2011-04-28 17:54:02

ጸሎተ ኃሙስ 2003 ዓ.ም. (21 ሚያዝያ 2011)


ንባባት፡ 1ቆሮ 11፡22~3፤ 1ጴጥ 2፡12~25 ግ.ሓ.27፡8~33፤ ሉቃ 22፡1~30

ምስባክ፡“ወሰራዕከ መአደ በቅድሜየ፡ በአንጻሪሆሙ ለእለ ይሳቅዩኒ፤ ወአጽሓድከ በቅብእ ርእስየ”። “አብ ቅድሚ ጸላእተይን ዝሳቕዩንን መአዲ ሰረዕካለይ፥ ንርእሰይ ብዘይቲ ቀባእካዮ” መዝ. 23፡5።

ጸሎተ ኃሙስ ማእከል ምስጢር ሕማማት ክርስቶስ ክንዝክርን ዕሞቕ ምስጢር ሞት መድኃኒናን ናታትና ሱታፌ አብ ተሳትፎ ሕማማቱ ክዓዝዝን ዝሕግዘና ፍሉይ ዕለት እዩ። አብዚ ምስጢር እምነትናን ናይ ነፍስወከፍና እሽታ ዝሓትት ዕለት ክንዝክር ከሎና አብቲ ንባባትና አተኩርና ክርንእዮ ከሎና ንሓዲስ መንፈስን ተበግሶን ዝድርኸና ሃዋሁ ይፈጥረልና። ጸሎተ ኃሙስ ናይ እቲ ኩሉ ተልእኮኡ መዛዘሚ ገርና ክንርእዮ ንኽእል። ኢየሱስ አብ መንጎ ሓዋርያቱ ክነብር ደልዩ ግን ብፍሉይ መልክዕ ኅብስትን ወይንን ለቢሱ አብ መንጎ አመንቱ ክነብር ደልዩ። እዚ ፍሉይ ርክብ በብዕለት ክሕደስ እንከሎ ምሉእ ውህደት ከም ነጥሪ ይገብረና። ነዚ አብ ቅድሚ ሞቱ ዘላ ሓሙስ ንበይኖም አብ ፍሉይ ቦታ ወሲዱ ሰርዓሎም። በዚ ቅዱስ ዕለት ብፍሉይ እንዝክሮ፡ ቅዱስ ቍርባን ዝሰርዓላ፥ ክህነት ዝሰርዓላ፥ ከምኡ ሓዲስ ትእዛዝ ፍቕሪ አብ አገልግሎት ዝተመስረተ።

ምንጪ ናይ ቅዱስ ቍርባን ሓዲስ ኪዳን አብቲ አብ ዘጽአት 12፡1~8፥ 11~14 ዘሎ መሰረት ገርና ክንርእዮ ንኽእል። እግዚአብሔር ንሙሴ ምስ ገለጸሉ ንህዝቢ አኪቡ ቅድሚ ካብ ግብጹ ምውጽኦም ከምዚ በሎም “አብ ዕለት 14 ሚያዝያ ምሸት ፀሓይ ምስ ዐረበት ኩሎም ሓደ ተባዕታይ ገንሸል በግዕ ወይ ጠል መኸላእታ ዘይብሉ ይሕረዱ፥ ምስ ሓረድዎ በቲ ደም ገሮም ልዳውቶም ይልከዩ፥ ለይቲ አምላኽ ብመልኡኹ ገሩ ንኹሉ ገዛውቲ ክሓልፎ እዩ ነቲ ብደም ዝተለኸ ክሓልፎ እዩ ነቲ ዘይተለኸ ግን ንኹሎም በኹሮም እንስሳ ከይተረፈ ክቐትሎም እዩ ኢሉ ነገሮም። እዚ ናይ አምላኽ ምሕረትን ከምቶም ካልኦት ከይተቐትሉ ምትራፎም ክዝክሩን ከምኡ ካብ ባርነት ግብጺ ነጻ ዝወጹሉን ንምዝካር ፋሲካ አብ ዓዓመቱ የብዕሉ። ፋሲካ አይሁድ ነጻነት ካብ ባርነት ግብጽን ነቲ ነውሕን ጽንኩርን ጉዕዞ አብ በረኻ ሲናይ ንምድረ ተስፋ ዝገበርዎ ዘዘኻኽርን እዩ። እቲ ብዓላ ፀሓይ ምስ ዓረበት በግዕ ፋሲካ አብ ቤተ መቕደስ ምስተሓርደ 14 ሚያዝያ ይጅምር፥ ንሓደ ሶምን ምሉእ ቈጺሎም የብዕልዎ። አብዚ ምስኡ ዘይበዅዔ ቅጫ ይብላዕ። እዚ ልክዕ ከምቲ ኢየሱስ እዚ ሥጋይ እዩ ኢሉ ዝሰርዖ እዩ። ነዚ መግቢ ንሶምን መመላእታ ይበልዕዎ እዚ ኸአ መዘከሪ ናይ እቲ እስራኤላውያን ዝረኸብዎ ግፍዒ ንምዝካርን እቲ ካብ ባርነት ክወጽኡ ዝገበርዎ ቅልጡፍ ጉዕዞን ንምዝካር እዩ። እዚ ብዓል ፋሲካ አይሁድ ንአምላኽ ከመስግኑ ንኹሉ ዝተገበረሎም ከምኡ ንዝመጽእ ጽቡቅ ተስፋ ንምርካብ በብዕመቱ ዘኪሮሞ ይውዕሉ።

አብ ስርዓት ፋሲካ አይሁድ ብዙሕ ምልክታት ነቲ ክርስቶስ አብ ምስራዕ ቅዱስ ቍርባን ዝተጠቕመሉ አገባብን ነገራትን ዝሕብር ንረኽብ። እቲ በግዕ ብዘይ ሓደ ጉድለት ንመስዋዕቲ ዝቐርብ አምሳል ኢየሱስ እዩ (2ቆሮ 5፡21)። ንሱ ምእንቲ ሓጢአትና በጃ ዝውሃብ እዩ። እቲ ዘይበኹዕ ቅጫ ኸአ ናታትና አብቲ መስዋዕቲ ቅዳሴ ምስታፍና እዩ፥ ንሕና አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ክንሳተፍ እንከሎና ኩሉ ዘድለየና ጸጋታት ንቕበል እሞ አብ ቅድሚ አምላኽ ክንቀውም ንኽእል። እቲ አብ ልዳት ዝልከ ደም ከአ አምሳል ደም ክርስቶስ እዩ። ኢየሱስ ብደሙ ይሕልወና።

ኢየሱስ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ምስ አርድእቱ ፋሲካ አይሁድ አብዒሉ። አብቲ ዘብዓሎ ፋሲካ ግን ናይ ገንሸል መስዋዕቲ አይነበረን ምኽንያቱ ባዕሉ ኢየሱስ ገንሸል ኮይኑ ንመስዋዕቲ ክቐርብ ስለ ዝኾነ። አብ መአዲ ምስተቐረቡ ህብስቲ ወሲዱ አመስጊኑ ቆሪሱ ከምዚ እናበለ ሃቦም፥ “እዚ ሥጋይ ምእንታኻትኩም እዩ፥ ንዝኽረይ ክአ ግበርዎ እናበለ ሂብዎም (1ቆሮ 11፡24)። ድሕሪኡ ድራር ንጽዋዕ አልዒሉ “እዚ ጽዋእ እዚ ብደመይ ዝኸውን ሓዲስ ኪዳን እዩ፥ ብትሰትይዎ ጊዜ ዅሉ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ (1ቆሮ 11፡25)። ነዚ እንገራዚ ብትበልዕዎ ነዚ ጽዋዕ እዚእውን ብትሰትይዎ ኹሉ ክሳዕ ጎይታ ክሳብ ዝመጽእ፥ ሞቱ ኢኹም እትነግሩ።

ቃላት ኢየሱስ አብ ጸሎተ ኃሙስ ነቲ ናይ አብ ብሉይ ኪዳን እግዚአብሔር ምስ ደቂ እስራኤል ዝአተዎ ተኪእዎ። እዚ ሓዲስ ኪዳን ምስ ደቂ ሰብ አፍደገ መንገስተ ሰማያት ንኹሎም እቶም አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝአምኑን ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበሉን ከፊቱ። በዚ አብ ኃሙስ ጽግቦ ዝተፈጸመ እንምሃሮ ኩልና ደቂ ሰባት አብቲ ክርስቶስ ዝሰርዕልና ብምሉእ ክንሳተፍ ከምዘሎና ንርኢ። አብኡ ሥጋን ደምን ክርስቶስ ተቐቢልና ሞቱን ትንሣኤኡን ንዝክር።

አብ ወንጌል ዮውሓንስ 13፡1~15 እንተ አንበብና ጽሩያት ክርስትያን ክንብሃል ትሕትና ክንለብስ ከም ዝግብአና ይነግረና። ነቲ ጸቒቱ ዝሕዘና ንብረትና ነገራትና ሎሚ ክንሓድጎ ምስኡ ዘሎና ፍቕሪ አብኡ ጥራሕ ከም እነተኩር እሞ ልዕሊ ኹሉ ንዝኾነ ካብ ክርስቶስ ዝፈልየና ከይንርስዕ የዘኻኽረና። ከምቲ ንሱ ብሞቱ ፍቕሩ ዝገለጸልና ንሕና እውን አብ አሕዋትና ፍቕርና ክንገልጽ ይግብአና። ከምቲ ክርስቶስ ዘገልገልና ንሕና እውን ንኻልኦት ክነገልግል ይግብአና። ንሱ ንሓዋርያቱ አእጋሮም እና ሓጸበ ንኻልኦት ከምኡ ግበሩ ኢልዎም ንአና እውን ከምኡ ክንገብር ሎሚ ይዛረበና አሎ።

ንሓውናን ሓፍትናን አእጋሮም ክንሓጽቦም ይግብአና።

ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓዋርያቱ ብሞት ቅድሚ ምፍላዩ አብ ነነድሕዶም ዝግበር ርክብ አብ አገልግሎት አድሕድ ክምስረት አርእይዎም። ንሱ መምህሮምን ጎይትኦምን እንከሎ ተምበርኪኹ ክሓጽቦም እንከሎ ፍሉይ ነገር አርእይዎም። እቲ ካብኦም ዓቢ ዝብሃል ብዝተሓተ ከገልግል ከምዝግባእ ነጊርዎም። አብ ዓድና እግሪ ንጋሻ ንዓቢ ሰብ ከምኡ ካብ ነውሕ መገሻ ዝመጽኤ ምሕጻብ ልሙድ ነሩ። እዚ ኸአ ፍቕሪ ንምርአይ እዩ፥ አገልግሎት አብ ፍቕርን ትሕትናን ክምስረት እንከሎ አብ ቅድሚ አምላኽ በረኸት አልኦ። አገልግሎት አብ ስድራ ትጅምር በበደረጅኡ እናዓበየ ይከይድ አብ መጭረሽታ ዝለዓለ አገልጋሊ ብዓለም መራሕ ያገር ብመንፈስ ከአ አቡናትን ርእሰ ሊቃና ጳጳሳትን እዮም። በዚ እዮም ጳጳስ ናይ አገልገልቲ አገልጋሊ ዝብሃሉ።


አብ መአድ ክርስቶስ ክንሳተፍ ይግብአና፡

ክርስቶስ መአዲ ፍቕሪ ዝኾነ ቅዱስ ቍርባን ምስ ሰርዐ ንሓዋርያቱ እንኩም ብልዑ እንኩም ስተዩ እናበለ ሃቦም እሞ ኩሉ ጊዜ ንዝኽረይ ግበርዎ ኢሉ ትእዛዝ ሂብዎም። ኢየሱስ አብ ቅዱስ ቍርባን ብምልኡ ይነብር። አምሳል ወይ ከአ ብኸፊል አይኮነን አብኡ ዘሎ ብምልኡ እዩ አብኡ ዘሎ። ነዚ ካብ ፍቕሪ ተበጊሱ ዝሃበ አምላኽ ከም ለበዋኡ ክንቅበሎ ግቡእ እዩ። “ሥጋ ወድሰብን ደሙን እንተ ዘይተሳተፍኩም አባኹም ሕይወት የለን” ይብለና። አብ ሕይወትና ብሕይወት ክንንቀሳቐስ አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ከምቲ ዝግባእ ተሰናዲና ክንቅበል አሎና። አብ መአዲ ክርስቶስ ክንቀርብ ክንገብሮ ዝግብአና ነገራት አሎ፡


አብ ጸሎተ ሓሙስ ክርስቶስ ቅዱስ ቍርባን ጥራሕ አይኮነን ሰሪዑ፥ በዚ ዕለት ከም ልምዲ ምስጢረ ክህነት፥ ምስጢራ ንስሓ፥ አብ አገልግሎት ዝተመስረት ፍቕሪ ሰሪዑልና። ንሓዋርያቱ ንኹሉ ክመርሑ ከስተምህሩ ድላዩ ክፍጽሙን አብ መጻኢ ክመርሑን ከም ዘለዎም ነጊርዎም። ነቲ ንሱ ዝጀመሮ ምስጢረ ድኅነት ክቕጽሉ ምእንቲ መጋበሪ ዝኾኖም ምስጢራት ሰርዓሎም። እዞም ምስጢራት እንብሎም ኩሎም ካብ አምላኽ ብዝርአ ምልክት ንዘይርአ ጸጋ አምላኽ የውህቡና። ምስጢራት ክንቅበል ከሎና ክርስቶስ ብርእሱ አባና ይሓድር መንፈስ ቅዱስ ንቕበል፥ ደቂ ትንሣኤ ምዃና ንምስክር።

በዚ ሕሩይ ዕለት ንአምላኽ በቲ ኩሉ ዝሃበናን ዝገበረልናን እናአምሰገና ሕጂ እውን ከምቲ ንሓዋርያት አብ መንግኦም ሓዲሩ ዝሓገዞም ንሕና እውን አብ መንጎና ሕደር ንበሎ።

አደ ሓዋርያት ንዝኾነት ማርያም ነቲ ካባኺ ዝወስዶ ሥጋኡን ደሙን ክህበና ከሎ ንአኺ እዩ ሂቡና ስለዚ ንሥጋ ወድኽን ደሙን ክንቅበል ከሎና ብርእሱ ዝኾነ አምላኽ ዝኾነ ክርስቶስ ኢና እንቕበል እሞ ብንጹሕ ሕልናን ብምስንዳውን ክንቅበሎ እሞ ምስኡ ሓድነትን ብርቱዕ እምነትን ክነሕድር ሓግዝና ንበላ። አብ ቅዱስ ቍርባን ዘሎኻ ክርስቶስ ጓስየና መግበና ኩሉ አበሳና ሓዲግካ ናትካ ግበርና ንበሎ።

ንኹልኹም ብክህነት አሕዋተይ በዚ ብሩኽ ዕለት እቲ አብ ጸግኡ ተሳተፍቲ ክህነቱ ዝገበረና ሎሚ ብዝተሓደሰ መገዲ አብ አገልግሎቱን አብ አገለግሎት ቤተክርስትያኑ ከምቲ ንሱ ዝደሎ ክነገልግሊ ከምቲ ንሓዋርያቱ ዝመርሐን ዝሓገዘን ሎሚ ንአይን ንአኻትኩምን ብፍሉይ ክሕግዝ ብፍሉይ አብ ጸሎተይን አብ ፍሉይ መስዋዕቲ ቅዳሴን እዝክረኩም። አምላኽ ክህነትና ባሪኹ ብብርሃኑ ተልእኮና ፍርያምን ንቤተክርስትያን ዝጓስን ይግበረልና።

ክቡራን ምእመናን ብጸጋ ጥምቀት አብ ሓባራዊ ክህነት ተሳቲፍኩም ኢኹም እሞ ሎሚ እውን ጸዋዕታኹምን ንመድኅንኩም ብእምነት ክተገልግሉን ክትልአኹን ልብኹም ክፈቱሉ መብጽዓኹም ሓድሱ። ሥጋኻን ደምካን ተመጊብና እሙናት መጓሰኻ ክንከውን ሎሚ እውን ርድአና በልዎ።

ደቂ ሓንቲ ቤተክርስትያን ኮና አብ ሓደ ክርስቶስ ሓቢርና ፍቕርን ሕውነትን አንጊስና መራሒናን ትምክሕትና ንክርስቶስ ገርና በዚ ብሩኽ መዓልቲ መብጽዓናን እምነትና ንሓዲስ። ምስ አደ ቤተክርስትያን ዝኾነት ማርያም ኮና አብ ወዳ ንቕረብን ንተዓረቕን።

ርሑስ ብዓል ጸሎተ ኃሙስ 2003 ዓ.ም.!

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ።








All the contents on this site are copyrighted ©.