2011-05-19 13:57:09

ኡራጉዋይ፣ ናይ ላቲን ኣሜሪካን ካሪቢያንን ብጹዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ


ኣብ ኡራጉዋይ ከተማ ሞንተቪደኦ ናይ ላቲን ኣሜሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ጳጳሳዊ ናይ ላቲን ኣሜሪካ ጉዳይ ዝሓሊ ድርገት ሊቀ መንበርን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተን ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦሌት ብዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴን RealAudioMP3 ናይታ ነቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ እተእንግድ ሃገር ኡራጉዋይ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ካርሎስ ማሪያ ኮላዚ ኢራዛባል ንተጋባእያን ብፁዓን ጳጳሳት ብዘቕረብዎ ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ናይ ሰላምታ መልእኽቲ ካብ ዕለት 16 ግንቦት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 21 ግንቦት 2011 ዓ.ም. መበል 33 ሓፈሻዊ ኣኼባ ይቕጽል ከምዘሎ እንክንገር፣ እዚ መበል 33 ናይ መላእ ላቲን ኣሜሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ጉባኤ እቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ካብ 2007 ክሳብ 2011 ዓ.ም. ዝግልገለሉ ዘሎ ሓፈሻዊ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ትግባሬኡን ውጽኢቱን ዝግምግምን በዚ መሠረት ካብ ግንቦት 2011 ዓ.ም. ጀሚሩ ክሳብ ግንቦት 2015 ዓ.ም. ዝጥቅመሉ ሓፈሻዊ መደብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖሎዎ ዝሕንጽጽን ናይቲ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ነርባዕተ ዓመት ብሊቀ መንበርነት ዝመርሕዎን ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም ዝፈጸሙ ዘለዉ ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ኮይኖም ንዝተሓርዩ ኣብ ብራዚል ናይ ኣፓረሲዳ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ራይሙንዶ ዳማሼኖ ኣሲዚ ዝትክእ ኣካልን ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ መማኽርቲ ብፁዓን ጳጳሳት ክሓርይ ከምዝኾነ ኣብዚ ሓፈሻዊ መበል 33 ጉባኤ ካብ ካናዳን ሕቡራት መንግሥታት ኣመሪካን ፖርቱጋልን ስፐይንን ናይ ብፁዓን ጳጳሳታ ቤት ምክርታት ዝተዋጽኡ ልኡኻት ብፁዓን ጳጳሳትን ከምኡ እውን ጳጳሳዊ ናይ ላቲን ኣመሪካ ጉዳይ ዝሓሊ ድርገት ምኽትል ሊቀ መንበር ብፁዕ ኦክታቪዮ ሩኢዝ ኣረናስ ኣብ ኡራጉዋይ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ አንሰልሞ ጉይዶ ፐኮራሪን ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካ ናይ ገዳማውያን ማኅበራት ዝሓቁፍ ማኅበር ሊቀ መንበር ኣባ ፓውሎ ኦትርይን ናይ ሥነ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ጉዳይ ናይቲ ክፍሊ ዓለም ሥነ ኣቢያተ ክርስትያን ፈላጣታን ሊቃውንትን ይሳተፉ ከምዘለዉ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ምኽሪ መግለጺ የመልክት።

ብፁዕ ኣቡነ ፐኮራሪ ነቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ እታ ክፍሊ ዓለም ካብ ባዕዳዊ መግዛእታ ናጻ ዝወጻትሉ መበል ክልተ ሚእቲ ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን ኣብቲ ናይ ናጽነት ጎዳና ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብዝተፈላለየ መንፈሳውን ማኅበራውን ሰብኣውን ሕንጸት ብዝተሰነየ ኣስፍሆተ ወንጌል መሠረት ዘበርከተቶ ኣስተዋጽዖ ኣዚዩ ልዑል ከምዝኾነን ገሊጾም፣ ኣብ 20 ክፍለ ዘመን ዝተቐላቐለ ተርእዮታት ሕሉፍ ዓለማውነት ዝስዓቦ ጸረ ቤተ ክርስትያንን ጸረ ካህናትን ኣመለኻኽታን ዘየለ እውን እንተኾነ፣ ከም ኣብነት ኡራጉዋይ ጠቒሶም እንተኾነ ግን ኣብ ካቶሊካዊ ሕንጸት ምትዕንቓፋት ኣስዒቡ ኢዩ ከምዝበሉን ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት ኣብ ላቲን ኣመሪካ እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ንመንበረ ጴርጥሮስ ኣዚያ ኣገዳሲት ምዃና ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ንብፁዕ ኣቡነ ኦክታቪይ ሩዊዝ ናይ ዳግመ ኣስፍትሆተ ወንጌል ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ነኸገልግሉ እንክሰምዮውም፣ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ሱታፌን ኣገልግሎትን ኣብ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ኣስተዋጽዖ ኣፍልጦ ዝህብን ዘድንቕን ምዃኑ ኢዩ ዘመልክት ኢሎም፣ እዚ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ንላቲን ኣመሪካን መላእ ዓለምን ናይ ጽርሓ ጽዮን ቅዱስ ጉባኤ ክኸውን ምዕዳን ከምዘቕረቡ ናይ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘመሓላለፎ መግለጺ የመልክት።

እዚ ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ነቲ ወርሒ ግንቦት ዕለት 2007 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ዝተሳተፍሉ ኣብ ብራዚል ዝተኻየደ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቅዱስነቶም ዝሃብዎ መሪሕ ቃል ተዘክሮ ዝዓሰሎ ከምዝኾነ መግለጺ ናይ መላእ ላቲን ኣመሪካን ካሪቢያንን ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.