2011-04-14 14:49:20

ጃፓን፣ ርእደ መሬት


ትማሊ ኣብ ከባቢ ሰሜናዊ ምስራቅ ጃፓን ማእከላዊ መንቀሊኡ ደጋዊ ከባቢ ፉኪሺማ ከምዝኾነ ዝንገረሉ 5.8 ደረጃ ሬኽተር ዝተዓቀነ ርእደ መሬት ከምእተኸስተ እንክንገር፣ ቅድም ክብል በቲ RealAudioMP3 ዕለት 11 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ተከሲቱ ብዝነበረ ቀዳማይ ርእደ መሬትን ርእደ ምድሪ ባሕርን ፉኩሺማ ኣዚያ ዝተጠቕዔት ከተማ ከምዝኾነትን ብፍላይ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ናይ ኑክሊየር መጻረዪ ትካል ከቢድ መጉዳእቲ ከምዝወረዶን እንክዝከር፣ 13 ሺሕ ሕዝቢ ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘጓነፎምን ካልኦት 14 ሺሕ ዝግመቱ ድማ ገና ሃለዋትም ከምዘይተፈልጠ ኢዩ ዝንገር።

በቲ ቅድም ክብል ብዝተኸስተ ርእደ መሬትን ርእደ ምድሪ ባሕርን ኣዚዩ ዝተጎድኤ ናይ ፉኩሺማ ናይ ኑክሊየር መጻረዪ ትካል ንደገ ዝተፍኦ ጸርጊ ደረጃኡ ክብ እናበለ ይኸይድ ከዝመሎ እንክንገር፣ መንግሥቲ ጃፓን ናይቲ ጸርጊ ሓደገይናነቱ ክሳብ ክንደይ ኣስጋኢ ምዃኑ ዘቕርቦ ጽብጻብ ሚዛናዊ ደረጃኡ ካብ 5 ናብ 7 ክብ ከምዝበለ እንክሕበር፣ ዓለም ሓቆፍ ናይ ኑክሊየር ጸዓት ተቆጻጻሪ ማኅበር ኣብቲ ከባቢ መጠነ ጸርጊ አቶም ኣዚዩ ልዑሉ ምዃኑን ነቲ ኣብ ልዕሊ ናይ ፉኩሺማ ናይ ኑክሊየር መጻረይ ማእከል ዘጓነፈ ሓደጋ ምስቲ ቅድሚ 25 ሓሙሽተን ዓመት ኣብ 1986 ዓ.ም. ኣብ ትካል ናይ ኑክሊየር ጸዓት ቸርኖቢይል ዝጋጠመ ሓደጋ ዝመጣጠን ክኸውን ከምዝኽእል ዘለዎ ሥግኣት ገሃድ ከምዝገበረ ተሓቢሩ።

ቸርኖቢይልን ፉኩሺማን ብምንጽጻር ናይ ኢጣሊያ ናይ ሕክምና ሥነ ኑክሊየር ማኅበር ምኽትል ሊቀ መንበር ኣብ ቅዱስ ልቢ ናይ ካቶሊክ መንበረ ጥበብ መምህር ፕሮፈሰር ማሲሞ ሳልቫቶሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ብርእደ መሬትን ርእድ ምድሪ ባሕርን ምኽንያት ኣብ ልዕሊ ናይ ፉኩሺማ ናይ ኑክሊየር ጸዓት ዝወረደ ሓደጋን እዚ ናይ ኑክሊየር ትካል ንደገ ዝተፍኦ ዘሎ ናይ ኣቶም ጸርጊ ደረጃኡን ሓደገይናነቱን ዘመልክት ዝቐርብ ዘሎ ዓቐን ደረጃ መምዘኒ ዝተደናገረ ኢዩ ዝመስል፣ ስለዚህ እቲ ጸርጊ ኣቶም ኣብ ከባብን ሕይወት ሰብን ዘስዕቦ መጉዳእቲ ዘተሓሳስብ ኢዩ። እንተኾነ ግን ኣብ ከባብን ሕይወት ሰብን ዘስዕቦ መጉዳእቲ ካብቲ ናይ ቸርኖቢይል ዝተፈለየ ከምዝኸውን ሓቢሮም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.