2011-04-13 15:28:07

ሱባኤ ምቅርራብ ንብዓለ ትንሣኤ 2003 ዓ.ም.


ንባብ፦ ሉቃስ 23፡ 26~50

ትርጉም ሱባኤ፡

ንብዓለ ፋሲካ ዝግባእ ሕይወት ሒዝና ክንጸንሕ ምእንቲ ፍሉይ ሱባኤ ንአቱ አሎና ናይ ብሓቂ ዕዉት ውሳኔ ክንብሎ ንኽእል ከም ሰባት መጠን ንዝኾነ ነገር ክንሰናዶ ግቡእ እኳ እንተኾነ ናይ ሎሚ ፍሉይ እዩ። ብዓለ ትንሥኤ አብ እምነትና ጳውሎስ ሓዋርያ ከም ዝብሎ ክርስቶስ ዘይተንሥኤ እንተኾይኑ እምነትና ብላሽ እዩ፥ ስብከትና እውን ከንቱ እዩ ይብል። ጳውሎስ ልዕሊ ኹሉ ዝምስክሮን ዘተማቐሮን እንተ አልይዎ ትንሣኤ ክርስቶስ እዩ። ነዚ ሰረት ገርና ንብዓለ ትንሣኤ ብዓቢ አኽብሮትን ምስንዳውን ክንቅረበሉ ይግብአና።

ቤተክርስትያን ካብ መጀመርታ ምስጢር ትንሣኤ ስለ ዘለለየት ብፍሉይ ምስንዳው ክብዓል ወሲና። ኩሎም ንኡሰ ክርስትያን ድሕሪ ነውሕ ምስንዳው አብ መዓልቲ ትንሣኤ ይጥመቑ ይቅብኡ ሥጋኡን ደሙን ይቕበሉ ነዞም ሰለስተ ፈለምቲ ምስጢራት ብሓደ ይቕበሉ። ኩሎም አመንቲ ንትሣኤ ብዓቢ ምስንዳው ይቕረቡ ካብቲ ብዙሕ ዝግበር ጾም የዘውትሩ፥ ጸሎት ይገብሩ፥ ምጽዋት ይህቡ፥ ብኡስ ይዓርቁ፥ ንእሱራት ይበጸሑ፥ ንሕሙማት ይሕግዙ ንሕዙናት የጸናንዑ፥ ንጥሙያት ይዕንግሉ፥ ብግሎም ፍሉይ ተጋድሎ ይገብሩ ንአብነት ካብቲ ዘለዎም ሕማቕ ዝንበሌ ይቑጠቡ መስተ ዝርጋን ሕርቃን ሓመታ፥ አብ ገሊኡ ኸአ ብሃገር ደረጃ ጾም ይኽበር ንአብነት አብ ጊዜ ሃይለስላሴ አብ ኢትዮጵያ አብ ረድዮ ደርፊ ይድረፍ አይነበረን፥ ከምቲ አብ ኢዮኤል ነበይ ዘሎ “ አብ እምባ ጽዮን መለኸት ንፍሑ ጾም አውጁ፥ አኸባ ጸውዑ ሕዝቢ አክቡ፥ ቅዱስ ጉባኤ ከምዘሎ ንገሩ አረገውቲ አክቡ ቆልዑ ጡብ ዚጠብዉ አክቡ፥ መርዓዊ ካብ ቤቱ ይውጻእ መርዓት ከአ ካብ አብሎአ ወይ ሕልፍኝአ ትውጻእ” (2፡15~16) ዝበሎ ቤተክርስትያን ነዚ አብ እዋናት ጾም አርብዓ ክተዘውትሮ ርከብ። ከምቲ ተልእኮ ክርስቶስ ኩሉ አብ ኢየሩሳሌም ገጹ ዘተኩር ዝነበረ ቤተክርስትያን እምነትናን ሕይወትናን መቐት ክርስቶስ ከስትማቕር አብ ትንሣኤ ገጹ ከተኩር ትነግረና። ነዚ አብ ግምት ገርና ሎሚ ከም ህዝብን አባላት ኩላዊት ቤተክርስትያን ነፍስና ክንሕድስ ቅድስና ክንለብስ ምእንቲ ነዚ ጊዜ ጸሎት ወሲና አሎና።

ግዚኡ ምስ አምላኽ ሓደ ክንከውን ኩልንትናና አብ አምላኽ ዝቐረበ ኾይኑ ጣዕሚ ድሕነት ክነስተማቕር ብፍሉይ ዝሕግዘና እዋን እዩ። ነዚ ሕሩይ ጊዜ ክንጥቀመሉ ነፍስወከፍና ጽዉዓት ኢና። “እግዚአብሔር እምብአርሲ ሕጂ እውን ብጾምን ብብኽያትን ብቑዘማን ብምሉእ ልብኹም ናባይ ተመለሱ ክዳንኩም ዘይኮነስ ልብኹም ድአ ቅደዱ እናበለ (ኢዮኤል 2፡12~13)አገባብ ምስንዳውና ንብዓለ ትንሣኤ ክለብሶ ዘለዎ መልክዕ ይሕብረና።

ትርጉም ሕማምን ስቕለት ንሞትን ክርስቶስ አብ ወንጌል ሉቃስ፡

ምስጢር ትንሣኤ ክንርዳእ ትርጉምን እንትያነት መስቀል ክርስቶስ ክንፈልጥ ግቡእ እዩ። ወንጌላውያን ኩሎም ሕማምትን ስቕለትን ሞት ክርስቶስ ይነግሩና። ንሎሚ ንምቅርራባን ክሕግዘና ወንጌል ሉቃስ ምዕ 23 መሰረት አስተንትኖና ገርና ክንክተል።

ሉቃስ ጉዕዞ ሕማማት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ስእሊ ገሩ እዩ ዘቕርበልና። ሉቃስ ክዘንቱ እንከሎ ንኹሉ አብ ኢየሩሳሌም ገጹ አተኲሩ እዩ ዝገልጾ ማለት ንኢየሩሳሌም ገጹ ክኸይድ እንከሎ ከምዚ ገበረ ከምዚ በል እናበለ ኢየሩሳሌም ማእከል ወንጌሉ ይገብራ። እዚ ክሳብ ትንሣኤ እዩ ድሕሪ ትንሣኤ ኩሉ ካብ ኢየሩሳሌም ይብገስ ከብ ኢየሩሳሌም ጀሚሮም ንወንጌል ናብ ኩሉ ዓለም የብጽሕዎ። ኢየሩሳሌም ማእከል ስቕለትን መበቆል ስብከትን እያ። ነዚ መሰረት ገርና ክንርእዮ ከሎና ሉቃስ ዓሚቕ ትምህርቲ ይህበና። አብዚአ ምዕራፍ ዳርጋ እቲ ቅንዲ አብዚ ዓለም ዘምጽኦ እትገልጽ እያ ክንብል ንኽእል። ኢየሱስ ንኢየሩሳሌም ክአቱ እንከሎ ተልእኮኡ አብ ምዝዛም ከምዘሎ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ነቶም ናቱ ዘበሉ ዓቢ ምስንዳው ገርሎም ቅዱስ ቁርባን ሰሪዕሎም፥ አእጋሮም ብምሕጻብ ትሕትናን አገልግሎትን ምሂርዎም፥ እዚ ኹሉ ገርሎም እንከሎ ኩሉ ጊዜ ፈተና ክሕደት ከም ዝጓነፎም አነጺሩ ነጊርዎም፥ አብ መጨረሽታ አብ ጌተሰማኒ ነቲ ኹሉ ክወርዶ ዘለዎ ስቓይን ውርደትን ፍቓድካ ይኹን እናበለ ምእንቲ ኩልና ንመስዋዕቲ እሺ ኢሉ ተቐቢሉ። ኩሉ ምስ ፈጸመ ብሓደ ካብቶም ዝኽተልዎ ዝነበሩ አሕሊፉ ስለ ዘውሃቦ ተታሒዙ ንስቓይ ንውርደት ንስቕለት ንሞት ብገዛእ ፍቓዱ አትይዎ ከም ዝበሎ አብተን መጨረሽታ ሰዓታት እቶም ንሰለስተ ዓመት ዝተኸተልዎ ከይተረፉ ኩሎም ብዘይ ዮውሓንስን አዲኡን ገለ አንስትን ንሶም እውን ብማዕዶ ሓዲገሞ ሃዲሞም ጴጥሮስ እቲ ምእንታኻ ክስየፍ እናበለ ዝዛረብ ዝነበረ ሰለስተ ጊዜ አይፈልጦን ኢሉ ክሒድዎ። መራሕቲ ሃይማኖትን ህዝብን አብ መጋበእያ አእትዮም የላግጹሉ ነሮም። መራሕቲ ሃገር ብምልኦም አዋሪዶም ካብ ሓደ ናብ ሓደ እናሰደዱ አዋሪዶሞ፥ አብ መጨረሽታ ንሞት ፈሪዶሞ።

ኢየሱስ ንጉዕዞ ቀራንዮ ብብዙሕ ህዝቢ ተዓጂቡ እዩ ከይድዎ እቲ ዝኽተሎ ዝነበረ ህዝቢ መብዝሕትኡ ንአኽብሮት አይኮነን ከዋርድዎ ከላግጹሉ እዮም ምስኡ ዝጉዓዙ ዝነበሩ። ሰባት አብ ሓደ ነገር ምስ ዝሰምሩ ብፍላይ ክፉእ ክገብሩ ግዝያዊ ጸልማት ይጉልብቦም እዩ። ነቲ ዝርእይዎ ዝነበሩ ነቲ አብ ማእከሎም ዝገብሮ ዝነበረ ተአምራታ ንኹሉ ክሒደሞ። ህዝቢ ክዕውር እንከሎ ናይ ብሓቂ ዝግበር ጌጋ ጎዳኢ እዩ። አብ ሓቂ ክትመልሶ እውን ከቢድ እዩ። ሕርቃን ጽልኢ ሓሶት ቀንዲ መጋበሪ ኮይነን ይርአያ። እዚ ግን ግዝያዊ እዩ እቲ ሓቂ ንግዚኡ ይኽወል ድሓር ግን ብዝተኾልዕ ብርሃን ይጅምር። እዚ እዩ ድሕሪ ሞት ኢየሱስ ዝተራእየ።

ንሞት ዝተፈርደ ሰብ እሞ ክስቀል ክኸይድ እንከሎ ክትርኢ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንኹልና ከቢድ እዩ፥ አብ ዓድና አብ ጊዜ መግዛእቲ አብ 1985 አብ ግላስ ዝተባህለ ዓዲ ሓደ እዋን ዘስካሕክሕ ሞት ተራእዩ። ሓደ ወተሃደር ኢትዮጵያ ብላይቲ ናብ ሓንቲ ስድራ ንአሽቱ መርዓውቲ ክልተ ቆልዑት ዝነበሮም ካሕካሕ አቢሉ። እዋኑ ጊዜ ፍርሒ መብዝሕትኡ ክፍሊ ሃገርና ዝተሓረረሉ እዩ። ባርካ ንጻ ወጺኡ ሓጋዝ መጨረሽታ ከተማ ኢትዮጵያ እትቆጻጸራ እያ ነራ። አብዚ እዋን ወተሃደራት ብለይቲ ይትረፍ ብቐትሪ እውን ብጣዕሚ እዮም ዘፍርሑ፥ እዚ ወተሃደር ምስ ኳሕኩሐ ሰበይቲ መን ኢኻ እናበለት ትምልሰሉ ምኽንያቱ በቲ እዋን ነሰብኡት ይገፍዎም ይአስርዎም ስለ ዝነበሩ። አንቺ ውጪ ነዪ እናበለ ተዛረባ ሽዑ ወዮ ሰብአያ ንሰበይቱ ደልዩ ከም ዝመጸ ፈሊጡ እንታይ ደሊኻ እዚ ገዛ ሓደር እዩ ኢልዎ ወዮ ወተሃደር ሰይጣን ዓሲልዎ ስለ ዝነበረ ምስ ሰብአይ ክብአስ ጀሚሩ አብዚ እዋን ወያ መርዓት መሊቓ ክትሃድም ምስ ፈተነት ተኩሱ ቀቲልዋ ሃዲሙ ከይዱ፥ ድሕሪ ክልተ ሶምን ተታሒዙ አብ ቅድሚ ህዝቢ ክፍረድ እቲ ጀነራል አዚዙ ሽዑ ንህዝቢ ናይ እቲ ከባቢ ብምልኦም አኪቡ አብ ቅድሚኦም ክቕተል ፈሪድዎ እቲ ወተሃደር መጀመርያ ጊድጓዱ ክኹዕት አዚዝዎ ክሳብ ዝኹዕት ኩሉ ህዝቢ ደው ኢሉ ክጽበ ተአዚዙ ሽዑ እና ረአይዎ አብቲ ዝኾዓቶ ጉድጓድ በጥ ክብል አዚዞሞ ሽዑ ብጥይት ሰብ እናረአዮ ቀጢሎሞ። ናይ ብሓቂ ጨካን ሞት ኩሉ ጊዜ እቲአ ዕለት ክዝክር እንከሎኹ ናይ ብሓቂ ልበይ ይትንከፍ። ሰብ ንሰብ ዝቐትል ልቡ ካብ አምላኽ ምስ አወጽአ ጥራሕ እዩ ቃኤል ንሓዉ አቤል ቀቲልዎ፥ አብ ብዙሓት ክቃተሉ እንተ ረኤና ፍቕሪ አምላኽ ካብ ልቦም ከውጽኡ ከለዉ ንቅትለት ይፍጽሙ። ሰብ አይኮነ እንስሳ እውን ክመውት እንከሎ የሳቕየና እንተኾነ መድኃኒና ጎ.ኢ.ክ እዚ ዓይነት ሞት እዩ ማይቱ። ንሞት ክጉዓዝ እንከሎ ብዙሓት ይስዕብዎ ነሮም ገለ ዘላግጹን ሞቱ ክርእዩ ዝምነዩን ገለ ኸአ በቲ ዝተጓነፎ ይሓዝኑን ይበኽዩን ነሮም። ነትን ዝበኽያሉ ዝነበራ አንስቲ ምእንቲ ርእስኽንን ደቅኽንን ብኸያ እምበር ምእንታይስ አይትብከያ እነበለ ዝብከዮን ዝሕዘኖን ምን ምዃኑ ገሊጽለን።

መንዩ ዝበከዮ?

እቲ ካብ አምላኽ ርሒቑ እንከሎ ሞት እትመጽኦ፥ እቶም አብ ጽልኢ ቅርሕንቲ እንከለዉ ፀሓይ እትዓርቦም፥ እቶም ንመጸዋዕታ አምላኽን ቤተኽርስትያንን አብዮም አብ ጸልማት ዓለም ክነብሩ ዝመርጹ እዚኦም እዮም ዝብከዮም። ኢየሱስ ሕያዋያን ገባር ጽቡቕን ስለ ዝነበረ በቲ ዝገብረሎም ዝነበረ እሞ ብሓሶት ብግፍዒ ይስቀል ስለ ዝነበረ ሕያዎት አንስቲ በኸየናሉ፥ ነቲ ዝገብሮ ዝነበረ ሰናይ ዘኪረን። ኢየሱስ ግን እዚ ዝጉዓዞ ዝነበረ ጉዕዞ ሞት ንትንሣኤ ገጹ ስለዝኾነ ብኽያት አየድልዮን እዩ ይብለን። ሎሚ ነፍሲ ወከፍና አብ ልብና አቲና ካብ አምላኽ አርሒቑና ዘሎ ነገራት ክንጸርግ ንዕደም አሎና። ብኽፍአትና ክንበኪ ናይ ጣዕሳ ንብዓት ክነፍስስ እሞ አብ ስቓያት ክርስቶስ ተሳቲፍና ምስኡ ክንትንሥእ።

አብ ጉዕዞ ቀራንዮ ክልተ ከተርቲ ክስቀሉ ምስኡ ይጉዕዙ ነሮም። ክልቲኦም አብ ቅትለት ሰብን አብ ዓቢ ዓምጽን ተዋፊሮም ዝነበሩ ብግብሮም ንሞት ዝተፈርዱ እዮም። ክልቲኦም ንሞቶም በቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ተቐቢሎሞ እዮም። አምላኽ ክሳብ መጨረሽታ ሕይወትና ብኽፍአትና ክንጥዓስ እሞ አብ ሰማይ ክንአቱ ድላዩ እዩ። ነዞም ክልተ ከተርቲ ዓቢ ዕድል አጋጢምዎም አምላኽ ምስኦም ክስቀል ንሞት ተፈሪዱ። አብ መአዲ ሞት እንከለዉ አምላኽ ቀሪብዎም ንሰማይ ዝወስድ መገዲ አብዛ መጨረሽታ ሰዓት እውን ተዋሂብዎም እንትኾነ እቲ ብጸጋም ዝነበረ ነዚ ክርእዮ አይከአለን ከም ዓለሙ ንኢየሱስ ከላግጸሉን ከዋርዶን ተሰሚዑ። ሰብ ልቡ ምስ ዓጸወ ክንደይ ሕሱም እዩ ንምሕረት አምላኽ አብ ድነ ሞት እንከሎ እውን ክርኢ ዕድል አይ ሃበን። ንሞት እናእተዋ እንከሎ አብ ክፍአቱን ሓጢአቱን ጸኒዑ። እቲ ብየማን ዝነበረ ግን ዓይኑ ቋሕ አቢሉ ብዓይኒ ምሕረት ክርኤ ንኢየሱስ ለሚንዎ አብ መንግስትኻ ተዘከረኒ እናበለ ንምሕረት ኢየሱስ ለሚኑ። ኢየሱስ አብታ ስዓት ምስኡ አብ ሰማይ ከም ዝአቱ አረጋጊጽሉ። ወዮ ሰራቒ ዝነበረ ንመንግስተ ሰማይ እውን አብ መስቀል እናሞተ እንከሎ ሰሪቕዋ። ምሉእ ሕይወቱ ካብ መገዲ አምላኽ ርሒቑ ዝነበረ አብ መወዳእታ ምሓረኒ ሕደገለይ ንስኻ አምላኽ መድኃንየይ ኢኻ ኢሉ ተአሚኑ ምሕረት ስለ ዝለመነ ወዲ ሰማይ ኮይኑ።

ኩልና አብ መዓልታዊ ሕይወትና አብ ትሕቲ ጽላል አምላኽ ክነብር ድላይ አምላኽ እዩ። እንተኾነ ባህርና ከቢድ ስለ ዝኾነ ተጸጊምና እንነብር ብዙሓት ኢና። ዓለም አሸኒፉና ንአምላኽ ጊዜ ከሊእናዮ አብ ጎድና ዓለም እንምርሽ ውሑዳት አይኮናን። እዚ ቅዱስ እዋን ጾም አብ ግብርና አብ ሕይወትና ጻህያይ ክንወፍር እንዕደመሉ እዋን እዩ። ልብና ብኽፍአትን ጽልእን ቅርሕንትን ሳዕሪሩ ስለ ዘሎ ሎሚ ክንጽህይዮ እሞ እቲ ሓቀኛ ቡቕሊ አምላኽ ጥራሕ ክበቑሎ ንተዓጠቕ። ተስፋ ከይቆረጽና ከምዚ ፈያትያ ዘየማን ንመንግስተ ሰማይ ዝሰራቓ ንሕና እውን ንመገዲ አምላኽ ሎሚ ክንምለሶ እሞ ናይ ሓቂ አመንትን ተኸተልትን ክርስቶስ ክንከውን ይግብአና። አምላኽ ብዝተፈላለየ መገዲ ትእምርቲ ይህበና አለሊ ክንክእል ናታትና ግደ እዩ። ንዝግለጸካ አለሊኻ ምኽአል ካብዞም ክልተ ዓመጽቲ ሓደ ከለሊ ክኢሉ እቲ ሓደ ግን አይከአለን ንሕና እውን ከምኡ እንኾነሉ ጊዜ ውሑድ አይኮነን።

አብ መስቀል ምስ ሰቐልዎ ንክዳውንቱ ዕጫ አውዲቖም ተማቐልዎ ይብለና ሉቃስ። ኢየሱስ ከአ ኦ አቦይ ዝገብርዎ አይፈልጡን እዮም እሞ እቕረበለሎም ኢሉ ምእንቲ እቶም ዝሰቕልዎን ዝቐትልዎን ዝነበሩ ጸለየ ይብለና። አብዚ ሉቃስ አብ ባሕሪ መንፈስ አምላኽ አቲና ክነስተንትን ይደልየና። ዕራቑ ገሮም ክዳኑ ዕጫ ከውድቑሉ ከለዉ አብ መዝ. 22፡18 መሰረት ገርና ክንርእዮ ከሎና ክንርድኦ ንኽእል። አብ ባህሊ ሮማውያን ነቶም ብስቕለት ዝሞቱ ክዳውንቶም ነቶም ዓቀይቲ እዩ ዝውሃብ ነሩ። ወንጌል ግን ጽሑፋት ምእንቲ ክፍጸሙ ዝኾነ እዩ ይብለና (ዮሓ 19፡24)። ቀሚሽ ኢየሱስ ብምልእታ እልምቲ ነራ ይብል እዚ ኸአ በቲ እዋን ልቃነ ካህንት ዝኽደነዎ ዝነበሩ እዩ። ዮሓንስ ወንጌላዊ ኢየሱስ ሊቃ ካህን ምዃኑ ክገልጽ ዝብሎ እዩ ይብለና። አበው አብዚ ከስተንትኑ ከለዉ እዚ ናይ ኢየሱስ ቀሚሽ ዘይፈላለ ምዃኑ ክገልጹ እንከለዉ ሓድነት ቤተክርስትያን ክርስቶስን እዩ ዘመልክት እዩ ይብሉ። ናይ ክርስቶስ ክህነትን ናይ ተኸተልቱ ክህነትን ክልተ ዘይፈላለ ምኻኑ ዘመልክት እዩ ይብሉ።

አብ መስቀል እንከሎ ዝገብርዎ አይፈልጡን እዮም እሞ ምሓሮም ኢሉ ጸልዩ። ነቶም ንሞት ዝፈረድዎ ነቶም ጸላእቱ ምሕረት ክረኽቡ ለሚንሎም። ጸሎት ምሃረና ምስ በልዎ አብቲ ዝመሃሮም ጸሎት “ንሕና ንዝበደሉና ከም ዝኃደግናሎም በደልና ሕደገልና” ኢሉ ምሂርዎም ዝነበረ ሕጂ ብግብሪ አርእይዎም። ንዝበደለካ ምምሓር ሓዲስ ሕጊ እዩ ቀደም ንዝበደላካ ከምታ ዝበደለካ ፍደዮ እዩ ዝብል ክርስቶስ ግን ንዝበደለካ ምሓር ንዝጸረፈካ መርቕ ይብለና። አብ ግብሪ ክንርእዮ ከሎና እዚ ንኹልና ይኸብደና እዩ። ዝኾነ ዓይነት በደል አብ ልዕለና ንዝፈጸመ ክንሓድገሉ ክንዕረቖ ትእዛዝ መድኃኒና እዩ ምኽሪ አይኮነን። ናይ ምሕረትና መለክዒ ምስቲ ምስ ከማና ዝበሉ እንገብሮ ምሕረት እዩ ዝምዘን። ብዙሓት በዚአስ አይትምጽአኒ ንብል ንሰባት ካብ ልብና ምስ አውደቕናዮም ተመሊስና ክንዛረቦም ክንዕረቖም ሕመቕ ዝተሰዓርና ኮይኑ ይስምዓና እንተኾነ መስቀል ዘስተምህሮ ንሓውና ሓፍትና አብ ዝተሰዓርናሉ ኢና እንኸስቦም። ብቋንቋ መስቀል ንክፍአት ሰባት አብ ምሕረት ክንቅይሮ እሞ ብቋንቋ ምሕረት ልቦም ክንመልስ እዩ ዝነግረና። ልብ ሰብ ገለ እዋን ተሪር እዩ ካብ ክምሕር ክቕየም ይሰልጦ ካብ ክሃንጽ ከፍርስ ይሰልጦ ነዚ ድኹም ጠባይና ክንስዕሮ እንተኾና አብ መስቀል ዝተመሃርናዮ እንተ ሰማዕና ጥራሕ እዩ። መስቀል ኲኖ ሞት ዘሎ ብርሃን ክንርኢ ይሕግዘና። ብዙሓት ቅዱሳትን ሰማዕታተን ዝነገሩና እዚ እዩ።

ጸማእኩ፡

ኢየሱስ ድሕሪ ኹሉ ውርደትን መግረፍትን ከቢድ መስቀል ጸሩ ንጎቦ ቀራንዮ ድሕሪ ምድያቡ አብኡ ምስ ሰቐልዎ በቲ ብርቱዕ ጸሓይ ቀትርን አብ መስቀል ክልተ አእዳዉን አእጋሩን ተሸንኪሩ እንከሎ ጸማእኩ በለ (ዮሓ 19፡28)። እቶም ጨካናት ሰቐልቱ አብዚ እውን ክርሕርሑ አይከአሉን መጺጽ ወይኒ ሃብዎ እንተኾነ ጥዒሙ አበዮም። ነዚ አብ መዝ. 69፡21 አብ መብልዐይ ሓሞት ገበሩ ምስ ጸማእኩውን መጺጽ አስተዩኒ” ንዝብል የስምዕ። ኢየሱስ ጸማእኩ ክብል እንከሎ ብዝያዳ ዝጸምኦ ንነፍሳትና እዩ። ጽምአት ኢየሱስ ነቲ ናይ ሰማያዊ አብኡ ፍቓድ ኩለን ነፍሳት ክድሕና ዝደልዮ እዩ። ጽምአቱ ንአና እዩ፥ ንፍቕርና፥ ንነፍሳትናን ንኹሉ ነቶም ብመገዲ መስቀል ናብኡ እነመጽእ እዩ። ሎሚ እውን ኢየሱስ ናይ ነፍስ ወከፍና ጽምአት አልኦ። ኩልና አብ ቤቱን አብ መገዱን ተመሊስና እሙናት ደቁ ኮና ክንጉዓዝ። ድኅነት አሕዋትና ክንጸምእ አፍደገ ሰማይ ከይንዓጽወሎም ክንጥንቀቕ ንስሓ ክንአቱ ይዕድመና። ናይ ሓደ ዝዓለወ ወገና ጥፍአት ከሕዝነና አለዎ እሞ ንድሕነቶም ክንወፍር። ዓለምና ሰይጣን መሊኽዋ ሰብ ተጨኻኺኑ ንመገዲ ድሕነት ንጎኒ ሓዲጉ አብ ዳንከራ አድሂቡ መለለይኡ ግርማ ፍጡር ዝሓደጎ ኮይኑ ይነብር ንርኢ አሎና። ጽልኢ ባእሲ ውግእን ወረ ውግእን ቀንዲ ሕይወትና ኮይኑ ንርኢ አሎና። መንእሰይ ዓለሙ ጸቢባቶ ንዓሣ ጥራሕ ዝተፈጥረ ባሕሪ መቓብሮም ገሮም ንርእን ንሰምዕን አሎና። ተልፎን Long distance እንተ ተደወለና ሕጅኸ እንታይ ክሰምዕ ኢልና እንስከፍ ውሑዳት አይኮናን፥ ክርእዩና ክበጽሑና ንዝመጹ እንታይ ክትነግሩኒ እንብል ውሑዳት አይኮናን። እዚ ኹሉ መንፈስ አምላኽ ምስ ረሓቕና ዝወረደና እዩ። አብ ከምዚ ጸልማት ንዝነብሩ እዩ ኢየሱስ ጸሚኤ ዝብል ዘሎ። ሎሚ ንፍቕሪ ጸሚኤ ንሰላም ጸሚኤ ንዕርቂ ጸሚኤ እናበልና አብቲ ምንጪ ማይ ሕይወት ዝኾነ አምላኽና ንመለስ።

ሕይወትና ጉዕዞ እዩ ተወሊድና ንሞት ገጽና ንጉዓዝ ምዓልቱ ምስአኸለ ከአ ኩልና ክንመውት ኢና። እቲ ዝድለ ዘሎ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ንመስቀል ዘኪርና መሪሕ ሕይወትና ክንገብሮ። መስቀል ዘይመርሖ ህይወት ተስፋ ትንሣኤ የብሉን። ክንትንስእ እንተኾና ምስ ኢየሱስ ክንሓምም ክንስቀል ክንመውት አሎና። ሎሚ ካብ እንነብሮ ሕይወት ንአምላኽ ዘሕጉስ ክንለብስ ማሕደር መንፈስ ቅዱስ ዝኾነ ልብና አምላኽ ጥራሕ ክብሕቶ እሞ ክንቅደስ ፍቓደኛታት ክንከውን እዩ ዝድለ ዘሎ።

አብ ዘዳግም 30፡15~20 ሙሴ ንህዝቢ ሓዲኡ ምረጹ ንአምላኽ ወይ ነዞም ባዕልኹም እትገብርዎም አማልኽቲ ይብሎም። ንእግዚአብሔር እንተ ሰማዕኩም ሕይወት ዕብየት ቡራኬ ክትረኽቡ ኢኹም እንተ ዘይሰማዕኩም ግን ሞት ጥፍአት ክትረኽቡ ኢኹም ዝብል ነንብብ። ሎሚ ንሕና እውን ቤተክርስትያን ሓዲኡ ክንመርጽ ትደልየና አላ ላንጋ ላንጋ ዝኾነ ጉዕዞ ክርስትና አብቂዑ ዝተሓደስ ክርስትና ክንለብስ። ሎሚ ንቤተክርስትያን አጸጊሞማ ዘለዉ ስማዊ ክርስትና ሒዞም ዝጉዓዙ ሕይወቶምን ግብሮምን ግን ካብ ድላይን መንገድን አምላኽ ዝርሓቑ እዮም። ጾም ካብዚ ከምዚ ዝአመሰለ ሰንኮፍ እምነት አብ ድልዱል እምነት ክንአቱ ይሕግዘና። ነዚ ክንገብር ገለ እዋን እቲ መስቀል ክብድ ክብል እዩ ሓግዘና ክንብል ይግባእ። ንተስፋ ትንሣኤ ብማዕዶ እና ረኤና ንክርስቶስን ቤተክርስትያኑን ክንሰምዕ እዋኑ እዩ።

ጾም ንርእስና ከም አብ መስትያት ክንርኢ ዝሕግዘና መንፈሳዊ መጋበሪ እዩ፥ አብ ገለ እምነታት ስለምንታይ ካልእ መጋበሪ ሃዘውዘው ንብል አብ ክርስቶስ ብቐጥታ ዘይንኸይድ ዝብሉ አለዉ እዚ ግን ንአምላኽ ጸገም አይኮነን አነን ንስኻትኩምን ግን ብስጋን ብነፍስን ዝቖምና ኢና ኩሉ ጊዜ መንጎኛ ሓጋዚ የድልየና አብ ክርስቶስ ዘብጽሓና ሰናይ ግብርን ስንቅን የድልየና ንሥጋና ክንመልኮ ልጓም ክንገብረሉ ይግብአና። ስለዚ ጾም ተጋድሎ ትብዓት ሓቂ ለቢስና እምነትና ክነብሮ ይግባእ።

አማናይ ምዃን ጥራሕ፦ እኹል አይኮነን ብዙሓት ቤተክርስትያን ዝመላለሱ አለዉ እንተኾነ ንክርስትያናዊ ሕይወት ዘይለብሱ አለዉ ነዚኦም ከረድእ ኢሉ ኢሳያስ ነቢይ አብ 59፡1~9 ዘሎ እንተ ረኤና ነቶም ብስምዒት ዝኸዱ ልቦም ዘይቅየር ብግዳም ግን ጥዑያት ዝመስሉ ይገንሖም። ካብ ጥልላት ተኸልኪልካ ገጽ ምጽምላው እኹል አይኮነን ዕለት ዕለት ንድላይ አምላኽ ክንፍጽም ጽን ክንብል አሎና። ንአምላኽ ዘሐጉሶ ውሽጣዊ ጾም እዩ። ንጭቁናት ነጻ ምውጻእ ንጥሙያት ምምጋብ፥ መዕቆቢ ንዝሰአኑ መዕቆቢ ምሃብ ንዕሩቓት ምኽዳን። አሞጽ ነቢ እውን አምልኾ ብዘይ ርትዒ ትርጉም የብሉን ይብለና (አሞጽ 5፡18~27)።

እግዚአብሔር ክንቀርቦ ሕይወትና ክንቅይር አብ ምድሪ ከሎና ዕርቡን ሰማይ ሒዝና ክንክእል ይደሊ አሎ። አብ ግላዊ ሕይወትና ንርኤ ከመለኹ እስከ ንበል ካብ አምላኽን ካብ ከማይ ዝአመሰል ሰብ ዝፈልየኒ እንታይ ነገር አሎኒ ኢልና ሕልናና ንርኤ ንመርምር ሽዑ አብ መንበረ ኑዛዜ ክንጎዪ ኢና። ሕልናና ክንርኢ ስለ ዘይከአልና ወይ እናረአና አርክበሉ እናበልና ከመይ ገረ አብ አባ ኩስቶ ክናዘዝ ይፈልጡኒ እንድዮም እንታይ ክብሉኒ ገለ እዋን ከአ ጸልማት ጎልቢብና ንጉዓዝ ነዚ ዓዘቕቲ ክንወጽኦ እዩ ናይ ሎሚ ሱባኤና። ብርቱዕ ውሒዝ ክትሳገር ከቢድ እዩ ገለ ዕዉታት ተሳጊሮም አብ ማዕዶ ምስረአኻዮም አነስ ክሰግራዶ ኾን እየ ትብል ሽዑ ባዕልኻ እንተ ኸአልካ ጽቡቕ አይኮነ ከአ አሳግሩኒ ትብል። ሎሚ እንሕተቶ ዘሎና ካብዚ ዘሎናዮ ሕይወት አብ ደምበ አምላኽ ክንሳገር እንተኾነ ባዕልና ብንስሓና ብግብርና ንሳገር አይኮነ ከአ ንዝሕግዙና ክንሳገር ፍቓደኛታት ንኹን።

ትርጉም መስቀል ካብ ማርያም ንመሃሮ፡

ቅዱስ ዮውሓንስ ብዛዕባ ሞት ኢየሱስ አብ መስቀል ከዘንትወልና እንከሎ አብ ጥቓ መስቀል ማርያምን እቲ ዘፍቅሮ ረድኡን ካልኦት ካብ ገሊላ ዝሰዓብኦ አንስቲ ከም ዝነበራ ይነግረና። ማርያም ነቲ ዝስዋእ ወዳ ባዕላ ትስውኦ ነራ። መስዋዕቲ ወዳ ንድሕነት ኩሉ ሰብ ከም ዝኾነ ትፈልጥ ነራ እያ። ሞት ወዳ ሓዘን አይኮነን አምጺኡላ ዓወት ድኅነት እዩ አምጺኡ። ሞቱ ንአምላኽን ሰብን ዝዓርቕ ምዃኑ ትፈልጥ ነራ እያ በዚ ኸአ እያ ምስኡ ንጎቦ ቀራንዮ ምስ ወዳ ዝደየበቶ። ማርያም አብ ሕይወት ወዳ ካብ ምጅማር ካሳብ ሞቱ አይተፈልየቶን ንሳ ናቱ ንሱ ንታ እዮም። ኢየሱስ አብ መስቀል እንከሎ ነዲኡ እንሆ ወድኺ ንረድኡኸአ እንሃ አደኻ ኢልዎ። አብ መስቀል ደቂ ማርያምን አህዋት ኢየሱስን ኮና። አብ መስቀል አደ እትመርሕ እተጸናንዕ አብ አምላኽ እተቕርብ ተዋሂባትና። የውሓንስ ንማርያም አብ ገዝኡ ወሰዳ ይብለና ወንጌል አብ ሕይወቱ አእትይዋ ናቱ ገርዋ ንሕና ሎሚ ነዚ ክንገብር ከሎና ደቂ ማርያም ንኹን።

አደ ዘላቶ አይዝኽትምን እዩ አደ ጽላል አካቢት ሰታሪት ኩሉ እያ። አብ እምነትና ተራ ማርያም እዚ እዩ። አደ ዘይትፈልጦ ጉድ ገዛ ዳርጋ የለን አቦ እዩ ብዙሕ ዝኽወሎ እምበር አደስ ኩሉ እያ እትፈልጥ። ውሉድ ዝኾነ ከቢድ ጸገም ክጓነፎም እንከሎ መጀመርታ እትንገር አደ እያ። ንኹሉ ብዓይኒ ፍቕርን ርሕራሔ ስለ እትርእዮ አደ ክትቀርባ ክትዛረባ ይፈኽሰካ። ነቦና ክትዛረበልና ንልምና ወልእኳ ባዕላኻ ባዕልኺ በሎ ብልዮ እንተ ተበሃልና ናይ ወላዲትና ሓገዝስ ኩሉ ጊዜ የድልየና እዩ። በዛ አብ ድነሞት እንከሎ ብለዋ ዝሃባና አደና ማርያም ብልብና እንተ ቐረብናያ ሓጋዚ እዩ ባህሪኣ። ካብ ማርያም ዝኽወል ሕይወት የብልና ፥ማርያም ዘይትፈልጦ ነገር የለን። ስተርና ምስ ወድኺ ዕረቕና ክንብላ እዋናት ሕማማት ጥዑም ጊዜ እዩ። ናይ ማርያም መንጎኝነት አየድልን ብቐጥጣ ዘይንኸይድ ናብቲ አቦ ምሕረት ዝብሉ አለዉ እዚ ግን መደብ አምላኽ አይኮነን ብማርያም ገሩ እዩ መጺኡና ብአአ ክንከዶ እኳድአ ንአና ዝሓሸን ዝቐለለን እዩ። ብማርያም ናብ ኢየሱ ንቕረብ።

ማርያም ሓደ ውዕሊ እያ እትአቱ ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ትብለና። ቅ. ጴጥሮስ ሓደ መዓልቲ አብ ሰማይ ምስ ኢየሱስ ኮርዩ ይብሃል መኸረይኡ ኸአ መፍትሕ መንግስተ ሰማይ ንአይ ሂብካ ክተብቅዕ ኩሉ አነ ዝኸፈትክሉ አብ መግስተሰማይ ይእቶ ኢልካኒ እንተኾነ አብዚ ግን አነ ዘይከፈትክሎም አብዚ ሰማይ አትዮም እርኢ አሎኹ ሓደ ጊዜ ከይከውን ከአ ብተደጋጋሚ ዝፍጸም እዩ ስለዚ እንካ መፍትሕካ ኢልዎ ይብሃል። ኢየሱስ አይፋልካን ጴጥሮስ መን እዩ ከምዚ ዝገብር ዘሎ ኢልዎ ነዚ ኹሉ እትገብር አደኻ እያ ኢልዎ ይብሃል። ማርያም ትሕቲ አምላኽ እታ ዝለዓለ ክብረ ዝተቐበለት እያ። እሞ ሎሚ ንአይ ንአኹም ንኹልና ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ትብለና አላ። ወዳ ዝብለና ከአ ተፋቐሩ ሕገይ አኽብሩ ጽልኢ ቂምታ ክፍአት ካባኹም አርህቑ እዩ ዝብለና እሞ ኦ ማርያም ወድኺ ዝደልዮ ክንገብር ሓግዝና አብ ዝደኸምናሉ እዋን አበራትዕና ንበላ።

ምእንታና አብ ዕጸ መስቀል ዝሞትካ መድኃኒና ኢየሱስ ሎሚ እውን በቲ ቅዱስ ደምካ ሓጢአትና ሓጺብካ ንሰይጣን ስዒርና ደቅኻ እንኾነሉ ጸጋ ዓድለና ንኹሉ ብኽያትናን አውያትናን አብ ሓጎስ ቀይሮ ንበሎ። ነዚ ንምግባር የብቅዓና።

ብሩኽ ትንሣኤ ንኹልና።








All the contents on this site are copyrighted ©.