2011-05-07 13:19:01

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ክርስትያን ኣብ ‘ገለ ነገር’ ዘይኮነስ ኣብ ‘ሓደ-ሰብ’ ኢዩ ዝኣምን


ቅድሚ ትማሊ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ብምኽንያት ዝኽሪ ሻብዓይ ዓመት ስምየተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ብኼሱስ ሎፐዝ ኮቦስን ብሮበርቶ ጋቢያኒ ናይ ሙዚቃ ሥነ ጥበበይናታት ዝተመርሔ ናይ ሮማ ምስ ሙዚቃ ናይ ዝተወሃሃደ ቤት ትያትር ናይ ሙዚቃ ጉጅለ ናይ ሮሲኒ ሙዚቃዊ ድርሰት ‘ሳባት ማተር’ ሱታፌ ማሪያም ኣብ ስቓይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝገልጽ RealAudioMP3 ሥነ ማርያማዊ መንፈሳውነትን ዝትንትንን ኮምኡ ድማ ናይ ቪቫልዲ ሙዚቃዊ ድርሰት ‘ተኣምነቶ ሃይማኖት’ ዘጉልሕ ጣዕመ ውሁድ ሙዚቃ ንኽብሪ ቅዱስነቶም ከምዝቐረበ እንክዝከር፣ ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ እቲ ንኽብሮም ዝቐረበ ናይ ውሁድ ጣዕመ ሙዚቃ ምርኢት ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ኢጣሊያ መበል 150 ዓመት በዓል ሓገራዊ ሥምረት ኣብ እተብዕለሉ ዘላ እዋን በቶም ክልተ ማለት ብሮሲኒን ቪቫልድን ዓበይቲ ናይ ሙዚቃ ደረስቲ ደቃ ክትሕበን ይግባእ ቢሎም፣ ናይ ቪቫልዲ ተኣምኖተ ሃይማኖት ሙዚቃዊ ድርሰት ዘድንቕ ኢዩ፣ ተኣምኖተ ሃይማኖት ኣነ ዘይኮነ ኣቲ ብውልዚ ግን ብሓባር ንዅላትና ዝውክል ብዅላትና ዝግለጽ ንሕና ዝብል ባህርይኡ ዘንጸባርቕ ከምዝኾነን፣ ኣብ ፍጻሜ ተኣምኖተ ሃይማኖት ኣሜን ዝብል ቃል ኣብቲ ፍጹም መሠረተ ኩሉ ዝኾነ እግዚኣብሔር ዝቐውም ተኣማንነት ዝገልጽ ኢዩ። ኣቲ ንዅላትትና ዝውክል ኣብ ተኣምኖተ ሃይማኖት ብሓባር ኣንገልጾ እምነት ቤተ ክርስያናዊ መልክዕ ዘለዎን፣ ብሓባር ኣቦ ቦታን ግዜን ከም ማኅበረ ቤተ ክርስትያን እናዜምና እነረጋግጾ እምነት ኢዩ ዝገለጽ።

ቪቫልዲ ኣቲ ኣብ ተኣምኖተ ሃይማኖት ዝግለጽ ርሑቕ ዝመስል ዝነበረ እግዚኣብሔር ሥጋና ለቢሱ ኣብ ማእከላ ሓዲሩ ገዛእ ርእሱ ኣብ መስቀል ተሸንኪሩ ንዓና ብምውፋይ ክሳብ ክንደይ ካብ ገዛእ ርእስና ንላዕሊ ንሱ ንዓና ቀረባ ምዃኑ ኣብ ዘረድእ ቃል ተኣምኖተ ሃይማኖት ብምስትንታን፣ ኣብ ቅድሚ ኣዚ ልዑልን ብሉጽን ዘደንቕ ምሥጢር ዘማእከለ ጸሎትን ኣስተንትኖን ከነቕርብ ይዕድመናን የተባብዓናን ቢሎም፣ ቀጺሎም ‘ሳባት ማተር’ ሱታፌ ማሪያም ኣብ ስቓይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓፈሻኡ ሱታፌ እኖ ማርያም ኣብ ናይ ድሕነት ምሥጢር ኣማእኪሉ ሮሲኒ ዝደረሶ ውሁድ ጥዑም ሙዚቃ እቲ ኣብ ቅድሚ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምሥጢር ዝግለጽን ዝቐርብን ኵለንተናና ዝማርኽ ብማርያም ዝተነብረ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣማኒ ዝርኤን ዘሎን መንፈሳውነትን ሃይማኖተይናነት ባህርይ ዝገለጽ ኢዩ።

ሱታፌ እኖ ማርያም ኣብ ናይ ድሕነት ምሥጢር (ሳባት ማተር)ን ክረዶ (ተኣምኖተ ሃይማኖት) ጸሎትን መዝሙርን ኮይኑ ኣብ ልዕሊ እቲ ልዑል እግዚኣብሔር ዘሎና እምነት ዝገልጽ ኢዩ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ቅድሚ እቲ ናይ ሙዚቃ ምርኢት ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ርእሰ ብሔር ጆርጆ ናፖሊታኖ ንኽብሪ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ ኣብ መንጎ ሃገረ ቫቲካንን ኢጣሊያን ዘሎ ጽኑዕ ርክብን ምሕዝነትን ቅዱስነቶም ብምኽንያት በዓል መበል 150 ዓመት ሓገራዊ ሓድነት ኢጣሊያ ንሕዝቢ ኢጣሊያን መንግሥትን ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ እንቛዕ ኣብጻሓኩም መልእኽቲ ከምዝመስከርዎ ዘኪሮምን ብወገን ኢጣሊያ ኣቃሊሖም ብምርግጋጽ፣ ዕለት 1 ግንቦት 2011 ዓ.ም. ብእንተ ላእለ ኵሉ ዝተኣወጀ ብፅና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ንኢጣሊያ ዓቢ ናይ ሓጎስ ምኽንያት ከምዝኾነ ገሊጾም፣ ኢጣሊያ ብሓፈሻኡ ኤውሮጳ ማዕጹ ዶባተን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ክፉት ክግበራ እንክብሉ በቲ ኣብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃን ገለ ገለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕ ብዝተኸስተ ሕዝባዊ ናዕቢ ምኽንያት ንስደት ተቓሊዑ ዝርከብ ሕዝቢ ደገፍ ክቐርበሉን ሃገራት ኤውሮጳ ከእንግዶኦም ዘቕረብዎ ሓደራ ዘኪሮም፣ ኣብ ዓለም ሰላምን ፍትሕን ምኽባር ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክረጋገጽ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ቤተ ክርስትያን ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ እተቕርቦ ጻውዒት፣ ኢጣሊያ ወትሩ ብምቅላሕ ክምእትሓብር እውን ከምዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.