2011-05-05 14:44:17

ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ


ዝሓለፈ ሰንበት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ድሕሪ ምእዋጅ ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ንር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተወፈያ ኣቢያተ ክርስትያን ተቛማትን ናይ ጉባኤ ኣዳራሻትን ኣቢያተ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት እናሰፍሔ ይኸይድ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ RealAudioMP3 ኣብ ኩባ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ኣንግለኦ ቤኪዩ ምእንቲ’ዚ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስትያኑን ንመላእ ሕዝቢ ዓለምን ዝዓደሎ ጸጋ ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምስጋናን ንምቕራብ ኣብ ሃቫና ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ብሸሓት ዝቑጸር ሕዝቢ ዝተሳተፈሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ክንገር እንከሎ፣ ኣብቲ መሥዋዕተ ቅዳሴ ናይ ሃገረ ኩባ መንግሥታዊ ቤት ምኽሪ ዋና ጸሓፊ ሆመሮ ኣኮስታን ምኽትሎም ዳጎበርቶ ሮድሪጒዝ ከምእተሳተፉን እቶም ዕለት 26 ሕዳር 1994 ዓ.ም. ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ናይ ካርዲናል ማዕርግ ዝተቐበሉ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኻይመ ኦርተጋ ቅድም ክብል ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ክእወጅ ምዃኑ ንሕዝቢ ብዕሊ ንምሕባር ኣብ ዘዕረግዎ ናይ ምሥጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ በሸሓት ዝቑጸር ሕዝብን ናይ መንግሥቲ ወከልቲ ከምእተስትፉ ካብ ኩባ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ሕዝብን ርክባትን ጉዳይ ቤት ጽሕፈት ዝተመሓላለፈ መግለጺ የመልክት።

ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ሞሮንግ ንር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝተወፈየት ቤተ ክርስትያን ንብምራኽ ናይ ባላንጋ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሩፐርቶ ክሩስ ሳንቶስ ዝመርሕዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ እተሰምየ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ኅትመቱ የመልክት።

ኣብ ዋሽንግተ ንር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝውፈ ዕለት 22 ጥቅምቲ ናይ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዓመታዊ ናይ ብፅዕና በዓል ኣብ ዝብዕለላ ዕለት ተመሪቑ ነገልግሎት ዝበቅዕ ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ክሕነጽ ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ዶናልድ ዉኤርል ዝሓብዎ መግለጺ ዝጠቐሰ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።

እታ ኣብ 1989 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጵውሎስ ዳግማዊ ኣብ ማዳካስካር ሓዋርያውን ወግዓውን ብምጻሕ እንከካይዱ ኣምቦዲቮኒንክለይን ኣላዶቢያንን ዘረኽብ 1760 ኪሎ ሜትር ዝርሕቐቱ መገዲ ንስሞም ከምእተወፍየን እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስትያኑን ንመላእ ሕዝቢ ዓለምን ዝዓደሎ ጸጋ ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ምኽንያት ኣብ መላእ ኣቢያተ ክርስትያናት ናይ ምሥጋና መሥዋዕተ ቅዳሴ ከምዝዓረገ እውን ሎ ሶርቫቶረ ሮማኖ ናይ ቅድስቲ መንበር ዕለታዊ ጋዜጣ ኣብ ናይ ትማሊ ኅትመቱ እንከመልክት ከምኡ እውን ኣብ ጃፓን እግዚኣብሔር ብር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣቢሉ ንቤተ ክርስትያን ዝገለጾ ፍቅሪ ንምምስካርን ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1981 ዓ.ም. ኣብ ጃፓን ሓዋርያዊ ምብጻሕ እንከካይዱ ዝሓብዎ ምስክርነትን ሓዲገምዎ ዝሓለፉ ኣሰር እምነትን ንምዝካርን ንምስዓብን ንምምስጋንን ዝተፈላለዩ ናይ ጸሎትን ኣስተንትኖን መደባት ክምእተኻየደን መሥዋዕተ ቅዳሴ እውን ከምዝዓረገ ጋዜጣ ቅድስቲ መንበር ኣብ ናይ ትማሊ ኅትመቱ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.