሳት ጉባኤታትን ሠረት እምነትን ተመሪሑ ኣብ ማኅበራዊ ጉዳይ ዝዋሳዕ ዜጋ ምስንዳው ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ ማኅበራውን ፖለቲካውን ኤኮኖሚያውን ኣብ መራኸቢ ብዙኃንን ሥነ ምርምርን መዳያት ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ሠረት እምነት ዘንጸባርቕ መምርሒ መታን ክሰርጽ እዚ ድማ ንማንም ዝጻረርን ዘወግድን ምርጫ ኣይኮነን፣ ስለምታይ ሰብ ዘማእከለ ሠረት እምነት ኢዩ ቢሎም፣ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መናብርተ ጥበባት እዚ ዓይነት ናይ ሥነ መጽናዕቲ ጨንፈር ክህልው ዘተባብዕ እውን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።

ኣብ ጳጳሳዊ ላተራነንሰ መንበረ ጥበብ መምህር ናይ ኤኮኖሚ ሠረት መምርሒ ሊቅ ፍላቪዮ ፈሊቸ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ሠረት እምነት ዘማእከለን ኣብዚ ጉዳይ ሥልጣናዊ ትምህርቲ ቤተ ክርስትያን ዘቕርብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ዓዋዲ መልእኽትታት ብዕምቆት ዝተሰናደወ ወለዶ ኣገዳሲ ኢዩ ኢሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.