2011-04-16 14:33:39

ኣስተንትኖ ፍኖተ መስቀል


ነቲ ዓመት ዓመት ኣብ ዕለተ ዓርቢ ስቅለት ብር.ሊ.ጳ ዝምራሕ ኣብ ከተማ ሮማ ከባቢ ኮሎሰዩም ዝካየድ ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ዘገልግል ኣስተንትኖ ወትሩ ኣቀዲሙ ዝሰናዶ ምዃኑ እንክዝከር ንናይ ሎምዘመን ዝኸውን ኣስተንትኖ እውን እናቴ ሪታ ፒቾነ ዝበሃላ ዝደረሶኦ ብፍሉይ ነቶም ኣብ መንጎና ዝርከቡ ጽጉማትን ድኹማትን እሞ ኸኣ ዝተዘንግዑ ፍሉይ ቆላሕታ ዝሓትት ብናይ ቫቲካን ክፍሊ ሕትመት ከምዝተሓተመ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና ኣመልኪቱ።

እናቴ ሪታ ኣብቲ ዝደረሳኦ ኣስተንትኖ፤ ጎይታ ነቲ ንሕና ክንሰግሮ ሃረር እንብሎ ዓቢይ ባሕሪ ናይ ዘመንና ንምስጋር ዘገልግል ዓቢይ ጉንዲ ኣቀሚጡልና፤ ክበድ ናይዚ ዘመንና ፍልይ ዝበለ ብምዃኑ ብዘይ መስቀል ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማንም ክሰግሮ ኣይክ እልን፤ ንዝብላ ቃላት ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብምጥቃስ ናይ ቀራንዮ ጉዕዞ ከምቲ ኣብ ሕይወትና ዘጋጥመና ፈታኒ ግዜ ኢዩ፤ ኣብ ግዜ ፈተና እቲ ብዝተፈላለየ ጉልባብ ዝቀርብ ሠራዊት ሓሶት ኣብ ልዕሊ ሓቂ ከሽካዕልልን ክስሕቅን እንከሎ ግዝያዊ ዓወት ዓመጽ ንገርህነትን ሕያውነትን ክዕፍኖ እንከሎ፤ ባዶሽ ኣተሓሳስብን እንታይ ዝግደይ ሕይወትን ንንቅሓተ ሕልናን ንልብን ኣጐልቢቡ ንናኣሽቱን ድኹማትን ክዕምጽ እንከሎ እዚ ኢዩ ናይ ዘመንና ፍኖተ መስቀል፤ ክርስቶስ ኣብ ቀራንዮ እንክሳቀ ፈተና ኣጋጢምዎ፤ ነቲ ዝመጽእ ጽዋእ ሥቃይን መከራን ምስ ረኣየ ካብታ ሰዓት እቲኣ ህደም ዝብል ፈተና የሳቅዮ፤ ኣብቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ናይ ፍኖተ መስቀል እን ዕዘቦ ኩነት ንባዕሉ ጲላጦስ ብዛዕባ መንነቱን ብዛዕባ ሓቅን እንክሓቶ ወላ እንተመለሸሉ እውን ጸማም ሓንቲ ደርፉ ኮይኑ ጸጸኒሑ ናብ ሕዝበ ኣይሁድ እናኣቀልቀሎ ዝኸውን እናፈለጠ እንታይ ክገብሮ ቢሉ እንክሓትት እሞ ኣብ መጨረሻ እቲ ስቀሎ ስቀሎ ዝብል ድምጺ እንክትግበር ብሓቂ ዘሕዝን ኢዩ፤ እዚ ኩሉ ሎሚ እውን እንተኾነ ይፍጸም ኣሎ፤ ሕልናና ነቲ ዝኸውንን ሕቅን እናነገረና ብናይ ደገ ዋጭዋጭን ዕብለላን ተጐቢእና ክንገብሮን ክንኮኖን ዝግብኣና ገዲፍና ብውሕጅ ናይ ዘመንና ሓጢኣት ተገፊዕና ንጐዓዝ ኣሎና፤ ነዚ ከኣ ኢዩ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ደገ ኣይትውጻእ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተመለስ እቲ ሓቂ ኣብቲ ኣብ ውሽጥኻ ዝርከብ ሰብ ኢዩ ዘሎ፤ ዝብል’ እንክብላ ኩሉ ኣብ ልብና ከምዘሎ ኮይኑ ግን ኣብዚ ዘመንና ልብና ብናኣሽቱ ነገራት ከምዝደናገር ይሕብራ።

እናቴ ሪታ ኣስተንትኖአን ብምቅጻል እቲ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ እንዕዘቦ ኩነት ልቢ ደቂ ሰባት ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብዝብል ትምኒት ዓዊሩ ነቲ መንፈሳውን ሥጋውን ሓገዝ ንክሓትት ናባኡ ንዝዝርጋሕ ኢድ ድኻን ሓጋዚ ዘይብሉን ዝኸምኡ ወዲ ሰብ ክርእዮ ኣይከኣለን ዘሎ፤ ሠለስተ ግዜ ምውዳቅ ናይ ኢየሱስከስ ዘስተምህረና ነገር ኣለዎ፤ ኣብቲ ቀዳማይ ምውዳቁ ዓቅሚ ሰብ ድሩት ምዃኑን መለኮታዊ ኃይሊ ከምዘድልን፤ ኣብ ካልኣይ ምውዳቁ ኣብ ምሽካም መስቀል ትዕግሥትን ጽንዓትን ከምዘድሊ፤ እዚ መስቀል እዚ ከኣ ኣብ ናይ ትማልን ሎምን ቤተ ክርስትያን ዝወርድ ዘሎ ስደት፤ እዚ ስደት እዚ ከኣ ነቶም ንጽልኢ ብፍቅሪ ንዓመጽ ብትሕትና ዝቅበሉ ክርስትያን ብስም ንፍቅሪ ጋሻ ዝኾነ ኣምላኽ ይቀትል ኣሎ፤ ሳልሳይ ምውዳቅ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክሳብ መጨረሻ ጸኒዕና ኣብ ግዜ ፈተና ምስ ክርስቶስ ክንከውን ይዕድመና።

ኣብ ሻምናይ ምዕራፍ ኢየሱስ ምስ ናይ ኢየሩሳሌም ኣንስቲ ኣብ ዝተራኸበሉ ግዜ ዝበሎ ንነፍስ ወከፍና ምእንቲ ሓጢኣትና ክንበኪ፤ እምነት ብምጉዳልና ተጻይ እምነትና ሃረር ብዝበልናዮ ክሕደትናን ሽፍትነትና ብምዝካር ክንልወጥ ክንሕደስ ብዕንጸይቲ መስቀሉ ክቀብኣና ክንልምን የዘኻኽረና፤ እታ ናይ መጨረሻ ምዕራፍ ናብቲ ክቅበር ዝውሰድ ኢየሱስ ክንቀርብ ብጉዕዞ ዘይኮነ ብእምነት ብስጉምቲ ኣካል ዘይኮነ ብነጻ ውሳኔ ልብና ንቅረቦ’ እንክብላ ንዘሎና ግዜን ክበዱን ዘዘኻር ኣስተንትኖ ቀሪበን ኣለዋ።

እዚ ኣስተንትኖ እዚ ንዚመጽእ ዓርቢ ኣብቲ ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ዝመርሕዎ ኣብ ኮለሰዩም ሮማ ዝፍጸም ጸሎተ ፍኖተ መስቀል ከም መሪሕ ኣስተንትኖ ኪቀርብ ኢዩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.