2011-04-16 13:38:29

ሽግራት ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቅንዕናን ኣኽብሮትን ብዝዓሰሎ ዘተ ጥራሕ ኢዩ ክፍታሕ ዝኽእል


ኣብ 2007 ዓ.ም. ብድላይን ውሳኔን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝተመዘ ብዛዕባ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝሓሊ ድርገት፣ ናይታ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ሕይወትን ዓበይትን ኣገደስትን ሕቶታት ኣማእኪሉ ካብ ዕለት 11 ሚያዝያ ክሳብ ዕለት 13 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ዘካየዶ ምሉእ ሓፈሻዊ 00:05:20:90 ጉባኤ ኣብ ኅልው ባህላውን ማሕበራውን ኩነታት ቻይና ወንጌል ክሰረጽ ዝድግፍ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘጓንፎ ብድሆታት ኣተኲይሩ ከምእተመያየጠ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ይሕብር።
ኣብዚ ጉባኤ’ዚ ብዛዕባ ናይ ቻይና ጉዳይ ፈላጣትን እዚ ጉዳይ ብቐጥታ ዝምልከቶም ናይ ጳጳሳዊ ቤት ምኽርታትን ቅዱሳት ማኅበራትን ላዕለዎት እካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳት ከምኡ እውን ናይ ቻይና ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርን ናይ ገዳማውያንን መፍነሳውያን ማኅበራት ወከልቲ እውን ከምእተሳተፉን፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜና ክፍሊ ማኅተም ሓላፍን ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳርን ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም፣ ኣብ ቻይና ኣትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ካብ ዘይቤተ ክርስትያናዊ ደጋዊ ሥልጣን ዘጓንፋ ተጽዕኖን በዚ መሠረት ኣብ ውሽጣ ዝፍጸሙ ካብ ሕጊ ወጻኢ ውሳኔታት ብዙሕ ሽግራት ይስዕበብ ከምዘሎን እዚ ድማ ነታ ቤተ ክርስትያን መጻኢ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ኃዋሁ ክፈጥር ከምዝኽእል ጠቒሶም፣ እንተኾነ ግን ምእመናን ቻይና ኅያው እምነቶም ዓቲሮም ነዚ ዅሉ ሽግር ብዘተ ክፍታሕ ዝብል ድላዮም ከምዘይጥፍኡ ገሊጾም።
ኣባ ሎምባርዲ ቀጺሎም፣ ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ኣዋርሕ ካቶሊክ ምእመናን ቻይና ዓበይቲ ግድላት ከምዘጋጠሞን እዚ ድማ መንግሥቲ እታ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሱ መርሕነት ኣብ ልዕሊ’ታ ቤተ ክርስትያን ከቕውምን ብናቱ ድላይ መታን ክትምራሕ ቢሉ ብናቱ ውሳኔ መሠረት ዝተፈጸመ ኣዚዩ ሓደገይና ዘይሕጋዊ ስሜተ ጵጵስናን ዝቖመ ብሔራዊ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ካቶሊካውያን ምእመናን ቻይና ፍጻሜታቱ ኣብ ማኅበረ ክርስትያን ቻይና ውጥረትን ምድንጋራትን የስዕብ ስለ ዘሎ በዚ መሠረት ቅድስቲ መንበር ቤተ ክርስትያን ባህርያን ተልእኾኣን መሠረት ገይራ ክትነብር ዘኽእላ ነጻነታ ክኽበር ዘተሓሳስብ ጽኑዕ መርገጺአ ከምዘሰምዔት ኣመልኪቶም፣ እዚ ብዛዕባ እታ ኣብ ቻይና እትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝግደስ ብድላይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝተመዘ ድርገት ኣብ ዝሓለፉ ማዕልትታት ኣብ ቫቲካን ኣብ ዘካየዶ ምሉእ ሓፈሻዊ ጉባኤ እብዚ እዋን ቅልውላው ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ቻይናን ምእመናን ቻይናን ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ዘብቕዖምን ካብቲ ኣጓኒፉ ዘሎ ቅልውላው ንኽላቐቝ ዝድግፎም ወግዓዊ መወከሲ ሓሳባት ከምዝቕረበን፣ እዚ ድማ ቅድም ቀዳድም እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ብዓይኒ ትምህርተ ሃይማኖትን ዓንቀጸ ሃይማኖት ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ክግምገምን በዚ መሠረት ድማ ነቲ ኣብ ቻይና ኣብ ቸንግደ ዝተፈጸመ ሓደገይና ዘሕጋዊ ስሜተ ጵጵስናን በዚ መሠረት ዝፍጽሞ ጳጳሳዊ ኣገልግሎት እውን ብጥልቂ ተነጺሩ ክግለጽን፣ ድሕሪ እዚ ስዒቡ ንመንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣዝዞን ተኣማንነትን ብምርግጋጽ ነቲ ኣብ ማኅበረሰብ ክርስትያን ዝተፈጥረ ዕንቃፋት ብርእየት ኩላዊት ቤተ ክርስትያን፣ ዝኾነ ይዅን መንግሥቲ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ጸቕጥን ብሥልጣን መንግሥቲ ክትምራሕን ክትውሰንን ዝፍጽሞ ግብረ እደ ኣታውነት ፍጹም ተቐባልነት ከምዘይብሉ ዘነጽር ኢዩ። ሕጂ እውን ኣብ ቻይና ብዙሓት ሰበኻታት ሊቀ ጳጳሳት ዘይብለን ብምዃነን መንግሥቲ ነዚ ተጠቂሙ ኣብተን ሰበኻታት ብድላዩን ብስገዳድን ብዘይ ሥምረት መንበረ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓደገይና ዘይሕጋዊ ስሜተ ጵጵስና ክፍጽም ከምዝኽእልን እዚ ድማ ዘስዕቦ ሓደጋ ዓቢ ምዃኑ ገሊጾም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ድርገት፣ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ 2007 ዓ.ም. ነታ ኣብ ቻይና ኣትርከብ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘመሓላለፍዋ መልእኽቲ ተወኪሱ፣ ነታ ቤተ ክርስትያን ቅኑዕ ብዝኾነ መንፈስ ቅርበቱ ብምግላጽ፣ ሓድነት ቤተ ክርስትያን ዝተባብዕ ኣብ መንፈሳዊ ተመኩሮ ዝተመሥረተ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሽግርን ስቓይን ዚርዳእ ኮይኑ ሕገ ቀኖና ክኽበር ከምዘለዎን ከምኡ ኣውን ካህናትን ደናግልን ገዳማውያንን ነቶም ናይ ቻይና ካቶሊክ ምእመን ብቑዕ ኣገልግሎት ከቕርቡ ዘኽእሎምን ማዕረ እቲ ኅልው ኩነታት ዝበርኽ ብቑዕ መንፈሳውን ሰብኣውን ሕንጸት ክረኽቡ ብምትሕስሳብ ሓቀይና ቅርበቱ ከምዘረጋገጸ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም።
ኣብ መወዳእታ ዕለት ጥቅምቲ ኢጣሊያ ዝተወልዱ ዕለት 11 ግንቦት 1610 ኣብ ሻንጋይ ዝዓረፉ ኣባ ማተዮ ሪቺ ቀዳማይ ተማሃራዮም ዝነበረ ፖል ዙ ጉዋንግኪ ክርስትና ብቓልን ብሕይወትን እናነበሩ ዝሃብዎ ኅያው ኣብነት መሠረት ናይ ሻንጋይ ሰበኻ ብጽእና ንኽእወጀሎም ዘብቕዕ ከይዲ ብወግዒ ንምጅማር ዘቐረበቶ ሕቶ፣ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ፍቓድ ከምዝሃበትሉ ድማ ኣባ ሎምባርዲ ገሊጾም እዚ ድማ ንቤተ ክርስትያንን ንቻይናን ዓቢ ሓጎስ ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.