2011-04-11 10:04:15

ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍቲ ቫቲካን


መበቆል ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍቲ ቫቲካን ኣብ መንጎ ናይ ሥነ ሰብኣውነትን ሥነ ተሓድሶን ባህሊ ዘመን ዘርእስቱ ናይ ቫቲካን ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍቲ ኣበጋግሳኡን ኣመሰራርታኡን ዝትንትን ብፕፎፈሰር ኣንቶኒዮ ማንፍረዲ ዝተሰናደው ቀዳማይ ተኽታታሊ መጽሓፍ ትማሊ ንንባብ ከምዝበቕዔ ተሓቢሩ።

ንናይ ምዕራብ ባህልን መንነትን ዓሚዩቕ መለልይን ነቲ መለለዩ ቅርጺ ኣብ ናይ ምሃብ ከይዲ ሕንጸት እውን ዓቢይ ግደ ዘለዎ ቤተ ክርስትያንን ባህልን ዘጣመረ ሓቀይና ታሪኽ ዝገልጽን ዝትንትንን ብርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኒኮሎ ሓምሻይ ኣብ መፋርቕ 1400 ዓ.ም. ዝተመሥረተን ዓቢይ ታሪኽ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍቲ ዝገልጽ ቀዳማይ ተኸታታሊ መጽሓፍ ምዃኑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።

እዚ ቐዳማይ ናይ ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍቲ ቫቲካን ካብ ኣመሠራርታኡን ክሳብ ር.ሊ.ጳ. ክለመንተ ሻብዓይን ዘሎ ታርኽ ዘጠቓለለ ክኸውን እንከሎ፣ ብሓፈሻኡ ካብ 1400 ን ክሳብ 1500 እዚ ድማ ካብ ርኽበት ናይ ሥነ ሰብኣውነት ባህልን ክሳብ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ ኅዳሴ ኣስተዋጽዖ ዘጠቓለለ ምዃኑ ናይቲ መጽሓፍ ዋና ኣሰናዳኢ ፕሮፈሶር ኣንቶኒዮ ማንፍረዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እንክሕብሩ ናይቲ መጽሓፍ መእተዊ ዝደረሱ ናይ ቫቲካን ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍቲ ኣመሓዳሪ ብፁዕ ካርዲናል ራፋኤለ ፋሪና ብወገኖም እዚ ናይ ቫቲካን ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍቲ ኣመሰራርታኡን ታሪኹን ዝገልጽ መጽሓፍ ንተመራመርትን ንናይ ታሪኽ ሊቃውንትን ብዛዕባ ናይቲ ካብ ክልተ ሚሊዮን መጻሕፍትን ብራናታትን ናይ ቅዱስ ቶማስን ናይ ፈላስፋ ፐትራርካን ናይ ካልኦት ሊቃውንትን ቅዱሳትን ብኢድ ዝተጻሕፉ ጥራዝን ዝተቐመጠሉ ኣዚዮም ጥንታውያንን ቀዳሞትን መጻሕፍቲ ተባሂሎም ዝንገረሎም ክሳብ እዚ ሎሚ ብግቡእ ተዓቂቦም ናይ ዝተቐመጠሉ ናይ ቫቲካን ሓዋርያዊ ቤተ መጻሕፍቲ ታሪኽ ንኽፈልጡ ዝደልዩ ሰባት ዝጠቅም ኢዩ ቢሎም፣ እዚ መጽሓፍ ብተኸታታሊ እናተሓትመ ዝቐርብ ምዃኑ ሓቢሮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.