2011-04-28 17:42:12

ናይ ር.ሊ.ጳ ሶሙናዊ ናይ ዕለተ ሮቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ (27.04.2011)


ዝኸበርኩም ኣኅዋትን ኣኃትን:

ኣብዚ ክሳብ ዕለተ ጴንጠቆስጤ ዝናዋሕ ዘመነ ትንሣኤ ልባትና ብተሓድሶን ደስታን ናይቲ ዝሠራዕናዮ ሥርዓተ ኣምልኮ በዓለ ፋሲካ መሊኡ ኣሎ። ስለዚ ሎሚ ብሕጽር ዝበለ መልክዕ ብዛዕባቲ ሕመረት ናይ ምሥጢረ ክርስትና ዝኾነ ፋሲካ ክነስተንትን እዕድም። ሕይወት ክርስትና ብምሉኡ ካብዚ ኢዩ ዚብገስ፤ ካብ ሞት ዝተንሠኤ ክርስቶስ መሠረት እምነትና ኢዩ። ከምቲ ካብ ማእከል ሓደ ዓቢ ብርሃን ዘንጸባርቅ ጩራታት ዜውጽእ ኩሉ ሥርዓተ ኣምልኾ ቤተ ክርትያን፤ ትሕዝቶኡን ትርጉሙን ካብ ትንሣኤ ክርስቶስ ብምውሳድ ካባኡ ይምንጩ። ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾና እንሠርዖን እነዘንትዎን ሞትን ትንሣኤን ክርስቶስ ማንም ዝክሪ ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ነዚ ፍጻሜ እዚ ንሕይወት ነፍሲ ወከፍ ክርስትያንን ማኅበረ ክርስትያንን ኮታ ንሕይወት ነፍሲ ወከፍና ከምብሓዲሽ ህልው ንገብሮ። እኳ ደኣ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ኤፈውሶን ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቱ 5፡8 ዝገልጾ ‘ፍረ ብርሃን ብሠናይ ዘበለን ብጽድቅን ብሓቅን እዩ፡ ቀደም ጸልማት ኔርኩም ኢኹም እሞ፡ ብጐይታ ግና ሕጂ ብርሃን ኢኹም፡ ንጐይታ ዜሐጒሶ እናመርመርኩም፡ ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ተመላለሱ።’ እንክብል ካብ ሞት ብዝተንሠኤ ክርስቶስ ምእማን ኣብ ሕይወትና ቀጻሊ ትንሣኤ ብምፍጣር ንህላዌና ይልውጦ።

ከመይ ገቢርና ኢና ንፋሲካ ሕይወት ከነልብሶ እንኽእል፧ ኣፍኣውን ውሳጣውን ሕይወትና ከመይ ቢሉ ኢዩ ቅርጺ ፋሲካ ክለብስ ዝኽእል፧ ኩሉ ካብ ሓቀኛ ርድኢት ትንሣኤ ክርስቶስ ክነቅል የድሊ፤ እዚ ፍጻሜ እዚ ከምቲ ናይ ኣልኣዛር ትንሣኤ ወይውን ከምቶም ካልኦት ክርስቶስ ካብ ሞት ዘተንሠኦም ጓል ጃይሮን ወይ በዓል ናይን መንእሰይን ኣብቲ ናይ ቀደም ሕይወትካ ምምላስ ኣይኮነን፤ እዚ ትንሣኤ እዚ ብሡሩ ሐዲስን ካልእ ዓይነት ትንሣኤን ኢዩ፤ ትንሣኤ ክርስቶስ ከስ ብግዜ ዘይልካዕ ኣብ ዘለዓለማውነት እግዚአብሔር ናይ ዝወሓጥ ሓዲስ ሕይወት መንጠሪ ባይታ ኢዩ፤ ብትንሣኤ ክርስቶስ ንዕለታዊ ጉዕዞና ዘብርህን ንፍሉይን ሓዲስን መጻኢ ሕይወት ባብ ዘርሑ ሓዲስ ኩነት ደቂ ሰባት ይጅምር፤ እዚ ስለዝኾነ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሮንጦስ ኣብ ዝጽሓፋ ቀዳመይቲ መልእኽቱ 15፡16 ‘ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡ ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም።’ ብማለት ንትንሣኤ ክርስትያንን ትንሣኤ ክርስቶስን ብዘይፈላለ ኣገባብ ምንጽጻር ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ዕለታዊ ናብራና ምሥጢረ ትንሣኤ ብከመይ ዚኣመሰለ ኣገባብ ክንነብሮ ከምዘሎና እውን የመልክተልና።

ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆላስያስ ኣብ ዝጸሓፋ መልእኽቱ ‘ደጊም ምስ ክርስቶስ ተንሲእኩም እንተ ዄንኩምሲ፡ ነቲ ክርስቶስ ኣብ የማን ኣምላኽ ተቐሚጥዎ ዘሎ፡ ነቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ድለዩ። መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ ኣላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን።’ ይብለና፤ ግርህ ቢልና ንመጀመርያ ግዜ ክነንብቦ ከሎና ቅ.ጳውሎስ ነዚ ሥቃይ ዓመጽን ሓጢኣትን ዝመልኦ ዓለም ብምርሳዕ ሰማያዊ ሕይወት ኣብዚ ምድሪ እዚ ክነብር ንምጅማር ንናይዚ ምድሪ እዚ ነገራት ዘናሹ ይመስል። ከምዚ እንተኮይኑ ግን እዚ ናይ ሰማይ ነገራት ምሕሳብ ነፍስኻ ምግላል ምኾነ፤ ኮይኑ ግን ትርጉም ናይዚ ቃላት እዚ ንምርዳእ ካብቲ ዝተጻሕፈሉ ሃዋህው ዘይምፍላዩ ግዲ ኢዩ፡ ‘ናይ ንየዋይ ዓለም ላዕለዋይ ነገራት’ ክብል እንከሎ ክርስትያን ክደልዮን ሃረር ክብሎን ዘለዎ ነገራት ምዃኑ እንከመልክት ‘ምድራዊ ነገራት’ እንክብል ካባኡ ክጥንቀቀሎም ዝግባእ ነገራት የመልክት። በዚ ከኣ ኣብታ ዘንበብናያ መልእኽቱ ኣተሓሒዙ ኣብ ቁ.5/6 ‘ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡ ብሰሪ እዚ ነገርዚ ቚጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ።’ እንክብል እቲ ከነውግዶ ዘሎና ምድራዊ ነገራት ይገልጸልና።

እዚ ማለት ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሡር ሓጢኣት ዝኾነ ንዘለዓለም ዘይረዊ ሃረርታ ዓለማዊ ነገራትን ኣነነትን ክንኣሊ ከምዘሎና የመልክተልና፤ በዚኸስ ሓዋርያ ጳውሎስ ነቲ ኣረጊት ነገራት ኣሊና ንሓዲስ ሰብነት ክርስቶስ ክንለብሶ ይዕደመና። ልብና ክሰልቡና ዘይብሎም ነገራት ኣነጺሩ የመልክተልና፤ ኮይኑ ግን ኣባኡ ቆይሙ ኣይተርፍን ኢዩ፤ ብዝበለጸ ኣብሪሁ ዘቅርቦ ነገራት ኣሎ፤ እቲ ልብና ኣባኡ ኪዓልብ ዘለዎ ሰማያዊ ነገራት ኣየናይ ኮን ይኸውን ንዝብል ሕቶ እውን ይምልሽ ኢዩ፤ እዚ ነገራት እዚ ነቲ ‘ሓዲስ ኣዳም’ ዘመልክት ኮይኑ ሓንሳእን ንሓዋሩን ነቲ ሓዲስ ኣዳም ክርስቶስ ኣብ ምልባስ ኣብ ምስጢረ ጥምቀት የተኩር፤ እዚ ሓዲስ ኣዳም እዚ ብ ኣምሳል እቲ ዝፈጥሮ ወትሩ ክሕደስ ዘለዎ ምዃኑ ናብ ሰብ ቆላስይስ ኣብ ዝጸሓፎ መል እክቱ 3፡10 ‘ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ’ እንክብል ይገልጾ። መሊሱ ካብ 12~14 ዘሎ ኁልቅታት ‘ እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ። ንሓድሕድኩም እናተጸወርኩም፡ እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ፡ ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ። ኣብ ልዕሊ እዚ ዂሉውን ፍቕሪ፡ ማእሰር ፍጻሜ እያ እሞ፡ ልበስዋ።’ እንክብል ናይ ሰማይ ነገራት ኣየኖት ምዃኖም የብርህ። በዚ ኸስ ቅዱስ ጳውሎስ ንነፍሲ ወከፍና ንክርስትያን ኩሉ ካብቲ እግዚአብሔር ክንነብረሉ ካብ ዘንበረና ዓለም ክንሃድም ወይ ክንርሕቅ ከምዘይ ዕድመና የመልክት። ርግጽ ኢዩ ንሕና ሃገርና ሰማይ ኢዩ፤ ኣብዚ ምድሪ ኣጋይሽ ኢና፤ እውነተኛ ሃገርና እታ ሓዳስ ኢየሩሳሌም ኣብ ሰማየ ሰማየት ኢዩ፤ ሓቀኛ ዜግነትና ከኣ ንሳ ኢዩኣ፤ ኮይኑ ግን ናብኣ ክሳብ ንበጽሕ በዚ ዓለም እዚ ክንሓልፍ ግድነት ኢዩ። ኣብዚ ምድሪ እዚ እንከሎናውን እንተኾነ ሳላ ትሩፋት ሕማማቱ ትንሣኤኡን ንሕይወት ናይቲ ካብ ሞት ዝተንሰኤ ክርስቶስ ክንሳቶፎ፤ ክነብሮ ንኽእል ኢና፤ እዛ መንገዲ እዚኣ ጥራሕ ከኣ ኢያ ንርእስና ጥራሕ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም ክንልውጦ ተኽእለና፤ እዚ ማለት ከኣ ነዛ ምድራዊት ዓድና ሓዲሽ ገጽታ ክንፈጥረላ፤ እዚ ገጽታ እዚ ከኣ ክብሪ ናይ ነፍሲ ወከፍ እናሓለወ ንምዕባሌ ደቂ ሰባትን ማኅበረሰቦምን ብምድንገዲ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ርኅራሔን ከምዝድንፍዕ ይገብር። ሐዋርያ ጳውሎስ ነዚ ንምግባር ዝሕግዙና ኃይላት ኣየኖት ምዃኖም የመልክተልና፤ ልዕሊ ኩሉ ግን ፍቅሪ ይሰርዕ፤ ፍቅሪ ነቲ ኩሉ ሰማያዊ ነገራት ከምተጠቃልል እውን ይገልጽ፤ ፍቅሪ ምስ እምነትን ተስፋን ኮይና ነቲ ዝለዓለ ሕጊ ሕይወት ክርስትና ትገልጽ፤ ትርጉም ከኣ ትህቦ።

ፋሲካ ከስ ነቲ ሓቀኛ ዝኾነ ስግጋር ንዝኾነ መከላኸሊ ብምድምሳስ ሓዲስ ውህደት ኣብ ልብኻን ምስ ካልኦትን ብምህናጽ ካብ ባርነት ሓጢኣት ናብ ብፍቅሪ ዝተሓደሰ ሕይወት ነጻነት የሰጋግር። ነፍሲ ወከፍ ክርትያን ከማኡ እውን ነፍሲ ወከፍ ማኅበር ናይዚ ናይ ትንሣኤ ምስግጋር ጣዕሚ እንተደኣ ኣስተማቂሩ ን ዓለም ሓዲስ መባኹ ዕቲ ዘይኮነሉ ኣብነት የልቦን፤ በዚ ከኣ ከምቲ ቅዱሳን ናይ ኩሉ ዘመናትን ቦታታትን ዝመስከርዎ ንህጹጽን ናይ ፍትሕን ጉዳያት ውፉይ ይኸውን። ኣብዚ ግዜና ከምዚ ዓይነት ምስክርነት ዘድልዮም ነገራት ብዙሓት ኢዮም፤ ንሕና ክርስትያን ትንሣኤ ክርስቶስ ንወዲ ሰብ ካብ ዓለም ከየውጸኦ ከምዝሓድሶ ብጽኑዕ ብምእማን ብሩሃት መሰኻኽር ናይዛ ክርስቶስ ዘምጽ ኣልና ፋሲካ ክንከውን ኣሎና፡፡ ፋሲካ ከስ ብጸጋ ክርስቶስን ብሥነ መጎት ፍቅሪ ዝኾነ ሥነ ሞጎት እግዚአብሔር ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነት ክንሠርሕ ብዓሚቁ እምነት ክንቅበላ ዘሎና ዓባይ ጸጋ ኢዩ። ብርሃን ትንሣኤ ክርስቶስ ነዚ ዓለምና ክስንጥቆ ኣለዎ፤ ከም መል እኽቲ ሓቅን ሕይወትን ብምስክርነት ዕለታዊ መነባብሮና ናብ ኩሎም ሰባት ክበጽሕ ኣለዎ።

ዝኸበርኩም ኣዕሩኸተይ፣ እዎ ክርስቶስ ብሓቂ ተንሢኡ ኢዩ፤ ነቲ ንሱ ዝለገሰልና ሕይወትን ታሕጓስን ንር እስና ጥራይ ክንሕዞ ኣይንኸልን፤ ንዝቀርብናዮም ኩሎም ክንልግሰሎም ኣሎና፤ እዚ ተልእኾናን ዕዮ ገዛናን ኢዩ፤ ማለት ተስፋ ቁርጸት ኣብ ዘሎዎ ልቢ ብጻይና ተስፋ ከነተንሥእ፤ ሓዘን ኣብ ዘለዎ ሐጐስ፤ ሞት ኣብ ዘለዎ ሕይወት ክንዘርእ ኣሎና። ዕለት ዕለት ታሕጓስ ናይቲ ካብ ዝተንሠኤ ክርስቶስ ክንምስክር እንከሎና ኣብ ሃዋህው ፋሲካ ከምንነብር የመልክት በዚ ከኣ እቲ ዘሐጉስ ብሥራት ክርስቶስ ኢምንትን ታሪኽን ከምዘይኮነ ነረጋግጽ በዚ ከኣ ንኩሉ ነገራት ከነሐድስ ንኽእል።








All the contents on this site are copyrighted ©.