2011-04-07 14:46:36

ታይላንድ፣ ቅድስቲ መንበርን መንግሥትን


ኣብ ታይላንድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መንጎ ሓድሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ወኪል ብፁዕ ኣቡነ ጆቫኒ ዳኒየሎን ናይ ታይላንድ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ካሲት ፒሮምያ ርክብ ከምእተኻየደ ኡካን እተሰምየ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ። RealAudioMP3

ኣብቲ ዝተኻየደ ርክብ እቲ ብሓልዮትን ድላይን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዕለት 27 ጥቅምቲ 2011 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኣሲዚ ዝካየድ ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ርክብን ጸሎትን መደብ ዘኪሮም ታይላድ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ሕድ ሕዳዊ ምክብባርን ምቅብባልን ክህሉ እትገብሮ ጻዕሪ፣ ቅድስቲ መንበር ከምእተድንቖ ብፁዕ ኣቡነ ዳኒየሎን ዘኪሮም፣ ኣብ ታይላንድ ናይ ቡድሃ ዘራቫዳ ሃይማኖት ሰዓብቲ ብዙሃን ክፍሊ ኅብረተሰብ ታይላድ ከምዝኾኑን ብዝሒ ካቶሊክ ምእመናን ድማ 0.5% ካብ ሚእቲ ከምዝኾነን እንክንገር፣ ቅድስቲ መንበር ነቶም ኣብ ናይ ታይላንድ ናይ ስደተይናታት መዕቆቢ ሠፈር ዝርከቡ ስደተይና ዜጋታት ምያንማር ብቑዕ ድጋፍ ንምቕራብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ንዝሳተፉ ዜጋታት ታይላድ ብዛዕባ ግብረ ሰናይ ዝምልክከ ሕንጸት ኣብ ሮማ ክወሃቦም መታን መደብ ከምዝሓንጸጸት ከምዘመልከቱን ናይ ታይላድ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ካሲት ብወገኖም ታይላንድ ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ዝግበር ናይ ሓባር ዘተን ሰላማዊ ማኅበራዊ ናብራ ክረጋገጽ እተካይዶ ዘላ ጻዕሪ ብምሕዳስ ክምእትቕጽሎ ከምዘረጋገጹ ኡካን ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.