2011-05-14 12:37:32

ናይ ር.ሊ.ጳ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ (11.05.2011)


መዝ.63:1-7 “ዎ ኣምላኽ፡ ንስኻ ኢኻ ኣምላኸይ፡ ኣንጊሄ እደልየካ ኣሎኹ፡ ነፍሰይ ንኣኻ ትጸምእ ኣላ፡ ስጋይ፡ ማይ ኣብ ዜብሉ ደረቕን ጽሙእን ምድሪ ዀይኑ፡ ይናፍቐካ ኣሎ። ከምኡውን ስልጣንካን ክብርኻን ምእንቲ ኽርኢ፡ ናብ መቕደስካ ኤማዕዱ ኣሎኹ። ለውሃትካ ኻብ ህይወት ይበልጽ እዩ እሞ፡ ከናፍረይ ኪውድሳኻ እየን። ብህይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካ፡ ብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ። ረዲኤተይ ንስኻ ኢኻ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣኽናፍካ እሕጐስ ኣሎኹ እሞ፡ ኣብ ምድቃሰይ ክዝክረካ፡ ብለይቲ እናነቓሕኩ ኽሐስበካ ኸሎኹ፡ ነፍሰይ ከም ብስብሕን ኣንጒዕን ትጸግብ፡ ኣፈይውን ብኸናፍር እልልታ ኼመስግነካ እዩ።”

ዝኸበርኩም ኣኅዋትን ኣኃትን፤ ሎሚ ኣብ ዝሓለፈ ሶሙን ብዛዕባ ጸሎት ኣብ ዝጀመርናዮ ኣስተምህሮ ዝተመልከትናዮ፤ ጸሎትን እምነታዊ ትርጉሙን ካብ ሰብ ዘይፍለ ክፍሊ ምዃኑ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰባት ዘስተንተናዮ ክቅጽል እደሊ። ንጹር ምልክታት ዓለማውነት ኣብ ዝረኣየሉ ዘመን ንነብር ኣሎና፡ ኣብ ኣመላኽታ ዝተፈላለዩ ሰባት እግዚአብሔር ዘየልቦ ወይ ኣብ ቅድሚኡ ኣይዝሑል ኣይምውቅ ኮይኖም ዝነብሩ ይመስል። ኮይኑ ግን ብኻልእ ሸነኽ እንተተመልከትና ክንዮ እቲ ድሩትን ጽፍሓውን ቁስ ኣካላውን ኣመለኻኽታ ደቂ ሰባት ንምስጋር ኣድላይነት እግዚአብሔር ኣብ ሕይወት ደቂ ሰባት ኣድላይነት መንፈሳውነት ዘመልክት ብዙሕ ሃይማኖታዊ ምልክታት ተሓድሶን ምንቃሕን ይረኤ ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ደቂ ሰብ እንተተመልከትና ኣብ ዘመን ብርሃን ኣእምሮ (ኢሉሙኒዝም) ምጥፋእ እምነት ብምእዋጅ ሃይማኖት ብልቦና ደቂ ሰባት ከምዝተተከኤ እዚ ሥነ ልቦና እዚ ከኣ ንኩሉ ጸልማት እምነታዊ ዓንቀጻት ኣወጊዱ ዓለም ካብ ሃይማኖት ነጻ ኮይና ንወዲሰብ ሓርነቱን ክብሩን ወናኒ ር እሱ ንምዃን ኣብቂ ዕናዮ ብማለት ዝተጃህሮ ዓነውነው ቢሉ ወዲቁ። ነዚ ብዘይ እግዚአብሔር ኩሉ ክንገብር ንኽእል ኢና፤ ኣእምሮና ነጻነቱ እንተለቢሱ ክንግሥግሥ ኢና ብማለት ተሃንዲዱ ዝተበገሰ ክሕደት ናይ ዝሓለፈ ዘመን ክልተ ዘስካሕክሑ ናይ ዓለም ውግኣት ተመኩሮ ኣብ ቅልውላው ኣእቲይዎ።

ትምህርቲ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ቁ.2566 ‘ሰብ ን ኣምላኽ ኪደሊ ይርከብ፡ እግዚአብሔር ኣብ ሥራሕ ፍጥረቱ ንነፍሲወከፍ ፍጡር፤ ካብ ዘይህላዌ ናብ ህላዌ ይጽው ዖ። ድሕሪ መላ እኽቲ ‘ብኽብርን ግርማን ዝተኸለለ’ ወድሰብ፤ ‘ስም ጐይታስ፤ ኣብ ኩሉ ዓለም ክንደይ ኮን ግሩም ኢዩ’፤ ብምባል ኪድነቅን ኪ እመንን ዚርከብ እዩ፡ ኃጢኣት ብምፍጻም ነቲ ዘለዎ ኣምሳል ኣምላኽ እንተህሰሰውን፤ ወድሰብ ምስ ፈጣሪ ምዃኑ ኣየቋረጸን፤ ም እንት’ዚ ነቲ ናብ ህላዌ ዝጸዎዖ (ዘምጸኦ) ሃረር ምባሉ ይቅጽል። ሰባት ን ኣምላኽ ሃሰስ ከምዚብሉ፤ ኣብ ኩሉ ሃይማኖታት ዚረጋገጽ ኣገዳሲ ነገር እዩ።” እንክብል ነዚ ሓሳብዚ ይገልጾ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ትምህርተይ ዝገለጽክዎ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ጀሚሩ ክሳብ ዘመንና ሃይማኖት ዘይብሉ ጉዕዞ ኣይተገብረን፤ ክንብል ንኽ እል።
ወዲ ሰብ ከምቲ ብተፈጥሮኡ ኣ እምሮኣውን መሃዝን ዝኾነ ብተፈጥሮኡ ሃይማኖታዊ ኢዩ፤ ነዚ እውን ትምህርተ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ቁ.27 ‘ን እግዚአብሔር ምድላይ፤ ኣብ ልቢ ወዲ ሰብ ተጻሒፉ ዘሎ እዩ፤ ምኽንያቱ ከኣ ሰብ ብእግዚአብሔርን ምእንቲ እግዚአብሔር ዝተፈጥረ ስለዝኾነ።’ እንክል ይገልጾ። ምስሊ እግዚአብሔር ኣብ ኩነት ወዲ ሰብ ዝተወቀጠ ኢዩ፤ ወዲ ሰብ ከኣ ናይ ነገራት ዓሚቁ ትርጉም ንምፍላጥ ኣብ ዘቅርቦ ሕቶታ መልሲ ንምርካብ ብርሃን የድልዮ፤ ነዚ መልሲ እዚ ኣብ ውሽጡ ይኹን ኣብ ም ዕባለን ኣብ ሳይንስን ክረኽቦ ኣይክእልን። እዙ ሃይማኖታዊ ፍጡር እዚ ነጢሩ ኣይኮነን ኣብዚ ኩነት እዚ ዝበጽሕ እንታይ ደኣ ንኩሉ ታሪኽ ወዲ ስብ ብምስጋር ኢዩ። ነዙይ ብዝር ኢ ጉዳይ እቲ ሃብታም ተመኩሮ ደቂ ሰባት ዝተፈላለየ ደርጃታትን ም ዕባሌን ሃይማኖታውነት ሓሊፉ፤ ብሕልፊ ምል ኣት ንምርካብን ሕጉስ ሕይወት ንምርካብን ኣብ ዝገበሮ ሃሰሳ፤ ድሕነቱ ንምርግጋጽን ትርጉም ናይ ኩሉ ንምፍላትን ብዙሕ ሃሰሳ ኣካዪዱ ኢዩ። ዘመናዊ ሰብ ከምቲ ናይ ባዕቲ ሰብ ድሩትነቱ ንምስጋርን ናይ’ቲ ሃንደበትነት ዝመልኦ ናብራ ወይ ሕይወት ትርጉምን ርግጽነትን ወትሩ ሃሰስ ምስ በለ ኢዩ። እንተዘየሎ ሕይወት ብዘይ እተማዕድዎ ናይ ንየዋይ ዓለም ሓሳብ ትርጉም ክህልዎን ነቲ ኩልና ሃረር እንብሎ ሓጎስ ክዓስሎን ኣይክእልን፡ እዚ ርድኢት እዚ ሕይወትና ወትሩ ናብ መጻኢ ከማዕዱን ብተስፋ ክጐዓዝን ይሕግዞ። ካል ኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘሎናዮ ዘመን ኣብ ዝብል ዓንቀጹ ቁ.1 ‘ደቂ ኣዳም እንካብቲ ነንበይኑ ዝኾነ ሃይማኖታት ብዛዕባቲ ቀደምን ሎምን ንልቢ ሰብ ብጥልቂ ዝህውኽ ንሰብ ኣዊ ንብረት ዝገጥም ስውር ዝኾነ ንገራት ማለት፤ ሰብ እንታይ ከምዝኾነ (ኣን መን ኢየ) ትርጉም ሕይወትናን ፍጻሜኡን እንታይ ከምዝኾኑ፤ ጽቡቅ ተግባርን ሓጢኣትን እንታይ ከምዘስምዕ ሥቓይ ብምንታይ ከምዝተላዕለን ንምንታይ ከምዝጠቅምን፤ ናብ ኡነተይና ደስታ ዘብጽሕ መንገዲ ኣየናይ ከምዝኾነ፤ ሞትን ፍርድን እንታይ ማለት ከምዝኾነ፤ ብድኅሪ ሞትከ እንታይ ፍሳ ከምዘሎ፤ ብመጨረሻ እቲ ንህላዌ ከቢብዎ ዘሎ ክንገር ዘይከኣል መወዳእታ ምሥጢር ማለት ካበይ ከምዝመጻእና ናበይስ ከም እንኸይድ ንምፍላጥ ምላሽ ክረኽቡ ይጽበዩ’ ይብል። ወዲ ሰብ ነዚ መሠረታዊ ዝኾነ ነገራት በይኑ ክምልሾ ከምዘይክ እል ይፈልጥ ኢዩ። ሽሕኳ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ሸፊኑ ሸፋፊኑ ርእሱ ዝኸኣለ ብምምሳል ንርእሱ እንተጠበረ ተመኩሮ ሕይወት ግን ጸግዒ ከምዘድልዮ ኣይሓብኣሉን። ስለዚ ልቡን ኣእምሮኡን ንሓደ ዝኾነ ካባኡ ንላዕሊ ዘሎ ብምኽፋት ነቲ ጐዲልዎ ዘሎ መመላእታ ክረክብ ኣለዎ። ካብ ገዛእ ርእሱ ብምውጻእ ናብቲ ምልኣትን ትርጉም ናይቲ መዓሙቁ ድላዩን ክህቦ ናብ ዝኽእል ገጹ ይጐዓዝ።







All the contents on this site are copyrighted ©.