2011-04-07 14:42:46

ፍቕርን ምሕረትን ኣብ ልዕሊ ጽልኢ ሰዓርቲ ኢያቶም

 


ናይ ፓኪስታን ናይ ውሁዳን ክፍሊ ኅብረተሰብ ኃይማኖት ጉዳይ ሚኒ. ናይ ዝነበሩ ሻባዝ ብሃቲ ሓዎምን ነቲ ብኣኦም ዝምራሕ ዝነበረ ናይ መንግሥቲ ሓላፍነት ዝተረከቡ ፓውል ብሃትን ኣብ ፓኪስታን ናይ ላሆር ሊቀ ጳጳስ RealAudioMP3 ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኩትስን ናይ ላሆር ናይ ባድሻሂ መስጊድ ዓቢይ ኢማም ስየድ ሙሃማድ ኣብዱል ክሃብሪ ኣዛድን ምዉቕ ሰላማታኦም ከምዘቕረቡ እንክንገር፣ ትማሊ ድሕሪ ቐትሪ ቅዱስ ኤጂዲዮ ናይ ካቶሊክ ምንቅስቃስ ኣብ ዘዳለዎ ርክብ ከምእተሳተፉ እንክንገር፣ ሚኒ. ፓውል ብሃቲ ነቶም ንሓዎም ዝቐተሉ ገበነይናታት ይቕረብ ከምዝበሉ ሓቢሮም፣ ገዛእ ርእሶም ሓዎም ነፍሰ ሄር ሻባዝ ብሃቲ ክርስትያን ከምዝኾኑን ናይ ክርስትያን እምነት ከምቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም መሓርትን ይቕረ ባህልትን ኩኑ ኢዩ ዝብል፣ ስለዚህ ነቶም ናይ ሓዎም ደም ተሓተቲ ይቕረብ ቢሎም፣ እቲ ሓዎም ዝነበሮም ሓላፍነት ክሳብ ክንደይ ዓቢ ትዕግስትን መስዋዕትን ዝሓትት ምዃኑ ብቐረባ ክርድእዎ ከምዝኸኣሉ እውን ገሊጾም፣ እቲ ምእንቲ ምርግጋጽ ማኅበራዊ ሰላምን ምውጋድ ኃይማኖታዊ ኣድልዎን ዘንቀልዎ ዕላማ ክቕጽልዎ ምዃኖም ኣረጋጊጾም።

ናይ ላሆር ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ኩትስ ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ንነፍሰ ኄር ሻባዝ ብሓቲ በቐረባ ዝፈልጥዎም ከምዝነበሩን ብሓቂ ጻዕሮምን ተግባሮምን ምስ ናይ ማህታማ ጋንድሂን ማርቲን ሉተር ኪንግ ክመኡ እውን ምስ ብፁዕ ኣቡነ ሮመሮን ዝመሳሰል ኢዩ ቢሎም፣ ኣብ ፓኪስታን ሥሙር ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ኢዩ ዝመርሕ ዘሎ፣ ነዚ ሥሙር ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ዝቃወም እቲ ዘሎ ተቓዋሚ ሥሙር ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ድኹም ብምዃኑ እዚ ጋግ’ዚ ነቶም ብናይ ውግእ ኣጽዋር ዝደለቡ ኣሸበርቲ ጥጡሕ ባይታ ፈጢሩሉም ከምዘሎን ክሕይሉ እውን ከምዝገበሮም ጠቒሶም፣ እዚ ድማ ናይ ፓኪስታን ሓይሊ ጸጥታ ነቶም ኣሸበርቲ ንምቁጽጻር ዝገብርዎ ጻዕሪ ኣዚዩ ከቢድን ኣሸጋርን ገይርዎ ኣሎ እንክብሉ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.