2011-05-05 14:42:43

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ሓደጋ ይርከብ ኣሎ


ኵላዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ግቡእን ኣብዚ ኅብረኣውነት ዝዓሰሎን ብዙሕ ፍልልያት ኣብ ዘለዎ ዓለም ሕቶ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ብዝብል ዋና ኣርእስቲ ተመሪሒ ኣብ ቫቲካን ንሓሙሽተ መዓልቲ ናይ ዝተፈላለየ ሥነ ፍልጠት ሊቃውንቲ ብዛዕባ ሓደሽቲ ዓውደ ፍጻመታትን ትዕይንትን ናይ ኣቀማምጣ መሬት ፖለቲካን ሓደስቲ ብድሆታት RealAudioMP3 ሥነ ሓሳባትን ባህልታትን ኣብ ዓለም እቲ ኣዚዩ ንሓደጋ እናተቓልዔን እናተጋህሰን ዝኸይድ ዘሎ ናይ ሃይማኖት ነጻነት መሠረት ንኽመያየጡን መፍትሒኡ ከለለዩን ናብ ዝኣመተ ጳጳሳዊ ናይ ማኅበራዊ ሥነ ፍልጠት ተቛም ዝጠለቦ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ሓቀይና ናይ ሃይማኖት ነጻነት፣ ወዲ ሰብ ብምልኣት ገዛእ ርእሱ ክግንዘብን በዚ መሠረት ድማ ንናይ ሓባር ሓጐስን ጥቕምን ኣስተዋጽኦ ከበርክት ከምዝድግፎ ኣረዲኦም፣ ክርስትያናዊ መበቆል ዘለዎ ናይ ምዕራብ ባህሊ፣ ንናይ ሃይማኖት ነጻነት ኅያው ዝገበረን ቦታ ዝሃበን ብቐጻሊ ሕዝቢ ዓለም ባህታ ዝረኽበሉ ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ናይ ኣምልኾን ሥግደትን ነጻነት ብቕዋም ደረጃ ውሑስ ክኸውን ዘተባብዔን ዘተባብዕ እውን ከምዝኾነ ገሊጾም፣ እንተኾነ ግን ከም ብሓድሽ እዚ መሠረት ናይቲ መሠረታዊ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ግቡእን ዝኾነ ነጻነት ብዝተፈላለዩ ሃይማኖትካ ምግላጽን ናይ ሃይማኖት መግለጺ ምልክታት ዝኾኑ ተግባራት ዝገትኡ ሥነ ሓሳባትን ኣንፈታትን ምኽንያት ንሓደጋ ተቓሊዑ ኣሎ። ምእንቲ’ዚ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ንምክልኻልን ንምቕቓሕን ኣብዚ እዋን’ዚ ናይ ኣምልኾን ሥግደትን ነጻነት ኣዚዩ ንኽኽበር እቲ ነዚ መሠረታዊ ነጻነት ዝገትእ ዘበለ ኩለ መዳያዊ ወፈራ ንምብዳህ ኩሉ ብሓባር ክዓዪ እንክብሉ ናይ ሓደራ ጻዊዒት ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

ገለ ገለ መንግሥታት እቲ ሓቀይና ትርጉም ናይ ሃይማኖት ነጻነት ብምልኣት ክኽበር ንናይ ሃይማኖት ነጻነትን ኣምልኾን ሥግደትን ነጻነት ክኽበር ዓቢ ዕድል እንክህቡ ገሊኣቶም መንግሥታት ድማ ብዝተፈላለየ ንገዛእ ርእሱ ነቲ ሃይማኖት ብመልክዕ ቅድመ ፍርዲ ጥርጠራ ዘወግድ ምኽንያት ካብ ማኅበራውን ሰብኣውን መዳያት ነኸርሕቕዎ ዝፍትኑ ኣለዉ፣ ምእንቲ’ዚ ቅድስቲ መንበር መንግሥታት ዓለም እቲ ናይ ኩላዊ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ግቡእን መሠረት ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ውሑስ ክኸውንን ሓፈሻዊ ተፈላጥነት እውን ክህብሉን ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ እቲ ካብቲ ናይ ብዙኃይን ሃይማኖት ፍልይ ዝበለ ናይ ውኁዳን ሃይማኖት ሰዓብቲ መሰልን ምእንቲ ሰላማዊ ናይ ሓባር ናብራን ንናይ ሓባር ጥቅሚ እውን ኣብ ናይ ሃገሮም ማኅበራውን ፖለቲካውን ባህላውን መዳያት ክዋሳኡ መታን ክሕሎ ብዝተፈላለየ መዳይ ሓሳባ ከምእተቕርብን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ክኽበር ከምእትሓትትን ምኽባሩ ግቡእ ኢዩ ከምእትብል እውን ኣዘኻኺሮም፣ ዛጊት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ብሥነ ሰብ መሠረት ኩሎም ኣሕዛብን ዝኾነ ይዅን ሰብ ብባህርዩን ብግብረ ገብ ግዴታኡን ሓቂ ብፍላይ ድማ እታ ናይ ሃይማኖት ሓቂ ብሃይማኖት እትግለጽ ሓቂ ንምድላይ ትሑዝ ምዃኑን ምዃናዊ ዝንባለ እውን ከምዝኾነ ከምዘስተምህር ተንቲኖም፣ ስለዚህ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናይ ኩሉ ሰብ መሰልን ኩሉ ፍጥረት ሰብ ብነጻነት ዝሳተፈሉ ከምዝኾነን ከስተማቕሮ ድማ ስለ ዝግብኦ ክሕሎን ብመሠረት ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ውሳኔ ክተባብዕ ከምዘለዎ የተሓሳስብ።

እቶም ኣብቲ ጉባኤ ዝሳተፉ ዘለዉ ሊቃውንቲ እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነቲ ጉባኤ ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝገለጽዎ ቅኑዕ ተስፋ ብሥነ ሕግን፣ ብፖለቲካን ብሥነ ማሕበራውን ሥነ ኤኮኖምን ቲዮሎጊያን ፍልስፍናን ሥነ ሰብኣውን ወዘተርፍ መሠረት ብምትንትና ሓቅነቱ ብዝተፈላለዩ ናይ ሥነ መጽንዕትታት ጨንፈር ብገባብ ርትዓዊ ኣተሓሳስብ ማለት ብሥነ ምጎታዊ ከምዘረጋግጽዎ ብዛዕባ እቲ ዝካይድ ዘሎ ጉባኤ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ማኅተምን ሕንጻ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምእተመልከተ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።

እዚ ብድላይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1994 ዓ.ም. ዝተመሥረተን ናይታ ኣብ 1891 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ሊዮነ መበል 13 ዝተደርሰት ረሩም ኖቫሩም - ሓደስቲ ነገራት እተሰምየት ዓዋዲት መልእኽቲ ዝክሪ መበል 100 ዓመት ምኽንያት ቸንተሲሙስ ኣኑስ ሚእቲ ዓመት ብዝብል ኣርእስቱ ዝደረስዋ ናይ እነተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ናይ ማኅበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ እተመልክት እተብራህርህን ዓዋዲት መልእኽቲ ዝተደረሰትሉ መበል 20 ዓመት ኣብ ዝዝከረሉን ብፅናኦም ኣብ ዝተኣወጀሉ እዋን ዝካይድ እውን ብምዃኑ እቲ ጉባኤ ናይዚ ረባሒ እውን ከምዝኸውን ናይዚ ጳጳሳዊ ተቛም ሊቀ መንበር ፕሮፈሰር መርይ ኤን ግሌንዶን ብዛዕባ እዚ ጉባኤ ኣመልኪተን ቅድም ክብል ኣብ ዝሃበኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዘመልከታ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።







All the contents on this site are copyrighted ©.