2011-05-17 14:48:35

ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስያን ሠረት እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ሰነድ


ናይ ካቶሊክ ሰረት እምነት ዝሃሊ ቅዱስ ማኅበር ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት መሰልን ፍቓድን ክሓልዩ ዝተባብዖምን “ደገፍን ዕርቅን” ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ትሕቲ ዕድመ ዜጋታት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ኩለን ሃገራት ዝርከቡ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ነቶም ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድሜ ዝኾኑ ሕጻናት RealAudioMP3 ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝሕተቱ ውሑዳት ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ብቐረባ ክከታተልዎምን፣ ኣብ ልዕሊ’ዞም ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ክወስድዎ ዝግብኦም ስጉምትን፣ ነዚ ጉዳይ’ዚ ከመይ ገይሮም ክከታተልዎን ክምልከትዎን ከምዘለዎም ዝመርሕ ሰነድ ከምዘውጽኤ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ሠረት እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት፣ ኣብ ልዕሊ ትሕቲ ዕድሜ ሕፃናት ብሓደ ሓደ ኣባላት ውሉደ ክህነት ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ዝምልከት ገበን ኣብ ሰበኻታቶም ብኸመይ መገዲ ከምዝከታተልዎ ዝምርሕሉ ሰነድ ክሳብ ወርሒ ግንቦት 2012 ዓ.ም. ዘሎ ናይ ጊዜ ገደብ ብብፁዕ ካዲናል ዊሊያም ለቫዳ ንዝምራሕ ናይ ካቶሊክ ሠረት እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ከተሓላልፉ ውሳኔ ዝሰፈሮ ከምዝኾነ ነቲ ሰነድ ትማሊ ወግዓዊ መግለጺ ዝሃበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተም ቤት ጽሕፈት የመልክት።

ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ምሉእ ክንክንን እዚ ዓይነት ዓመጽ ብገለ ገለ ኣባላት ውሉድ ክህነትን ገዳማውያንን ከይፍጸም፣ ብዓንተውዑ ናብ ዝረኣ ክህነት ዝኣትዉ ተመሃሮ ሕንጸት ዘተኮረን፣ ምስ ብሔራዊ ላዕለዎት ኣባይቲ ፍርዲ ምትሕብባር ክህሉን ዘተሓሳስብ ናይ ካቶሊክ ሠረት እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ዘውጽኦ ናይ ብፁዕ ካርዲናል ዊሊያም ለቫዳ ክታም ዝተነብረላ ንመላእ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ዝተመሓላለፈ ሰነድ፣ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓምሌ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዘለዎም ጴጥሮሳዊ ሥልጣን መሠረት ነታ Sacramentorum sanctitatis tutela- ናይ ቅዱሳት ምሥጢራት ቅድስና ንምክልኻል ብዝብል ኣርእስቲ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2001 ዓ.ም. ኣብቲ እዋን ናይ ካቶሊክ ሠረት እምነት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ዝነበሩ ድሕሪ ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ኮይኖም ዝተሓርዩ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዓቢ ኣስተዋጽኦ ዝሃብሉ ውሳኔ መሠረት ገይሩ ዝቐረበን ብፁዓን ጳጳሳት ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ዜጋታትን ሥድራ ቤቶምን ክሰምዕዎን መንፈሳውን ሥነ ኣእምሮኣውን ደገፍ መታን ክረኽብ ምሉእ ብምሉእ ክድግፍዎም ዝእዝዝ ከምዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን መግለጺ የመልክት።

ቁምስናታት ንመንእሰያት ውሑስ ሥፍራ ኮይኑ ክርከብ ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ሓደጋ ዝኾነ ወይ ድማ ሓደጋ ናይ ምፍጣር ዝምባሌ ዘለዎ ኣባል ውሉደ ክህነት ዝከታተልን፣ እተድኣ ሃልዩ ድማ ንዝምልከቶ ኣካል ብቕልጡፍ ሓቤረታ ምቕራብ ናይ ኩሉ ሓላፍነት ከምዝኾነን፣ ሕንጸት ተመሃሮ ዘረኣ ክህነት ናይ ቲዮሎጊያ ሕንጸት ጥራሕ ዘይኮነ ሰብኣዊ ሕንጸት መሠረት ምሉእ ሕንጸት ክረኽቡን ብዓንተውኡ ዝተማልኤ ሥነ ኣእምሮኣዊ ሕንጸት ረኺቦም፣ ብዅሉ መዳይ ክዓብዩን ኣብ ናይ ክህነት ህይወት ዘተኣማምኑ ምዃኖምን ዘይምዃኖም ብዓንተውኡ ክልለዩሉ ዝኽእል ብቑዕን ትኽክለይና ጸዋዕታኦም ንኸለልዩ ደገፍ ክረኽቡ ከምዘለዎም እውን ዝእዝዝ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም መግለጺ ይሕብር።

እቲ ቅዱስ ኣቦና ብጴጥሮሳዊ ሥልጣን መሠረት ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ብፁዓን ጳጳሳት ክኽብርዎን ብኣኡ መሠረት ናቲ ኣብ ሰበኻታቶም ዝፍጸም ናይ ወሲብ ዓመጽ ውሳኔ ክህብሉን፣ ዝጥርጠር ወይ ድማ ናይ ወሲብ ዓመጽ ፈጺሙ ተባሂሉ ዝኽሰስ ኣባል ውሉደ ክህነት፣ እቲ ክሳብ ብቤት ፍርዲ ተጻርዩ ገበነይና ኢዩ ወይ ኣይፈጸሞን ገበነይና ኣይኮነን ዝበሃል፣ ብሓፈሻኡ እቲ ሓቂ ብምጽራይ ናይ ቤት ፍርዲ ውሳሴ ክሳብ ዝቐርብ ከበቲ ክሲ መሠረት ቅድመ ፍርዲ ሂብካ ስሙ ዘይምጽላም ዝብል ውሳኔ ዝሰፈሮ ኮይኑ፣ ብፁዓን ጳጳሳት ናይ ዝተፈላለያ ገዳማት ሓለለፍቲ ነቶም ናይ ወሲብ ዓመጽ ኣደዳ ዝኾኑ ናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ደገፍ ውሑስ ክገብሩን፣ ነቶም ተሓተቲ ካህናት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ዝመሓላለፍዎ ናይ መምርሒ ሕጊ መሠረት ውሳኔ ክህብሉ ዝእዝዝ ምዃኑ ነቲ ውሳኔ ምስ ብፁዕ ካርዲናል ዊሊያም ሌቫዳ ብሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተም ሓላፊ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.