Home Archivio
2011-04-07 14:44:02
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፣ ንዓለም ብወንጌል ዝልውጡ ዓለማውያን ምእመናን
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምኽንያት መበል 80 ዓመት ምሥረታ ናይ ኣርጀንቲና ካቶሊክ ተግባር ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ክታም ዝተነበረሉ መልእኽቲ
ንናይ ኣርጀንቲን ናይ ካቶሊክ ተግባር ጠቕላሊ ሓጋዚ ናይ ኮንኮርዲያ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ልዊስ ኣርማንዶ ኮላዙል ከምዘተሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።
ቅዱስነቶም ኣብቲ ዘተሓላልፍዎ መልእኽቲ ቤተ ክርስትያንን ከምኡ ድማ ዓለም ንምቕዳስ ኣብ ዝፍጸም ተልእኾ ተራ ዓለማውያን ምእመናን ነቲ ዕለታውን ግዚያውን ጭቡጥ ኩነት ብናይ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ክቡራት ዋጋታት ምልዋጥ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ኣብ 2007 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ኣፓረሲዳ ዝተኻየደ ናይ ካሪቢያንን መላእ ላቲን ኣመሪካን ብፁዓን ጳጳሳት ሓምሻይ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዘውጾኦ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብምውካስ፣ ዓለማውያን ምእመናን ብናይ ካቶሊክ ትምህርቲ ሃይማኖትን ዓንቀጸ ሃይማኖትን ብሥነ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ሥነ መንፈሳውነትን ብቑዕን ጽኑዕ ሕንጸትን መሰነይታ ክረኽቡ ይግባእ ቢሎም፣ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብነት መሠረትን ምስ ብፁዓን ጳጳሳት ብዝቐውም ጽኑዕ ምትኅብባር ብዝዓሰሎ ተግባር ዓለማውያን ምእመናን ኣብ ልቢ ኩሉ ፍጥረት ሰብን ኣብ ኩለ ማኅበራዊ መዳይን ዕለታዊ መነባብሮን ዕዮን መባኹዕቲ ወንጌል ኮይኖም ክርከቡ ምዕዳን ከምዘቕረቡ እንክሕበር ናይ ካቶሊክ ተግባር ኣርጀንቲና ዝተነጸለ ክፍሊ ኅብረተሰብ ዘይነረብረላ መታን ክትኸውን ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ወዲቖም ንዝርከቡ ካብ ድኽነት ንኽላቐቁ ዝተፈላለዩ ናይ ደገፍን ሕንጸትን ግብረ ሰናይ መደባት ከምዘሳልጥ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የዘኻኽር።
All the contents on this site are copyrighted ©.