2011-05-17 14:47:11

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ብትዕግሥቲ ምእንቲ ምርግጋጽ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ተጊህካ ምግልጋል


ናይ ህንዲ ብፁዓን ጳጳሳት ቪሲታ ኣድ ሊሚና ማለት ካብ ሓምሻይ ዓመት ድርኩኺት ባሲሊካ ቅዱስ ጳጥሮስ ንምስላም ካቶሊካውያን ጳጳሳት ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ መሠረት ኣብ ቫቲካን ከምዝርከቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ትማሊ ንጎሆ ነቶም ናይ ህንዲ ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ RealAudioMP3 ናይ ቤተ ክርስትያን ኣበው ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ከምዝለገሱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ህንዲ ናይ ክርስትና ሃይማኖት ዝርከቦም ናይ ዝተፈላለዩ ጥንታውያን ሃይማኖታት መንበር ከምዝኾነትን፣ ኣብ ህንዲ ባህልታት ብወንጌል ክስበኽ ዝግበር መደብ ኣስፍትሆተ ወንጌል ዓቢይ ጥንቃቔ ዝሓትት ከምዝኾነ ኣዘኻኺሮም፣ ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምሃራን ወንጌል ንምብሳር ኣብ ዝፈጽመዎ ኣገልግሎት ናይታ ሃገር ቋንቋታትን ናይ ሕዝቢ ቅቡል ወግዒ ኣብ ግምት ዘእትው ክኸውን ከምዘለዎ ሓቢሮም፣ ብፁዓን ጳጳሳት ብወገኖም እዚ ዓይነት ከይዲ ኣስፍሆተ ወንጌል ብቐረባ ክከታተልዎን ነቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ሥልጣናዊ ትምህርትን ትውፊትን ባህልን ካብ ጥንቲ እናተወራረሰ ዝመጸ ካብ ሃዋርያት ዝተመሓላለፈ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ትምህርቲ ዓቂቡ ንወለዶ ክተሓላለፍ ንዘለዎ ባህሊ እሙን ኮይኑ ክረክብ ብቐረባ ክከታተልዎ ሓላፍነት ከምዘለዎም ኣረዲኦም፣ ስለዚህ እዚ ንቤተ ክርስትያን ዘለኩም ተኣማንነት ናይ ሕዝቢ ኣስተውዕሎን ስምዒትን ምህዞን ግምት ብምሃብ ናይቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ተስፋ ተኣማንነቱ ዝገልጽ ብቑዕን ዘእምንን ርትዓዊ ምኽንያት ብፁዓን ጳጳሳት ከቕርቡ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጎ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተ ኣማእኪሎም፣ ኣብ ህንዲ ብርግጽ እቲ ናይ ሓባር ዘተ ዘጋጥሞ ሽግራት ኣነጺሮም ዝፈልጥዎ ከምዝኾነን፣ ግን ብፁዓን ጳጳሳት ህንዲ ነዚ ሽግር ብትዕግሥትን ሕድ ሕዳዊ ምጽውዋርን ምክብባርን ምቅብባልን መሠረት ክፍታሕ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝህቡ ዘኪሮም፣ ስለዚህ ኣቲ ዝፍጸም ናይ ሓባር ዘተ ንናይ ሓባር ምክብባር ዝድግፍ ነቲ ብባህልን ብፍልስፍናን ብሥነ ሃይማኖታት ኣተዓራቒ ዝንባለ ኣለዎ እናተብሃለ ብዝቐርብ መሰል ተራእዮ ዘወግድ ብቐጻልነት ነቲ ፍጹም ሓቂ ብዝውከስ መለለዪ ጠባይ መሠረት ክምራሕ ኣለዎ። ማኅበረ ክርስትያን ህንዲ ምስ ከባቢኦምን ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ሰዓብቲ ደቂ ሃገሮም ብስኒትን ብሰላምን ክነብሩ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ናይ ካህናትን ገዳማውያንን ብጠቕላላ ናይ ነፍሳት ጓሶት ተራ ዓቢ ምዃኑ ገሊጾም፣ ስለዚህ እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን መሠረት ዝኾነ ናይ ሃይማኖትን ናይ ኣምልኾን ነጻነት ንኽኽበር ጓሶት ነፍሳት ጥንቁቕ መርሕነት ኣብ ዘየላቡ ወሳኒ ማሕበራውን ግብረ ገባዊ ከይዲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ናይ ሃይማኖትን ኣምልኾን ነጻነት ንኹሉ ዘርኢ ሰብ ዝምልከት ብኹለን ሃገራት ተቐባልነቱ ዝተረጋገጺ ከምዝኾነን ድማ ኣዘኻኺሮም፣ ካቶሊክ ቤተ ክስትያን እዚ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን መሠረት ኣብ መላእ ዓለም ክኽበር ከምእተነቓቕሕን ከምእተዓይን እውን ገሊጾም፣ በዚ መገዲ’ዚ ብፁዓን ጳጳሳት ህንዲ ኣብ ሃገሮም ናይ ሰላምን ስምምዕን ውህደት መታን ክረጋገጽ ዘኽእል ናይ ሓባር ባይታ ንኽፍጠር ከይተሓለሉ ክዓዩን ከገልግሉን ነዚ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖሎዎ መሠረት ክገልጽዎ ኣተሓሳሲቦም እታ ብዘይ ቅድመ ኩነት ብፍቕሪ ክርስቶስ ተደጊፋን ተኣሚናን ብትዕግሥቲ ንብጻይ ብምግልጋል እምነት ዝመስከረት እናቴ ብፅዕት ተረዛ ዘካልኩታ ነቲ ኣገልግሎትኩም ንፍጻም ዘብቕዓኩም ጸጋ ካብ እዚኣብሔር ተማልደልኩም ቢሎም ቡራኬ ሂቦም ዝሃብዎ መሪሕ ቃል ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.