2011-05-10 14:16:42

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ እምነትን ርትዕን (ሥነ ምርምር) ዘጣመረ መስተወዓሊ ኣስተንትኖ ልዑል ምሥጢር


ቅዱስ ኣቦና ብምኽንያት መበል 87 ዓልቲ ቅዱስ ልቢ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ምኽንያትን ከምኡ ድማ እዚ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ልቢ ብኣባ ኣጎስጢኖስ ጀመሊ ዝተመሥረተሉ መበል 90 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉ ዘሎ እዋን፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ፊርማ ዝተነብረሉ ናብ ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ዲዮኒጂ ተታማንዚ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ እዚ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ብትሕቲ ቅድስቲ መንበር ዝመሓደርን RealAudioMP3 መገዱ ብናይ ካቶሊክ ትምህርቲ ዝልለን ኣብ መሠረቱ እሙን ኮይኑ ዘገልግል ምዃኑ ኣመልኪቶም፣ እዚ ኣብ 1921 ዓ.ም. ብኣባ ጀመሊ ተመሥርቱ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዝተጸመደ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ሊቢ 5 መናብር ዘለዎን 14 ጨንፈር መጽናዕቲ/ ትምህርቲ ዘለዎን ብጠቕላላ 42 ሺሕ ተመሃሮ ሕንጸት ዝረኽበሉ ከምዝኾነን ክንገር እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ካቶሊክ መናብርተ ጥበብ ወትሩ ርትዕን/ ኣእምሮን/ ሥነ ምርምርን እምነትን ኣጣሚሩ ዘፍጥረት ማእከል ገይሩ ዝገብሮ መጽናዕቲ ኣብ’ቲ ሥጋ ዝለበሰ ቃል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝድምደምን ኣብዚ ፍጻሜ ልዑል ምሥጢር ዘስተንትንን ዘድንቕን ዝግንዘብን ዘስተውዕልን ኢዩ ኢሎም፣ ቅዱስ ልቢ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መላእ ሰብኣዊ ዝነብረሉን መለኮት ብምልኣት ዝተገልጸሉን ናይ ክውንነትን ቅዉም ነገር ማለት ልቢ ከነስተውዕል ይሓግዘና። ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ውልቃውን ናይ ሓባር ርክባት ኣጽኒዕና ነቲ ናይ ኵሉ መልሲ ዝኾነ ሓቂ ንሱ ድማ ክርስቶስ ክንፈልጦን ክንራኸቦን ሓደራ ቢሎም፣ ክርስቶስም መልሲ ሕቶ ኅልውናን ኅላዌን ጥራሕ ዘይኮነ ካብቲ ሕቶና ዝበረኸ መልሲ ኢዩ። ከምቲ ኣብ መጽሓፈ ምሳሌ እነንብቦ ልቢ ናይ ጥበብን ናይ ፈሪሃ እግዚኣብሔርን መሠረት/መንበር ኢዩ ኢሎም።

ናይ መናብርተ ጥበብ ኣገልግሎት ሕንጸት ብናይ ሥነ ምርምር መዳይ ዝመሓላለፍ ፍልጠተ እውን እንተኾነ፣ ዝኽተሎ ናይ ሥነ መጽናዕቲ ሜላ ናይ ፍልስፍና መሠረታዊ መምዘንታት ዝኽተልን ናይ ሰብ ርእየት ንሱ ድማ ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ኣምሳሉን ምስ እግዚኣብሔርን ዘለዎ ምዃናዊ ርክባቱ ዘማእከለን ብትሕትናን ብሓይሊ እቲ ፍጹም ሓቂ ኣብ እንነብረሉ ዓለም ብቑዕ ኣስተዋጽኦ ከምዘለዎ ዘይከሓድ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓቢሮም፣ ወዲ ሰብ ንሓቂ ክፉት ናይ ምዃን ዘለዎ ዕቑር ኃይሉ ብኸፊል ኣብ ዘለዎ መንፈሳውነት ባህርይ ዝተመሥረተን በቲ ዝወሃቦ ናይ ባህላዊ ሕንጸት ዝጽለው እውን ኢዩ። ስለዚህ ናይ ካቶሊክ መናብረተ ጥበብ ከም ኣብነት ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ ካርዲናል ብፁዕ ጆን ሄርይ ኔውማንን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን እንተ ላእለ ኵሉ ብፅእና እትእውጀሉ ክቡር ቶኒይሎል ጠቒሶም፣ ምስ እምነት ዝዝትይ ምርምር፣ ኣቲ ዝለዓለ ናይ ምርምር ትርጉሙ ዝገልጽ ከምዝኾነን ጠቂሶም ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ እምነትን ምርምርን ዘዛትይ መንበሪ ጥበብ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.