2011-05-03 16:51:59

ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዓለም ናይ ተስፋ ምልክት ኢዮም


ኣብ ከተማ ሮማ ጥራሕ ዘይኮነ እታ ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ብፁዕ ዝተባህሉላ ዕለት ኣብ መላእ ዓለም እውን ከምዘቓልሔትን ናይ መልእ ዓለም መራከቢ ብዙሃን በቐጥታ ብምክትታል መላእ ሕዝቢ ዓለም ኣብዚ ዓቢይ ሓጎስ ተሳታፊ ክኸውን ከምዝሓገዛን ብፍላይ ድማ ንመንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ምስያሞም ኣብታ RealAudioMP3 ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት ኮይኖም ዘገልገሉላ ከተማ ክራኮቪያን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዓለም ድሮ ብዙሓት ኣቢያተ ክርስትያንን ቅዱሳት ሥፍራ ነዚ ሓድሽ ብፁዕ ስም ከምእተወፈያን እንክንገር፣ ብዛዕባ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣመልኪቶም ናይ ኤስተርጎምን ቡዳፐስትን ሊቀ ጳጳስን ናይ ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ፐተር ኤርዶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ ዓለም ምልክት ተስፋ ኮይኖም ሕይወቶም ከምዘሕለፉን ሕጂ ድማ ብምእዋጅ ብፅዕናኦም ዓለም ብፍላይ ድማ እቲ ጥንታዊ ክፍሊ ዓለም ኤውሮጳ ተስፋ ከምዘድልዮ የመልክቱ፣ ኤውሮጳዊ ኅሊና መታን ክነቓቓሕ ኣስተምህሮታቶምን ጽሑፋቶምን ደገፎምን የድልየና ስለዚህ ነዚ ዘበራትዓና ብፁዕ ስለ ዝረኸብና ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ሕጉሳት ኢና ነመስግኖም ድማ ኢሎም። ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ናይ ቤተ ክርስትያን ኩላውነት ባህርይ ዘንጸባርቕ ኢዩ። እዚ ድማ ሕጂ ጥራሕ ዘይኮነ ካብታ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ንኽኾኑ ዝተሓረዩላ ዕለት ጀሚሮም ክሳብ’ታ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈለዩላ ዕለት ኣትሒዞም ዝነበርዎ ባህርይ ከምዝነበረ ሓቢሮም፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ድማ ብምእዋጅ ብፅዕናኦም ዝተረጋገጸ ሓቂ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።

ኣብ ብራዚል ናይ ሳው ፓውሎ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ኦዲሎ ፐድሮ ሽረር ብዛዕባ ብፅዕና ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኣወጀ ብፅዕና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኩላውነት መልክዕ ዘለዉ ከምዝኾነን፣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ እምነት ተንታንን ተርጓምን ዓቃቢ ትምህረተ ሃይምኖትን ጓሳን ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ኢዩ። ስለዚህ ንቤተ ክርስትያን ዝመርሕን ዓለም ቅኑዕ መገዲ ንኸለሊ ዝድግፍ ጽኑዕን ጥንቁቕን ዝተረጋገጸን ዋሕስ ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ጎሊሑ ዝተራእየ ባህርይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምኻኑ ገሊጾም። ቤተ ክርስትያን ኣብ ናይ ቲዮሎጊያ ሥነ ምርምርን መጽናዕትን ጉዕዞኣ ከይደናገር ዝመርሑን ኣብ ገለ ገለ እዋን ዝቐላቐል ዝነበረ ታሪኽን ሕይወት ቤተ ክርስትያን ብመንጽር ማርክሳዊ ንምትታን ዝገበር ዝነበረ ጉጉይ ከይዲ ቲዮሎጊያ ዝኣረሙን ሕላዌ ቤተ ክርስትያን ኣብ መዳይ ማሕበራዊ ሕይወት ንምግላጽን ናይ ቤተ ክርስትያን ማሕበራዊ ትምህርቲ ክኽተሎ ዝግብኦ መገዲ ኣነጺሮም ዘመልከቱ ኢዮም። ኣብ ቤተ ክርስትያን ብካቶሊክ ምእመናንን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዓለም እውን ከም ዓቢይ መራሒ ተራእዮም፣ መራሕቲ ዓለምን ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት መራሕቲ እውን ከም ኣብነት ዝተወከስዎም ከምዝኾኑን እውን ዘኪሮም፣ ብሓፈሻዊ ንሰብኣዊ ስድራ ቤት ዓለም ቅኑዕን ርጉጽ ኣብነት ከምዝነበሩ ኣረዲኦም። ሓሳቦም ብዝቕበሉ ጥራህ ዘይኮነስ በቶም ብዝብልዎ ዘይሰማምዑ ዝነበሩ እውን ልዑል ክብሪ ዝተውሃቦም ብፁዕ ወዲ ቤተ ክርስያን ኢዮም እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.