2011-04-14 14:47:00

ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ትምህርተ ክርስቶስ ንመንሰያት


ብሓልዮት ኩላዊት ቤተ ክርስትያን በቢ ዓመቱ ዝካየድ መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መሠረት ለብዘበን ካብ ዕለት 12 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ብውሳኔ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ክካይተድ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ተገሊጹ ከምዝነበረ እንክዝከር፣ እነሆ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ RealAudioMP3 ቤተ ክርስትያን መሠረት ዝገበረ ብፍላይ ንናይ ማድሪድ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሚቱ ዝተዳለው መደግፍታ ሰነድ ትምህረተ ክርስቶስ ትማሊ ኣብ ቫቲካን ናይ ዜና ክፍሊ ማኅተም ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ወግዓዊ መግለጺ ተዋሂቡሉ ንንባብ ከምዝበቕዔ ተሓቢሩ።

እዚ ዩካት ብዝብል ኣርእስቲ ዝልለ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዘተኮረ ትምህርተ ክርስቶስ መሠረት ኣብ ዝተውሃበ ጋዜጣዊ መግለጺ ናይ ዓለማውያን ምእመናን ጉዳይ ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ርይልኮን ናይ ቬየና ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ክሪስቶፍ ሾንቦርን ብዛዕባ ዳግመ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝሓሊ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሪኖ ፊሲኬላ ከምእተሳተፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጽ የመልክት።

እዚ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መሠረት ንናይ ማድሪድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሚቱ ዝተዳለው መደግፍታ ሰነድ ትምህረተ ክርስቶስ ናይ መንሰያት እምነት መባራትዒ ተባሂሉ ዝተደርሰን 527 ሕቶታትን መልስታቶምን ዘጠቓለለ ብናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ሓፈሻዊ ሽድሽተ ቋንቋታት ድሮ ተተርጒይሙ ንንባብ ከምዝቐረበን ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ሓቢሮም፣ እዚ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መሠረት ንናይ ማድሪድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሚቱ ዝተዳለው መደግፍታ ሰነድ ትምህረተ ክርስቶስ ነቲ ዋና መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዝትክእ ማለት ኣይኮነን፣ ዝለዚህ ናብዚ ዋና መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዘሰንይ ኢዩ ኢሎም።

እዚ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መሠረት ንናይ ማድሪድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሚቱ ዝተዳለው መደግፍታ ሰነድ ትምህረተ ክርስቶስ መንሰያት እምነት ውልቃዊ መንፈሳዊ ኣስተንፍሶ ወይ ድማ ሃይማኖታዊ ስምዒትን ሥነ ሓሳባውን ዘይኮነስ ሓቂ ናብ ምፍላጥ ዝመርሕ ኣገባብ ኢዩ። ምስ ሓደ ክውን ኩነት ዘራኽብን እዚ ድማ ምስ ሓደ ኅያው ሰብ ማለት ምስ ጎይታና ኢየሱስ ክርስትቶ ንምርኻብ ዝድግፍ መዝገብ ኢዩ ኢሎም።

እዚ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መሠረት ንናይ ማድሪድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሚቱ ዝተዳለው መደግፍታ ሰነድ ትምህረተ ክርስቶስ፣ ምልስ ቢልካ እዚ ውሳኔ ገና ከም ሓሳብ ክውልደ እንከሎን ሊሚ ንንባብ በቒዑ ክትርእዮ ዘሕጉስ ኢዩ። ናይ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ድላይ ዝነቐሎ ከምዝኾነ እውን ብፁዕ ካርዲናል ርይልኮ ሓቢሮም ካብ መጀመርታ ክሳብ ፍጻሜ ድማ ብቐረብ ብምክትታል መሪሕ ቃልን ሥልጣናዊ ትምህርቲ ብምቕራብ ዘበራትዕዎ መደብ እውን ከምዝኾነን ገሊጾም ናይዚ መዝገብ መእተዊ ብቕድስነቶም ዝተደርሰ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ዳግማይ አስፍሆተ ወንጌል ዘነቓቕሕ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ሪኖ ፊሲኬላ ብወገኖም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ እዚ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መሠረት ገይሩ ንናይ ማድሪድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሚቱ ዝተዳለው መደግፍታ ሰነድ ትምህረተ ክርስቶስ ነቲ ብዝተፈላለዩ ባህልታት ዝተገማምዔን ሓባራዊ መርገጺ ስኢኑ ተደናጊሩ ዝጓዓዝን በቲ እዋናዊ ዝተፈናጨለ ባህልታት ምኽንያት ብዛዕባ ሕይወት ሥሙር ርእየት ከይህልዎ ዝድረኽ ዘሎ ንናይ መንሰይ ወለዶ ሕይወት ዝድግፍ ኢዩ። እምነት ብተራ ቋንቋን በቲ መንእሰይ ክርድኦ ብዝኽእል ዓይነት ኣጠቓቕማ ቃላት መሠረት ዝቐረበን ኣብ ዝኾነ ይዅን እዋን ኣብ እምነት ዝድግፍን እምነት ዘነጽርን መዝገብ ምዃኑ ከምዘመልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይዚ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን መሠረት ዝገበረ ብፍላይ ንናይ ማድሪድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ኣሚቱ ዝተዳለው መደግፍታ ሰነድ ትምህረተ ክርስቶስ ዝመርሑ ናይ ቪየና ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ሾንቦርን ብወገኖም ካብ ጋዜጠይናታት ንዝቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፣ እዚ ንመንእሰያት ዘተኮረ ትምህርተ ክርስቶስ ንምስንዳው ዝተገብረ ጻዕሪ ብናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ዓንቀጸ ሃይማኖት ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር መርሕነት ዝተፈጸመን ብኣባላት ናይዚ ቅዱስ ማኅበር ሊቃውንቲ ዝተጸንዐን ኢዩ። ነዚ መዝገብ ንምስንዳው ኣብ ዝተኻየዱ መደባት ሓምሳ መሰያት ከምእተሳተፉን ኣብ ናይ መፈጸምታ መደብ ድማ ካብቶም ሓምሳ ክልተ ከምእተሳተፉ ሓቢሮም ክብል ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ነዚ ካብ ዕለት 16 ነሓሰ ክሳብ ዕለት 21 ነሓሰ 2011 ዓ.ም. ኣብ ማድሪድ ናይ ዝካየድ መበል 26 ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ዝተኮሩ ዝተፈላለዩ ዓውደ መጽናዕትታት ይካየዱ ከምዘለዉ እንክንገር፣ ኣብ እዋን እቲ ዓቢይ በዓል መንሰያት ዝተፈላለዩ 300 ናይ ባህሊ መደባት ክካይዱ ምዃኖም ናይቲ ናይ ማድሪድ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ናይ ባህሊ ጉዳይ ኣመሓዳሪት ካርላ ዴዝ ደ ሪቨራ ሓቢረን ብዛዕባ እቶም ኣቦ መንሰያት ተባሂሎም ዝዝክሩ ዓቢይ ወዲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝመጽእ ዕለት ሓደ ግንቦት 2011 ዓ.ም. ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብፅእና እትእውጀሎም ር.ሊ.ጳ. ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘማእከለ ባህላዊ መደብ ዘጠቓለለ ምዃኑ ከምዘመልከታ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.