2011-05-02 17:03:36

ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልኣይ፡ ኣማን ብኣማን ብምድርን ብሰማይን ተኸታሊ ጴጥሮስ ካልአ ክርስቶስ


ሕማማትን ሞትን ክርስቶስ ብትንሣኤ ምስ ተተከኤ ኩሉ ፍጥረት ተሓዲሱን ተለዊጡን፣ ሓዘን ናብ ታሕጓስ ፍርሒ ናብ ትብዓት ተስፋ ቍርጸት ናብ ምሉእ ተስፋን ምትእምማንን ተሳጊሩ።

ናይ ሎም ሽድሽተ ዓመት ይገብር ሚያዝያ ዕለት 2 2005 ዓም ከባቢ ሰዓት 11፣30 ናይ ለይቲ ዓለም ምሉእ ብፍርሓትን ረዓድን ተዋሒጡ ከብዱ ሓቍፉ ክምህለል፣ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብወርሑ ካብ ርሑቅን ቀረባን ካብ ኩሉ ኵርናዓት ዓለም ብዝተኣከቡ ምእመናን ኣዕለቅሊቁ ቁዝማን ምህለላን መቁጸርያን ብንብዓት ተዋሒጦም ኣብ ዝደግሙሉ ዝነበሩ ሁመት ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልኣይ ናብ ሰማያዊ ኣቦ ከምዝተመልሱ ዝገልጽ መርድእ ነቶም ኣብ ቅር ዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም ዝነበሩን ንምሉእ ዓለምን ተነጊሩ።

ካብ ዕለተ ሢመተ ጵጵስናኦም ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም፤ ብዘይ ሌላን ጉሌላን ንምሉእ ዓለም ኣቦን መምህርን ብምዃን፤ ኣብ ሕሱምን ጥዑምን ኣብ ብርሃንን ጸልማትን ዝተፈራረቆ ጉዕዞ ሕይወቱ፤ ንርብዒ ዘመን ዚኣክል ብፍሉይ ፍቅርን ኃልዮትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ልቢ ስለዝተንከፉ ብሞቶም ዘይሓዘነን ዘይነብዔን ኣይነበረን። ዳርጋ ከምቲ ኢየሱስ ካብ ሓዋርያት ተወሲዱ ኣብ መስቀል ኣብ ዝሞተሉ ሁመት ኣብ ሓዋርያትን ካላኦት ተከተልቱን ዝተራእየ ናይ ሓዘንን ምጥርጣርን ተስፋ ምውሓድን ስምዒት ኣብ መላእ ተፈጢሩ ነሩ ኪበሃል ይከኣል።

ኣብ ዓለም ሥራሕናን ዘይሥራሕናን እንገብር ወትሩ ስለዘይንሰኣን፤ኣብቲ ግዜቲ ኣብ ሥራሕ አግዚኣብሔር ብምእታው፤ ድሕሪ እዚኦምሲ ኣኸለ፡ ነዚ ኦም ቅዱስን ዓቢይን ሰብ እዚኦምሲ መን ኮን ኪትከኦም ይኽእል፧ ናይዚኦምሲ እኳ ንበይኑ ኢዩ፣ መወዳድርቲ ኣልቦ፡ መተካእታ ኣልቦ እኳ ኢዮም፤ ኪበሃል ድሕሪ ምቅናይ፣ እቲ ንዓለም ብዘይ ጓሳ ዘይገድፋ ጐይታ መታካእታኦም ሂቡናስ፤ እኒሆ ድሮ ሽድሽተ ዓመት ኣቍጺርና።

ናይ ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልኣይ ፍሉይ ነገር ከምቲ ናይ ኢክ ካብ ብሕይወቱ ብሞቱን ድሕሪ ሞቱን ኣቃልቦ ናይ ብዙሓት ብምስሓብ ካብ ዕለተ ቀብሮም ጀሚሩ ኣብ መንበረ ጴጥርስ ንዝርከብ መቃብሮም ክሳለሙ ዕለታዊ ናይ ዓሰርተታት ኣሽሓት መስርዕ ንቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ወትሩ ምስ ኣዕለቅለቆ ኢዩ። ካብታ ዝዓረፉላ ዕለት 2 ሚያዝያ ክሳብ ዕለተ ቀብሮም 8 ሚያዝያ 2005 ካብ ምሉእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቍጸሩ ምእመናን ንረሳኦም ተሳሊሙ፣ ኣብታ ዕለት ቀብሮም ጥራይ ልዕሊ 4 ሚልዮን ህዝቢ ከምዝተሳተፈ ዝዝከር ኢዩ፣ ኣብዚ ዕለታት እዚ ዚውሕዝ ዘሎ ከኣ ንበይኑ ኢዩ፣ መፍቀርቶም ዝኾኑ ብዙሓት ምእመናን ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልኣይ ምስ ዓረፉ ሱቢቶ ሳንቶ ሕጂ ሕጂ ቅዱስ ይበሃሉ ቢሎም ሓቲቶም ኢዮም።

ከምዚኦም ዚኣመሰሉ ፍሉያትን ሕሩያትን ብዙሕ ግዜ ታሪኽ ህይወቶም ብምሉኡ ተኣምራታዊ ዓይነት እንክኾን ሓፍ ዘይብል መስቀል ከሰንዮ ከኣ ይረኤ። ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልኣይ ካብ ዝውለዱ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም ዘሕለፍዎ ሕይወት መስቀል ዝመልኦ እኳ እንተነበረ ኃልዮ ፈጣርን ረድኤት ወላዲተ ኣምላክን ወትሩ ስለዘሰነዮም ተኣምራታዊ ክበሃል ይከኣል።

ምልስ ቢልና ታሪኽ ሕይወቶም ብሓጺሩ እንተተዓዘብና ብወርሒ ግንቦት ዕለት 18 1920 ዓም ተወልዱ ኣብ ወርሖም ሰነ ዕለት 20 ተጠምቁ፣ ሕሳስ ልደ ኣብ ርእሲ ምዃኖም ብሕፃንነቶም ዝኽትምና ድኽነትን ስደትን እናተበራረየሎም፡ ወዲ 18 ዓመት ምስ ኮነ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቶም ብዓወት ዛዘሙ፣ ብባሕቲ መስከረም 1939 ዓም ኣብ ዩኒቨርሲቲ እናተማህሩ ካልኣይ ውግእ ዓለም ስለዝተላዕለ ክሳብ ወርሒ ኅዳር 1939 ዓም ጥራይ ከመሃሩ ከኣሉ፣ ካባኡ ካብ 1940-44 ኣብ ኩዕታ ማዕድን እናሠርሑ ሕይወቶም እናመርሑ ጸዋዕታ ክህነት ይስመዖም እሞ ብ1942 ኣብ ክራኮቭያ ዝርከብ ዘርአ ክህነት ሕቶ ምስ ኣቅረቡ ይቅበልዎም፣ ኮይኑ ግን ኩሉ ብስውር ክኸውን ስለዝነበሮ ገዛ ተኻርዮም ብሕቡእ ክሳብ 1945 ዓም ትምህርቲ ክህነት ተኸታተሉ፣ ብበዓል ኩሎም ቅዱሳን ብወርሒ ኅዳር ዕለት 1 1946 ዓም ኣብ ክራኮቭያ መዓርገ ክህነት ተቀበሉ። ድሕሪ ክህነት ንዘለዓለ ትምህርቲ ናብ ሮማ ተላኢኾም ኣብ ኣንጀሊኩም ዝበሃል ጳጳሳዊ መካነ ጥበብ ብ1948 ከኣ ብመዓርግ ዶክተር ሊቅነቶም ኣመስከሩ።

ካብ ሮማ ንዓዶም ምስ ተመልሱ ኒጎዊች ኣብ ትበሃል ናይ ገጠር ንእሽቶ ቁምስና ተመዲቦም እናሰርሑ ኣብ ዓመት ዘይመልእ ግዜ ኣብ ክራኮቭያ ዝርከብ ፍሎሪያን ኣብ ዝበሃል ቍምስና ተላእኩ። ብ1953 ኣብ ሉብሊን መካነ ጥበብ ብትምህርቲ ሞራል ዶክተር ኣቢሎም ኣባኡ ምምሃር ጀመሩ፣ ብወርኂ መስከረም ዕለት 28 1958 ዓም ኣብ 38 ዓመት ዕድሚኦም ናይ ክራኮቭያ ሓጋዚ ጳጳስ ኮይኖም ተቀብዑ፣ ብወርሒ ጥሪ ዕለት 13 1964 ዓም ከኣ ር.ሊ.ጳ ጵውሎስ 6ይ ናይ ክራኮቭያ ሊቀ ጳጳስ ሾሙዎም። ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ከኣ ብወርኂ ሰነ ዕለት 26 1967 ዓም ካርዲናል ሸምዎም።

ካብ ንእስነቶም ዝገበረዎ ብዙሕ ዘድንቅ ስራሓት እኳ እንተነበረ ንሎሚ ኣብ ናይ መንበረ ሮሜ ዝገበርዎ ክነተኩር፣ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካብቶም ቀንዲ ተዋሳእቲ ኣበው ብምዃን ፍሥሓን ተስፋን = ጋውድዩም ኤት ስፐስ ዝብል ሓረግ ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምስ ብጾቶም ኣርቀቁ፣ ር.ሊ.ጳ. ዮ.ጳ 1ይ ምስ ዓረፉ ምስ ካልኦት ካርዲናል ንኽመርጹ ዝኣተው ብወርሒ ጥቅምቲ ዕለት 16 1978 ዓም ር.ሊ.ጳ ኮይኖም ተመርጹ፣ ብዕለት 22 ጥቅምቲ ከኣ ዮጳ2 ዝብል ስም ብምውሳድ መበል 264 ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ብምዃን ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ተቀመጡ። እዚ ፍጻሜ እዚ ኣብ ግዜኡ ብዙሕ ኣደኒቁን ኣዛሪቡን ኢዩ፣ መጀመርያ ር.ሊ.ጳ ዮሐንስ ጳውሎስ 1ይ ምስ ተመርጹ ን33 መዓልታት ጥራይ ምግልጋሎም ንብዙሕ ኣሰንቢዱ፣ ኣብ ርእሲ እዚ ር.ሊ.ጳ ካብ ሃገረ ጣልያን ክኸውን ዝጽበዩ ዝነበሩ ብዙሓት ስለዝነበሩ ከመይ ኣብ መንበረ ሮሜ ን455 ዓመታት ር.ሊ.ጳ ዝሽየሙ ዝነበሩ ኩሎም ጣልያን ስለዝነበሩ።

ናይ ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልኣይ ፍሉይነት፡ ሓደ ካብቶም ኣብ መንበረ ሮሜ ንዝነውሐ ግዜ ዘገልገሉ ብምዃኖም ኢዩ፣ 26 ዓመትን 5 ወርሕን ፈረቃን ኣገልጊሎም፣ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስትያን ዝነውሔ ዓመታት ዘመሓደረ ብትኽክል ዓመታቱ እኳ እንተዘይተፈልጠ ቅዱስ ጴጥሮስ ሐዋርያ ምዃኑ ይንገር፣ ካልኣይ ን30 ዓመት ር.ሊ.ጳ ኮይኖም ዘመሓድሩ ፕዮስ 9ይ ምዃኖም ይንገር፣ ሳልሳይ ከኣ ብዮጳ2 ኢዮም።

ካብቲ ሕይወቶም ተኣምራታዊ ዘብሎ ነገራት ብወርሒ ግንቦት ዕለት 13 1981 ዓም በዓለ ማርያም ፋጢማ መዓልቲ፡ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንምእናን እናባረኹ ክሓልፉ እንከለው ዓሊ ኣጅካ ብዝተባህለ ብዝተተኰሰሎም ጠያይቲ ምሉእ መዓንጣኦም ተበታቲኹ ካብ ሞት ንእስክላ ዝወጹሉ ኢዩ፣ ባዕሎም እውን ከምዝገልጽዎ እኖና እግዚእትነ ማርያም ዘድኃነቶም ተኣምራት ኢዩ። ምስ ሓወዩ ነቲ ክቀትሎም ኣንቂዱ ዝነበረ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ብምብጻሕ ምሉእ ይቅረታ ከምዝገበሩሉ ምግላጾም እውን ስራሕ ኣምላኽ ዘርኣየ ዓቢ ናይ ምሕረት ስራሕ ምዃኑ ይዝከር።

ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልኣይ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስትያን ሓዲስ ምዕራፍ ብኽፋት ንልዕሊ 120 ሃገራት ዓለም ሓዋርያዊ ምብጻሕ ብምክያድ ዝነውሐ ጉዕዞ ዝፈጸሙ ር.ሊ.ጳ ኢዮም፣ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ 35 ሃገራት እንክበጽሑ ብሓፈሻ ዝገበርዎ ሐዋርያዊ ዑደት 104 ካብ ጣልያን ወጻኢ 146 ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገረ ጣልያን ኢዩ።

ካብቲ ብዙሕ እግዚአብሔር ብትምህርቶምን ስብከቶምን ጻዕሮምን ልዕሊ ኩሉ ከኣ ጸሎትምን ኣብነታዊ ሕይወቶምን ዝለወጦ ነገራት እቲ ብትንቢት ማርያም ፋጢማ ከነውግዶ ሓደራ ዝተዋህበና ኣልቦ እግዚአብሔር ዝብል ኮሚኒዝም ምውዳቁን ዓመት ማርያም ምእዋጆምን፣ እቲ ንዘመናት ንጀርመን ኣብ ክልተ ብምምቃል ብዙሕ ዘሕለቀን ዘሳቀየን መንደቅ በርሊን ምውዳቁን ክንዝክር ንኽእል።

ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልኣይ ‘ኣይትርሑ’ ብዝብል መልእኽቲ ናይቲ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ፤ ዝጀመረ ተልእኾኦም ብዙሕ ሐዋርያዊ መልእኽታትን ምዕዳንን ኣስተምህሮን ስብከትን ብቃልን ብግብርን ኣርእዮም፣ 14 ሓዋርያዊ መልእኽታት፣ ኢንሲክሊካልስ፣ 15 ሐዋርያዊ ምሕጽንታት ኣፖስቶሊክ ኤክዞርተይሽን፣ 11 ሐዋርያዊ ሕጋጋት ኣፖቶሊክ ኮንስቲትዩሽንስ፣ 45 መልእኽታት ጽሒፎም። ምዕራባውን ምሥራቃውን ሕገ ቀኖና ኣብያተ ክርስትያን ኣብ ዘመኖም ተመሓዪሹን ተሓዲሱን ወጺኡ፣ ሓዲስ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እውን ብድፍኢቶምን ጻዕሮምን ኣብ ኢድ ምእመናን በጺሑ። ኣብ ሳምንታዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ልዕሊ 17,600,000 ምእመናንን ነጋድያንን ተሳቲፎም፣ ናይ 2000 ዓመት ኢዮቤል ብምእዋጅ ኣብቲ ዓመት እቲ ልዕሊ 8000,000 ምእመናን ምሂሮም። ኣብ ዘመነ ሥልጣኖም 246 ግዜ ጠቅላይ ምኒስተራት 738 ግዜ መራሕቲ ሃገራት ተቀቢሎም ኣዘራሪቦም፣ ናይ ኢትዮጵያ ጠቅላይ ሚኒስተር መለስ ዜናውን ናይ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ካብዚኦም ምስ ዮጳ2ይ ዝተራኸቡ ኢዮም። ልዕሊ ኹሉ ኣብ መንእሰያት ብዝነበሮም ፍሉይ ፍቅሪ ዓለም ለኸ ዕለተ መንእሰያት ብምእዋጅን ዓመት ዓመት ዕለተ ሆሳዕና ዕለተ መንእሰያት ኮይና ክትዝከር ብዘተሓላለፍዎ መልእኽታትን ኣብ ልቢ ኩሎም ትሓቲሙ ዝተርፍ ፍቅሪ መንእሰያት ገዲፎም ሓሊፎም።

ካልእ ብፁዕ ዮሐንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዘተኣታተውዎ ሓዲስ ነገር ኣብ ናይ ቅዱሳንን ብፁዓንን ኣዋጃት ብሕወቶም ዝመስከሩ ዓለማውያን ብብዝሒ ምእዋጅ ኢዩ፣ ኣብ ዘመኖም ብዙሓት ምእመናን ዝርከብዎም 1,138 ብፁዓንን 482 ቅዱሳንን ተባሂሎም።
ከምቲ ንሶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እውን ባዕሎም ብዝተዓዘብዎን ሃረርታ ኩሎም ብምርኣይን ድሕሪ ሞቶም ብኡ ንብኡ ብወርሒ ሰነ ዕለት 28 2005 ብዝሃብውዎ ፍሉይ ፍቃድ ጉዳይ ብፅዕና ር.ሊ.ጳ ዮጳ2 ብወኪሎም ካርዲናል ካሚሎ ርዊኒ ኣብ ሮማ ተኣወጀ። ብኡ ንብኡ ከኣ ሓደ ብኣማልድነቶም ሓደ ተኣምር ተገልጸ፣ እናቴ ማሪ ሲሞን ፐር ዝበሃላ ጓል 46 ዓመት ድንግል ሕማም ፓርኪንሰን ዚበሃል ሒዝወን ማሲነን ዝነበራ ክገልጾኦ ብዘይክእላኦ መንገዲ ምሉእ ብምሉእ ሓውየንን ጥዒየንን ክንቀሳቀሳ ጀመራ፣ እዚ ጉዳይዚ ናይ ቅዱሳን ጉዳይ ናይ እተከታተል ማኅበር ሓለፍቲ መርሚሮሞ ንብፅዕና ዮጳ2 ሓጋዚ ኮይኑ ተረኺቡ፣ ኣብ ርእሲ ልዕሊ ክልተ ሚእቲ ዝኸውን ተኣምራታት ንመርመራ ኣብዚ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ማኅበር ቀሪቡ ኣሎ።







All the contents on this site are copyrighted ©.