2011-04-28 17:46:55

ሰንበት ዘትንሣኤ 2003 ዓ.ም. ( ሚያዝያ 24 2011)


መዝሙር፡ ይትፌሣሕ ሰማይ ወትትሐሠይ ምድር.. . . ።

“ሎሚ አብ ሰማያት ዐቢይ ታሕጓስ ኮይኑ እዩ፥ ምድሪ ከአ ብደም ክርስቶስ ተሓጺባ ፋሲካ ትገብር አላ፥ ትንሣኤኡ በሰንበት ገበሮ ከም ነዳዲ እሳት ናብ ሲኦል ወረደ፥ አብኡ ነቲ ማዕጾ ሓጺን ሰበሮ፥ አብ ሳልሳይ መዓልቲ ንሞት ሰዓሮ ንኃይሊ ጸልማት አባረሮ” ይብል።

ንባባት፡ 1ቆሮ15፡1~7፥ 1ጴጥ 1፡1~5፥ ግ.ሓ.2፡22~25፥ ሉቃ 24፡13~35

ስብከት፡ ወተንሥአ እግዚአብሔር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፥ ወከመ ኃያል ወኃዳገ ወይን፥ ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ። “ሽዑ እግዚአብሔር ከምቲ ኻብ ድቃሱ ዚትንሥእ ሰብ ተንሥአ፥ ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚዕድር ጀግና ኾይኑ ተንሥኤ” መዝ። 78፡65~66

ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር፥ ንትፈስህ ወንትሃሰይ ባቲ፥ ኦ እግዚኦ አድህንሶ። “እቲአ እግዚአብሔር ዝገበራ ዕልት እዚአ እያ፥ ብአአ ንተሓጎስን ባህ ይበለልናን፥ ኦ ጉይታ አድኅነና” መዝ 118፡ 24~25።

ዘመነ ፋሲካ 6ተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። ፋሲካ ማለት ምስጋር ማለት እዩ። እስራኤላውያን አብ ግብጺ ከለዉ መልአኽ እግዚአብሔር እናተሳገረ ነሓፎም። ካብ ባርነት ናብ ሓርነት ተሳገሩ፥ ባሕሪ ኤሪትራ ተሳገሩ፥ ንሓዲስ ኪዳን ግን ፋሲካ ብጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ዝተሳገርናሉ የዘኻኽረና ክርስቶስ ብትንሣኤኡ ንሞት ዝሠዓረሉ ንሰይጣን ዝአሰረሉ ናብ ሰኦል ወሪዱ ንአዳም ምስቶም ዝጸደቑ ደቁ ዘውጽአሉ መንስተ ሰማይ ከፊቱ መሪሕዎም ዝአተወሉ ቦዅሪ ትንሣኤና ዝኾነሉ ዘዘኻኽር መዓልቲ ፍስሓን ታሕጓስን እዩ። “ክርስትስ ካብ ሙታን ስለ ዝተንስኤ ሎሚ ብሰንበት ክርስትያን ታሕጓስ ኮነ ንአአ ካብ ኩለን መዓልታት ቀደሳን አኽበራን አልዓላን ብሓቂ ካብ ሙታን ተንሢኡ እዩ”። እናበልና ንጽሊ።

ኩልና ብፍላይ አብ ማእከላይ ዕድመ ዝበጻሕና ኩልና ናይ ሓደ እንፈትዎ ሞት ዝረአና ኢና። ሞት እንፈትዎም ብሓቂ ይኸብደና እሞ አብ ንኡስ ዕድሞኦም ክኸውን እንከሎ። ናታቶም ዘይምህላው ጎደሎ ይስምዓና ብርቱዕ ንጉሂ አብ ልብና ይሓድር እሞ ብገለ ክንትክኦ ንፍትን። ሓደ ክመውት እንከሎ ንፍቕሪ ብኻልእ ዓይኒ ንርእያ ምኽንያቱ ዘይነፍቅር እንተ ንኸውን ሓዘን አይምተሰመዓናን፥ ፍቕሪ እምብአር ነቲ ዝነበረና ርክብ ስለ እንስእኖ ስለ ዝጎድለና ንጉሂ። ስለዚ አብ ውሽጢ ጓሂ ፍቕሪ አላ። እንጉሂ ስለ እነፍቅር ኢና።

አብ መዓልቲ ትንሣኤ ለይቲ ነተን ክልተ ማርያማት እዚ እዩ ገጢምወን። ንሰን አንጊሄን አብቲ መቓብር ከይደን። ማቴዎስ አብ መቓብር ከዳ እና በለ ይጽሕፍ። አብ ልበን ምናልባት እንታይ ይጽበያ ኾን ነረን። ብርግጽ ተአምራት ክገጥመን አይተጸበያን። በታ መዓልቲ ሰንበት አይሁድ ንኹሉ ነቲ ዘፍቅራኦ መምህረን ዝረኸቦ እና ሓሰባ አብ ብርቱዕ ሓዘንን ጓህን አሕሊፈንኦ ይኾና። እንተኾነ እታ ፍልይቲ ፍቕሪ አብኤን ሓዲራ ዝነበረት፥ በቲ ሞቱ ብርቱዕ ፈተና ዝወረዳ፥ አብቲ ዝተቐብረሉ ክኸዳ ይግድደን። እቲ መልአኽ ዝበለን ቃላት ነቲ ዝነበረን ብርቱዕ ሓዘን ቁሩብ ምጽንናዕ ይህበን። አብ ሓዲስ ተስፋ የሰጋግረን እሞ አብ ሓዲስ መንፈስ ይቕይረን አብ ምምስካር አብ ምብሳር ትንሣኤ ይአትዋ። ካብ ብርቱዕ ሓዘን አብ ብሩህ ተስፋ ይሳግራ። እቲ አብ መምህረን ዝነበረን ፍቕሪ ብሞቱ እውን አይተዓግተን አብ መቓብር አብ ሬሳ እውን ክረኽብኦ ፈቲነን። አብ ፍቕሪ ምስ አቶኻ ሞት ብሕይወት ትቕየር። አብ ፍቕሪ ዝነብር ልዕሊ ዝኾነ ነገር ዝርእዮ ስለ ዘልኦ ነቲ ብዓይኒ ሥጋ ክጋርዶ ዝኽእል ኲንኡ ርእዩ ይኽእል፥ እዘን አርድእቲ ኢየሱስ ዝኾና ቀዳሞት አንስቲ ነዚ ኩነት እየን ለቢሰን ንመምህረን አብ መቓብር ክርእይኦ ዝኸዳ።

አብ መስቀል የሎን፡

አብ ገለ ክርስትያን አብ መስቀል ስቕለት ዘይብሉ ገሮም ይጥቀሙ አብዚ ሓደ ጠቓሚ ትርጉም አሎ። መስቀል ዝለዓለ ናይ ርእሱ ህያብ ምእንታና ንሰማያዊ አብኡ እዩ፥ ሕጂ አብኡ የለን ንሱ አብ ሰማይ አብ መንበር ክብሩ ተቐሚጡ አሎ እዚ ንመስቀል ዝግብኦ ክብሪ የልብሶ። እንተ ዘይኮነ መወዳእታ ዘይብሉ ጉዕዞ ምኾነ። መስቀል ምልክት ሕማሙን ሞቱን እዩ፥ ሎሚ ኢየሱስ ብግዙፍ አብ አብ መስቀል የለን፥ ሎሚ ንሕና ካብኡ ብኽፉእ ግብርና ክንፍለ ከሎና ዳግማይ ንሰቕሎ፥ ማለት ንሱ ምእንታና ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት አብ መስቀል መይቱ እንከሎ ሎሚ ብግብርና ዳግማይ ንሰቕሎ ንስቕለቱ ንሞቱ ብላሽ ንገብሮ። አብ መስቀል የለን ክንብል ከሎና ብመስቀል ሓሊፉ ሎሚ አብ ሰማይ እዩ ዘሎ ክመውት አይክእልን እዩ ማለት እዩ።

ስቕለቱን ሞቱን ትርግሙ እንተ ዘይተረድአና ከም ሓዋርያት ንኸውን አብ መቓብር አብ መስቀል ንደልዮ ንሱ ግን ተንሢኡ እዩ። መስቀሉን ሞቱ አብ ትንሣኤ ዘየብጽሑ እንተኾይኖም ትርጉም የብሎምን። ትንሥኤኡ ንሓዋርያቱ አብ ሓዲስ ርክብን ርድኢትን አእትይዎም። ብሳላ ትንሣኤ ብፍርሕን ስንባደን ተረቢሾም ገሎኦም አብ ህድማ ገሊኦም አብ ክሕደት ዝነበሩ አብ መዓልቲ ትንሣኤ ጨሪሾም ተቐይሮም ብድፍረት እቲ አብ መስቀል ዝሞተ ሕያው አሎ ኢሎም ብትብዓት ክሰብኩ ጀሚሮም። በዚ ምኽንያት ምስ ተአስሩ ምስ ተሰዱ መከራ ምስ ጸገቡ ምኽንያት ሓጎሶም ኮይኑ። ከምኡ መጠን ዝተዋረዱ መጠኑ አብ ናይ ጎይትኦም ስቓያቱን ሞቱን ከም ዝተሳተፉን አብ ክብሩ ከም ዝሳተፉ ክሓስቡ ጀሚሮም። ንመምህሮም ብኻልእ ዓይኒ ክርእይዎ ክኢሎም። አብ መስቀል ዘይኮነ አብ መንግኦም ከምዘሎ ክርእዩ ክኢሎም።

መጸዋዕታ ሕይወትና ክንቅይር፡

ትንሣኤ ብዛዕባ ኢየሱስ ካብ ሞት ምትንሥኡን ከምኡ ነቶም ቀዳሞት አርድእቱ ዝገጠምን ዘዘኻኽር ጥራሕ አይኮነን። ትርጉም ትንሣኤ አብ ናይ ንፍሲ ወከፍና ሕይወትን አብ እምነትና ዘልኦ ርክብን ክንርዳእ ዝሕግዝ እዩ። ሶምን ሕማማትን ትንሣኤን ክነብዕል ከሎና መጸዋዕታ ንተሓድሶን ንሓዲስ ርክብን እዩ። ከምቲ ሓዋርያት ቅጽበታዊ ለውጢ ዝገበሩን ንሕና እውን ሎሚ ነዚ ክቡር ብዓል ክነብዕል ከሎና ንቅጽበታዊ ለውጢ ንዕደም አሎና።

ትንሣኤ ክርስቶስ አብ ሕይወትና እንርእዮ ቀጻሊ ዕብየት ምልክት ምስ ዝተንሥኤ ኢየሱስ ዘሎና ርክብ እዩ ዝገልጽ። ተግባርና እምነትና ምግላጽ ምስባኽን ጥራሕ አይኮነን፥ እንታይ ድአ ነቲ እንአምኖ እንሰብኮን አብ ግብሪ ክነውዕሎ እዩ።

ስብከትን ምስክርነትን።

ሓዋርያት ድሕሪ ትንሣኤ ክርስቶስ ሓዲስ መንፈስን እምነትን ለቢሶም። ንመምህሮም ክሰብክዎን ነቲ እምነቶም ብግብሪ ክምስክሩን ንርእዮም። አብ ግ.ሓ. 1፡34~43 እንተረኤና ቅ.ጴጥሮስ ብዛዕባ ናቱ ተመክሮን ምስቶም ህዝቢ ዝገበሮ ተዋስኦን ይገልጽ። ሓቀኛ ተኸታሊ ክርስቶስ አብ ሕይወቱ ቅሩብን ዘይፍለ ርክብ አብ ተመክሮኡን አብ ስብከቱን አልኦ። ሓደ ክርስትያን በቲ ምስ ክርስቶስ ዘልኦ ቀጻሊ ርክብን ድልዱል ተምክሮን ልዑል አፍልጦ ናይ አብ መስቀል ዝሞት ክርስቶስ ሕጂ አብ መንበር ግራማ ዘሎ አብ ሕይወቱ ዝለዓለ ሓጎስ ይፈጥረሉ እሞ ነዚ ሓጎስ ምስ ካልኦት ክካፈሎ እሞ ናቶም ሓጎስ ክገብርዎ ክሕግዝ ሓላፍነቱ እዩ። ንሕና ሰበኸቲ ክርስቶስ ኢና። አብ መዓልታዊ ሕይወትና ክንሰብኮ ክንምስክሮ ሕሩያት ኢና።

ቅዱስ ጳውሎስ አብ ተመክሮ ሕይወቱ ባዕሉ አብ ቆላስያስ 3፡1~4 ዘሎ ወይ አብ 1ቆሮ 5፡6~8 ከመይ ኢሉ ካብ አሳዳዲ ናብ ሰባኺ ወንጌል ከም ዝተቐየረ ተመክሮኡ ይነግር። ተመክሮኡ ጭሪሹ ሕይወቱ ከም ዝቕይር ገርዎ። ነነገራት ብሓዲስ መልክዕ ክርእዮ ጀሚሩ ብፍላይ ኢየሱስ መን ምዃኑ ተልእኮኡን ክርኢ ጀሚሩ። ዝተረፈ ምሉእ ሕይወቱ ነቲ ብምሉእ ሓይሉ ንክርስትያን ከጥፍእ ዝጽዕሮ ዝነበረ አብ ስብከተ ወንጌል ከሕልፎ ጀሚሩ። ኩሎም አይሁድን ካልኦትን ንኢየሱስ ክፈልጡ ከፍቅሩ ክኽተሉን ክአምኑን ብኹሉ ዓቕሙ ጽዒሩ።

መቓብር ጥርሑ ጸኒሑ፡

አብ ወንጌል ኢየሱስ ዝተቐብረሉ መቓብር ጥርሑ ከም ዝጸንሐ ነንብብ፥ እዚ ኸአ ምልክት ትንሣኤኡ ኮይኑ። ማርያም መግደላዊት አብ መቓብር ምስ ከደት እቲ ዓቢ እምኒ ክትደፍኦ ቀሊል ዘይኮነ ተገብምጢሉ ረኺባቶ እሞ ነርድእቱ ክትነግሮም ከይዳ። ጴጥሮስን የውሓንስ ጎየም ከይዶም ምስ ረአዩ ተረዲእዎምን አሚኖምን። ወንጌል ከም ዝብሎ ክሳብ እዚአ ሰዓት ቅዱሳት መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ ካብ ሙታን ክትንስእ ምኻኑ ዝብልዉ ክርድእዎ አይከአሉን ነሮም። እቶም አብ መገዲ ኤማሁስ ዝኸዱ ዝነበሩ አርድእቲ እውን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ዝብልዎ ክርድኦም ከምዘይ ከአለ ክገልጽ ንርእዮ።

ትንሣኤ ክንብል ከሎና ናይ ሰውነት ኢየሱስ አብ መስቀል ዝሞተ ካብ ሞት ምትንሣእ ማለት አይኮነን። ኢየሱስ ከምዝተንሥኤ ዝረአዮ የለን ምኽንያት አብ ትንሥኤ ሓንቲ ነገር ዝርአ የለን። አብ መስቀል ምማት አብ ታሪኽ ዝተፈጸመ እዩ። ትንሣኤ ግን ናይ እምነት ጉዳይ እዩ። ዝተንሥኤ ኢየሱስ አብ ሓዲ ሕይወት እዩ አትዩ። ኩሎም ናይ ድሕሪ ትንሣኤ ጽሑፋት ከም ዝሕብርዎ እቶም ናይ ቀረባ አርድእቱ ከለልይዎ ከም ዘይከአሉ ኩሉ ጊዜ ሓዋርያቱ አብ ዘለውዎ አብኡ ከምዘሎ ነንብብ። እዚ ኸአ ሎሚ ንሱ አብ መንጎና ክህሉ ንሕና አርድእቱ አብ ዘሎናዮ ከምዘሎ ከረድአና እዩ። ንሕና ሰውነት ክርስቶስ ኢና ብኻልእ አዘራርባ ከም ማሕበር ክርስቶስ ነቲ ዝተንስኤ ሰውነት ክርስቶስ ሕያው ንገብሮ። እዚ እዩ እቲ ብዓይኒ ትንሣኤ ዝርኤ። ንሕና ደቂ ትንሣኤ ዘብልና ነቲ ዝተንሥኤ ክርስቶስ አብ መንጎና ከምዘሎ አሚና ንኻልእ ከምዝአምኑ ክንገብር ከሎና እዩ።

አብ ፍርቂ ናይ ሎሚ ወንጌል ነዚ ኢና እንርዳእ። ጵጥሮስን ዮውሓንስ ነቲ ዝረአይዎ ክነገሩ አብ ብጾቶም ከይዶም ማርያም መግደላዊት ሓጢአተኛ ሰበይቲ ዝነበረት ሕጂ ግን ናይ ብሓቂ እምንቲ ተኸታሊት አብ መቓብር ተሪፋ። ተሳፋ ቆሪጻ እናነብዔት እያ አብኡ ተሪፋ። እቲ እተፍቅሮ ምምህራ መይቱ ጥራሕ ዘይኮነ ሰውነቱ እውን አይረኸበቶን። አብ መቓብር ክልተ መላእኽቲ ርእያ (እዚ ኸአ ምላክት ህላዌ አምላኽ እዩ) ስለምታይ ትበኽዪ አሎኺ ኢሎም ሓቲቶማ። ንጎይታይ ወሲዶሞ ኢላ እና ተዛረበት ግልጽ እንተበለት ንኢየሱስ ርእያቶ እንተኾነ አየለለየቶን። እዚ አብ ድሕሪ ትንሣኤ ብተደጋጋሚ እንርእዮ ነገር እዩ። አየለልይዎን። ኢየሱስ ከም ማንም ሰብ ይመስል። ማርያም ሓላው አታኽልቲ መሲልዋ ንሱ ወሲድዎ እንተኾነ ክህባ ትሓቶ። ወንጌል የውሓንስ ኢየሱስ አብ ጀርዲን ከም ዝተቐብረ ይነግረና። ናይ አዳምን ሔዋንን ውድቀት አብ ጀርዲን እዩ ተፈጺሙ። ድሕነት አብ ጀርዲን ይጅምር።

ኢየሱስ ስማ ምስ ጸውዓ ተለልዮ። አብ ወንጌል የውሓንስ ብዛዕባ ሕያዋይ ጓሳ ክዛረብ እንከሎ “ንእኡ እቲ ሓላው አፍደገ ይኸፍተሉ፡ እተን አባግዕ እውን ድምፁ ይሰምዓ፥ ነተን አባግዕ ኸአ በብስመን ጸዊዑ የውፍረን። ንኹለን ነተን አባግዑ ምስ አውፈረን ድማ ቀቅድሚአን ይኸይድ፥ እተን አባጊዑውን ድምፁ ስለ ዘለልያ ይስዕባኦ ንጓና ግን ድምፁ ስለ ዘየለልያ ኻብኡ ይሃድማ እምበር አይስዕባኦን እየን፥” ዮሓ 1፡3~6 ይብል። ማርያም ድምፂ መምህራ ተለሊ። አብኡ ቀሪባ ኸእ ፍቕራ ትገልጸሉ። ካብአ ከይከይድ ትቐርቦ፥ እንተኾነ ንሳ ክኸይድ ክትሓድጎ አልአ ምኽንያቱ ንሳ ምስቲ ቅድሚ ትንሣኤ ዝነበረ ኢየሱስ እያ ዘላ። ዝተንሥኤ ኢየሱስ አብ ክብሪ አብኡ ክኸይድ አልኦ። ክምለስ እዩ ግን ብኻልእ መልክዕ። ካብ ሕጂ ንድሓር አብ መንጎ ኩሎም እቶም ናቱ ዝኾኑ ከም ሓደ ሰውነት አብ ሓደ ዝርከቡ አብ መንግኦም አሎ። አብ ቤተክርስትያንን ኩሎም አባላታን አብ መንግኦም አሎ።

ማርያም ነዚ ዝረአየቶ ነገራት ክተካፍል ጎያ ትኸይድ። “ንጎይታ ርእየዮ” ኢላቶም ነርድእቱ። ሰበይቲ እሞ ሓጢአተኛ ዝነበረት እያ እታ ንመጀምርታ ነዚ ዓቢ ብስራት ክትነግር ዝተዓደለት። እዚ እዩ ስብከተ ወንጌል ዝብሃል። ዓምዲ እምነታት ምምሓልላፍ አይኮነን ንዝረአኻዮ ንዝሰማዕካዮ ምክፋል እዩ። ንሕና ናይ ግልና ተመክሮን ልምምድን ክነካፍል አብ ሕይወትና አምላኽ ዘርአየናን ዝነገረናን ክነካፍል ግቡእና እዩ።

ሓደ ዓይነት ተልእኮ አሎና።

ትንሣኤ ክነብዕል ከሎና ሓደ ዓይነት ሓላፍነት የልብሰና ከም ጴጥሮስ ከም ማርያም መግደላዊት ከም ኩሎም ሓዋርያት ትንሥኤ ክርስቶስ ክነበስር። አብ 1ቆሮ 5፡ ከም እንረኽቦ ትንሣኤ ንፍጹም ተሓድሶን ተቐይሮን የዘኻኽረና። ነፍሲ ወከፍና ክነጽሕ የዘኻኽረና። አይሁድ አብ ፋሲክኦም ነቲ ዝበኹዐ እንገራ በቲ ዘይ በኹዐ ንእጌራ መታን ክትክእዎ ንኹሉ ይግሕፍዎ። እቲ መባኹዕቲ ነቲ ብኹዕ የሙቶ እዩ ስለዚ ዘይሞተ ሓዲስ እንጌራ ይበልኡ። ቅዱስ ጳውሎስ ነዚ ምስቲ ክርስትያናዊ ትንሣኤ አተሓሒዙ ሓደስቲ ፍጥረት ክንከውን ማለት ካብ ኩሉ ናይ ቀደም ሕይወትና ወጺእና አብ ክርስቶስ ሓዲስ ሕይወት ክንረክብ ይዕድመና።

ከምቲ ቀዳሞት አርድእቲ ኢየሱስ ነቲ ሰናይ ወረን ጸጋን አብ ሕይወቶም ጥራሕ ሒዘሞ ዘይተረፉ ነፍስወከፍና አብዚ ብዓል እንሳተፍ ዘሎና ነዚ ክነግር አብኡ ከም ዝሳተፉ ክንገብር። ነቲ አምላኽ ዝገበረልና ኩሉ ክንምስክሮን ክነግሮን ንሕተት አሎና። ንአምላኽ ረኸበዮ እሞ ንስኹም ከአ ርኸብዎ ብሃልቲ ክንከውን። ሓጎስ ትንሣኤ ክሎ ጊዜ ክንለብሶ። ንሎሚ ምዓልቲ ጥራሕ ዘይኮነ ኩሉ ጊዜ ትንሣኤ ክነብዕል።

ቅዱስ ጴጥሮስ ከም ዝብሎ ንሕና መሰኻኽር ኢና፥ ነቲ ኢየሱስ ዝሰበኾን ዘሕወዮን ከምኡ ማእሰርቱን ሞቱ ትንሣኤኡ ኩሉ እንምስክር ኢና። ድሕሪ ትንሣኤኡ ምስኡ በሊዕና ሰቲና እናበለ መስኪሩ። ንሕና አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ክንቀርብ ከሎና ነዚ ኢና እንገብር፥ ምስ ዝተንስኤ ኢየሱስ ንበልዕ ንሰቲ። እዚ ንሓዲስ ተልእኮ ይዕድመና ማለት ክርስትያናዊ ግቡእና ክንፍጽም ሰንበት ሰንበት ብምምጻእና ኩሉ ከም ዝፈጸምና ገርና ከይንሓስብ የዘኻኽረና። ተልእኮና ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝተዋህበና ጸጋ አለሊና ክንክእል።

ከም ሰባት መጠን ብምልኡ ምስ ክርስቶስ ዘራኽበና መገዲ ክንሕዝ። አብ ሓቂን ሕይወትን ዝኾነ ክርስቶስ ክንበጽሕ እሞ አብ ምሉእ ዕርቅን ንስሓን ምስ አምላኽን ሰብን ክንአቱ። እዚ ነጻነት ርትዒን ሰላምን አብ ዓለምናን ነቲ ሓደ መዓልቲ አብ ቅድሚ ፈጣሪና አምላኽ አቦ ሓቅን ፍቕርን ሓደ ዝገብረና ዕለት ከም እንሰናዶ ይገብረናን የልብሰናን።

ትንሣኤ ክንገር ክስበኸ አልኦ። ንሕና ኩልና ሰበኽቲ ኮና ክንወፍር ሕይወትና ርድኢትና ኩሉ ክንቅይር ይግብአና። አብ ስብከት ክንወፍር ክንቅየር አሎና። ንኢየሱስ አብ መቓብር ዘይኮነ አብ ርክብ ነፍሲ ወከፍና አብ ሓዳርና አብ አገልግሎትና አብ ዓለምና ክንረኽቦ አሎና። ንመምህር ርእየዮ ዝበለት ማርያም መግደላት ሎሚ ንሕና እውን ረኺበዮ ርእየዮ ክንብል እሞ ንኹሉ ክንቅይር።

ትርጉምን ጣዕምን ትንሥኤ ልእሊ ኹሉ ዘስተማቐረት ማርያም ሎሚ እውን ምስ ዝተንስኤ ወድኺ አራኽብና ንበላ። አብ ኩሉ ዝገጥመና ጸገምን ፈተናን ብዓወት ክንሓልፎ ሓግዝና ንበላ። ከምቲ ንስኺ ዝረአኽዮ ርእኒና ክንክእል ለምንልና ንበላ።

ንኹልኹም ርሑስ ብዓለ ትንሣኤ እብል።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.