2011-04-16 13:39:59

ብፁዕ ኣቡነ ቨሊዮ፦ ማህበራውን ባህላውን ሥነ ምምሃርን ክቡር ዋጋ


ናይ ዓለማውያን ምእመናን ሓዋርያዊ ሓልዮት ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ ብምኽንያት ካልኣይ ዓለም ሕቆፍ መዓልቲ ምርኢት ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ወዲ ሰብ ዕለታዊ ተደጋጋሚ ዝመልስ ናብራኡ ከየሰልክዮ ኣካላውን ምሕዞእውን ብቕዓቱን ክእለቱን ንምንቕቓሕ ሓናጺ መዘናግዒ፣ ሰብኣዊነት RealAudioMP3 ባህርይ ዘበራብር ጥበብን ብልሃትን ትርጉም ጽባቔን ዝገልጽን ከምዝኾነን ቤተ ክርስትያን ማኅበራውን ባህላውን ሥነ ምምሃርን ክቡር ዋጋ ከምዘለዎ ኣፍልጦ ብምሃብ ጥበብ ምዃኑ ከምእተኣምነሉን ሓቢሮም፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት በዛ ዕለት ምኽንያት ኣብ 36 ሃገራት 70 ዝተፈላለዩ መደባት ምርኢት ከምዝቐረቡን ዘኪሮም ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1993 ዓ.ም. ኣብ ገጽ እቶም ብዝተፈላለዩ ሽግራት ተዋሒጦም ሕዙን ገጽ ኣብ ዘርእዮ ሕፃናት ፍሽኽታን ሰሓቅን ክበራበር ዝገብሩ ናይ ሥነ ጥበብን ምርኢት ደረስትን ተዋሰእትን ብቕዓት ንኢዶም፣ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባት ምቅርራብ ክህሉ ዘተባብዕ ጥበብ እውን ምዃኑ ገሊጾም፣ ነዚ ዓይነት ክእለት ዘለዎም ሰባት ከምዝነኣዱ ብጹዕ ኣቡነ ቨሊዮ ዘኪሮም፣ እዛ ካልኣይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ምርኢት ናይቶም ሥነ ጥበበይናታት ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ክኽበር ቤተ ክርስትያን ንመንግሥታት ሓደራ ከምእትብል እውን ጠቒሶም፣ እዚ ጥበብ’ዚ ተፈላጥነት ረኺቡ ብመደብ ሕንጸት መሠረት ክሰፍሕ ብምትብባዕ ነቶም ኣብ ናይ ምርኢት መደባት ዝቐርቡ እንስሳታት እውን ግቡእ ክንክን ክግበረሎምን ኣብ መንጎ ሰብን እንስሳን ሰብን ተፈጥሮን ዘሎ ርክብ ኣብ መዝማዝን ተመዝማዝን ዝብል ጉጉይ ኣመለኻኽታ ዝተመሥረተ ከይከውን ሓደራ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.