2011-05-03 16:53:38

ቤተ ክርስትያንን ሐደስቲ ናይ መራኸቢ ብዙሃንን


ቤተ ክርስትያንን ሐደስቲ ናይ መራኸቢ ብዙሃንን ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ብፍላይ ድማ ዝተፈላለዩ መርበብ ሓበሬታ ብማኅበር ድዩ ብውልቀ ሰባት ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ዘተኮረ ምይይጥ ዝካየደሉ ኣብ ዜና መዋዕል ጭብጥታት ዘተኩሩ መርበብ ሓበሬታ ዘማኣከለ ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ዝሓሊ RealAudioMP3 ጳጳሳዊ ቤት ምክሪ ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ዓወደ መጽናዕቲ ትማሊ ኣብ ቫቲካን ከምእተጀመረ እንክሕበር፣ እዚ ቤተ ክርስትያንን ምስ ሓድሽ ምዕባለ መራኸቢ ብዙሃንን መርበብ ሓበሬታን እተካይዶ ዘተ ዘተባብዕ ዓወደ መጽናዕቲ እውም ምዃኑ እንክምልከት ብዛዕባ እዚ ዓውደ መጽናዕቲ ኣመልኪቶም ናይ ባህሊ ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃፍራንኮ ራቫዚ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ኣብዚ እዋን ኣዚዩ እናማዕበለን እናሰፍሔን ዝኸይድ ዘሎ መርበብ ሓበሬታ ቤተ ክርስትያን ዓቢ ግምት ከምእትህቦን፣ እዚ ሓድሽ ተርእዮ ሞባለ ዘለዎ ጥቕምን ብፍላይ ድማ እቲ ብማህበራት ድዩ ብውልቀ ሰባት ዝምራሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ጉዳይ ዝተ ዝግበረሎምን ሓሳብ ዝቐርበሎምን ኣብ ዝተፈላለዩ ሥነ መጽናዕትታት ዝተወከሰ ሓበሬታን መልስታት ዝቐርበሎም ናይ ዜና መዋዕል ጭብጥታት መርበብ ሓበሬታ ዘመሓላልፎም ባህልታትን ኣብ ምእመናንን ቤተ ክርስትያንን ብሓፈሻኡ ኣብ ዓለም ዘንብሮ ጽልዋ ግምት ብምሃብ፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ቤተ ክርስትያንን ኣብ ተመክሮ ክርስትና እዚ ሓድሽ መርበብ ሓበሬታ ኅልው ክኸውንን ክትጥቀመሉን እዚ ሓድሽ ምዕባለ መርበብ ሓብሬታ ብፍላይ ድማ ማሕበራዊ መርብት ሓበሬታ ኣሉታውን እወታውን ጸቕጥታቱን ጽልዋን ንምትንታን ኣሚታ ክትጥቀመሉ ዘተባብዕን ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታ ዘሳትፍ ዓውደ መጽናዕቲ ኢዩ ምስ በሉ፣ ስለዚህ ቤተ ክርስትያን ነዚ ናይ ሰብኣዊ ኅብረ ባህልታት ኅብረኣዊ ተመክሮ ግምት ብምሃብ እዚ ሓድሽን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ማኅበራዊ መርበብ ሓበሬታ ዝጥቅመሉ ቋንቋን ዝፈጥሮም ቃላት ብቐረባ ንምርዳእን ነቲ ኣብ ናይ ሓሳባዊ ርክባት ጥራሕ ዘድህብ ዘሎ ፍጥረት ሰብ ካብ ጭቡጥ ርክብ ከይርሕቕን ነቲ ናይ ሓሳብ ርክብ ከም ጭቡጥ ርክብ ገይሩ ከይነብሮ፣ ኣብ ክውንነት ክነብር ነቲ ሰብኣውን ማኅበራዊ ርክብ ከይጥፍእ ዝድግፍን ነዚ ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ንምድላው ባይታ ዝፈጥር ዓወደ መጽናዕቲ እውን ኢዩ። ስለዚህ እዚ ሓድሽ ናይ ዜና መዋዕል መርበብ ሓበሬታ ብምጥቃም ናይ ዘተ ባህሊ ንምትብባዕን ኣማኒ ምስ ኣማኒ ጥራሕ ዘይኮነ ምስ ኢኣማንያን እውን ዘተ ክህሉ ዝድግፍ ኅብረ ባህሊ ዘጉልሕ ዓወደ መጽናዕቲ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.