2011-05-07 13:20:04

ቤተ ክርስትያንን ሐደስቲ ናይ መራኸቢ ብዙሃንን መርበብ ጸብጻብ


ቤተ ክርስትያንን ሐደስቲ ናይ መራኸቢ ብዙሃንን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ብፍላይ ድማ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታ ብማኅበር ድዩ ብውልቀ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ዘተኮረ ምይይጥ ዝካየደሎም ኣብ ዜና መዋዕል ጭብጥታት ዘተኩሩ መርበብ ጸብጻብ ዝዓደመ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ዓወደ መጽናዕቲ ኣብ ቫቲካን RealAudioMP3 ካብ ዕለት 2 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ጀሚሩ ይካየድ ከምዘሎ እንክሕበር፣ ብዛዕባ እዚ ዓወደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃፍራንኮ ራቫዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ኣብዚ እዋን ኣዚዩ እናማዕበለን እናሰፍሔን ዝኸይድ ዘሎ መርበብ ጸብጻብ ቤተ ክርስትያን ዓቢ ግምት ከምእትህቦን፣ እዚ ሓድሽ ተርእዮ ምዕባለ ዘለዎ ጥቕምን ብፍላይ ድማ እቲ ብማኅበራት ድዩ ብውልቀ ሰባት ዝምራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ጉዳይ ዘተኮረን ንዝተፈላለዩ ሥነ መጽናዕትታት ዝተወከሰ ሓበሬታን ዘተን ዝግበረሎምን ሓሳብን መልስታት ዝቐርበሎም መርበብ ጸብጻብ ዘመሓላልፎም ባህልታትን ኣብ ምእመናንን ቤተ ክርስትያንን ብሓፈሻኡ ኣብ ዓለም ዘስዕቦ ጽልዋ ግምት ብምሃብ፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ተመክሮ ክርስትና እዚ ሓድሽ መርበብ ሓበሬታ ኅልው ክኸውንን ክትጥቀመሉን ኣሉታውን እወታውን ጸቕጥታቱን ጽልዋን ንምትንታን ኣሚታ ክትጥቀመሉ ዘተባብዕን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መርበብ ጸብጻብ ዘሳትፍ ዓውደ መጽናዕቲ ከምዝኾነን ኣመልኪቶም ከምዝነበሩ እንክዝከር፣ ኣብዚ ዓወደ መጽናዕቲ ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ኢየሱሳውያን ማኅበር ኣባል ናይታ ናይ ኢየሱሳውያን ማኅበር ቺቪልታ ካቶሊካ - ካቶሊካዊ ሥልጣነ እተሰምየት መጽሔት ዋና አሰናዳኢ ኣባ ኣንቶኒዮ ስፓዳሮ ብዛዕባ እዚ ዓውደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኢደ ጥበባዊ ምዕባለ ዝድነቕ ኢዩ። ምዕባለ መርበብ ሓበሬታን መራኸቢ ብዙኃን ዝውንጨፍ እውን ኢዩ። እዚ ምዕባለ’ዚ ብዙሓት ናይ ባህልን ኢደ ጥበብን ፖለቲካን ሃይማኖትን ምንቅስቓሳት እውን የተኣታትው ከምዘሎን ሓቢሮም ኣዚ ምዕባለ ኣንቅሳቓሲ ጠባይ ከምዘለዎ በዚ ንርዳእ፣ ስለዚ እዚ መርበብ ጸብጻብ / ዓውዲ ድረ ደብጻብ / ወይ ድማ ድረ ጸብጻብ መዳይ ዘንጸባርቖ ባህሊ፣ ናይቶም ላዕለዎት ምሁራት እካላት ዘይኮነ ካብቲ መሠረታዊ ናይ ሓባር ባህሊ ዝውለድ ባህሊ ኢዩ። ስለዚህ ሕዝባዊ ባህሊ ናይቲ ናይ ምሁራትን ናይ መናብርተ ጥበብ ባህልታት መሠረት ምዃኑ ይገልጽ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ መጽናዕቲ ናይ ዘተ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጎ ባህልታት ምርድዳእ ክህሉን ነቲ እንነብረሉ ዘሎና ኩነትን ናይቲ እንነብረሉ ዘሎና ኩነት ባህሊ ንምርዳእ ዝድግፍ ኢዩ።

ቤተ ክርስትያን እስፍሆተ ወንጌል ብቐጥታን ብተዘዋዋሪ መገዲ ንምክያድን ምስክርነት ንምቕራብ እትጥቐመሉ እውን ከምዝኾነ ሓቢሮም፣ ቤተ ክርስትያን ነዚ ናይ ሰብኣዊ ኅብረ ባህልታት ኅብረኣዊ ተመክሮ ግምት ብምሃብ እዚ ሓድሽን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ማኅበራዊ መርበብ ጸብጻብ ዝጥቅመሉ ቋንቋን ዝፈጥሮም ቃላት ብቐረባ ንምርዳእን ነቲ ኣብ ናይ ሓሳባዊ ርክባት ጥራሕ ዘድህብ ዘሎ ፍጥረት ሰብ ካብ ጭቡጥ ርክብ ከይርሕቕን ነቲ ናይ ሓሳብ ርክብ ከም ጭቡጥ ርክብ ገይሩ ከይነብሮ፣ ኣብ ክውንነት ክነብር ነቲ ሰብኣውን ማኅበራዊ ርክብ ከየጥፍእ ዝድግፍን ነዚ ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምድላው ባይታ ዝፈጥርን ኣማኒ ምስ ኣማኒ ጥራሕ ዘይኮነ ምስ ኢኣማኒ እውን ዘተ ክህሉ ዝድግፍ ኅብረ ባህሊ ዘጉልሕ ዓወደ መጽናዕቲ ከምዝኾነ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.