2011-04-05 15:09:48

ብፁዕ ካርዲናል ሳንድሪ፦ ቅልውላው ብዘተ እምበር ብዓመጽ ኣይፍታሕን


ናይ ምስራቓውያን ኣቢያተ ክርስትያን ጉዳይ ዝሓሊ ቅዱስ ማኅበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ለዮናርዶ ሳንድሪ ብምኽንያት ዓቢይ ጾም ኣብ ናይ መወዳእታ ሰሙነ ሕማማት ዓርቢ ስቕለት ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝእከብ ምጽዋት ኣመልኪቶም ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ ቅድስቲ መሬት ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ሕውነት ከምእተማዕድውን RealAudioMP3 ከምኡ ድማ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ኣብ ጉዕዞኣ ዘጓንፋ ተመክሮ ስቓይን እትቕበሎ ጸጋታት ተካፋሊት ብምዃን ሞሳ ክትመልስ ድላይ ከምዘለዋ ዘረጋገጽ ምዃኑ መልእኽቲ ምዃኑ እንክሕበር። ብፁዕነቶም ብዛዕባ እቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣመልኪትም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ እንከረድኡ፣ እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝኽሰት ዘሎ ለውጥን ዝቐርብ ዘሎ ሕዝባዊ ሕቶን ኣብ ቅድስቲ መሬት ንዘሎ ማኅበረ ክርስትያን ወሳኒ ጽላዋ ወይ ድማ ወሳኒ ሳዕቤን ክህልዎ ከምዝኽእል ኢዩ ቢሎም፣ ብዛዕባ ቅድስቲ መሬት ክንሓስብ እንከሎና ቀዲሙ ኣብ ሓሳብና ዝመጽእ እቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምድራዊ ሕይወቱ ዘሕለፈሉን ዘስተምሃረሉን ኣብ እስራኤልን ፍልስጥኤምን ዮርዳኖስን ዝርከብ ቅዱሳት ሥፍራ ኢዩ። ስለዚህ እቲ ኣብ ዓርቢ ስቕለት ዝእከብ ምጽዋት ነዚ ቅዱስ ሥፍራ ድጋፍ ኢዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሊባኖስን ግብጽን እውን ሓጺር ናይ ምድራዊ ሕይወት ተመኩሮ ገይሩ ኢዩ። እቶ ኣብ ብሉይ ኪዳንን ሓዲስ ኪዳንን ዝግለጹ ቅዱሳት ሥፍራ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምድራዊ ሕይወቱ ዘሕለፈሉ ጽንኩር ኩነት እነሆ ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋሁን ዝርኤዩ ዘለዉ ሓደስቲ ለውጥታትን ዘስዕቦ ዘሎ ውሕስነት ዘይብሉ ኩነት ነቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ማኅበረ ክርስትያን ዓቢ ተጽእኖ ከምዝኾኖ ዘረጋግጽ ኢዩ። እቲ ቅዱስ ሥፍራ ናይ እምነትና ኅያው መሠረት ኢዩ፣ ስለዚህ ክንሕልዎን ክንከናኸኖን ናይ ግድን ምዃኑን እዚ ሓሳብ እዚ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከብ ማኅበረ ክርስትያን ክሰርጽን በዚ መገዲ ኵሉ ነቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝነብር ማኅበረ ክርስትያን ክሓስብን ደገፉ ከቕርብ ንምንቕቓሕ ዝኣመተ መልእኽቲ ኢዩ ኢሎም።

ቅዱስ ኣቦና ደጋጊሞም ዘነቓቕሕዎ ናይ መንፈሳውነት ተግባር እውን ኢዩ፣ ብዘይ እቶም ቅዱሳት ሥፍራ ማኅበረ ክርስትያን ክህልውን ክርስትናኡ ክነብርን እዚ ማለት ድማ ብዘይ ቤት ልሔምን ናዝሬትን እየሩሳለምን ቤታኒያን ኤማኡስን ብሓፈሻኡ ብዘይ ኣካላዊ ኅላዌ እቶም ቅዱሳት ሥፍራ ኅላዌና ዘይኮነስ ኅላዌ መንፈሳውነት ክርስትናን እውን ኣይምሃለወን፣ ምእንቲ’ዚ እንነብሮ ክርስትናና ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ጭቡጥነት ዘንጸባርቕ ኢዩ። እዚ ኢዩ ድማ ናይ ቅዱሳት ሥፍራ መሠረታዊ ተርጉሙ።

ኣብ ዒራቕ፣ ኣብ ኩሉ እብቲ ውግእን ግብረ ሽበራን ኣኽረርቲ ክፍሊ ኃይማኖታት ዝሰፍሓለን ሃገራት ዝነብር ማኅበረ ክርስትያን ዘጋጠሞን ዘጋጥሞ ዘሎ ዓመጽን ኣትለትን ስደትን ንሞት ዝተዳርጉን ማኅበረ ክርስትያንን ክርስትያን ሥድራ ቤትን ካህናትን ብሓቂ ኣብቲ ከባቢ ናይ ክርስትያን ኅልውና ውሕስነት ዘይብሉ እውን እንተመሰሎ ናይ ክርስቶስ ሰላም ዝመጽእ ምዃኑ ኣይንጠራጠርን ኢና፣ ስለዚህ ኣብቲ ከባቢ ካብ ዘተን ተሳትፎ ክርስትናንን ምስልምናን ኣይሁድን ካልኦት ሃይማኖታትን ብጥቕላላ ኩሉ ሕዝቢ ካብ ዘሳትፍ ሥርዓት ደሞክራሲ ዝምንጭ ሰላም ኣገዳሲ ኢዩ። ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሕንጸትን ዕለታዊ መግብን ውሑስ ዝኾነሉ ከባቢ ክኸውን ኢዩ ድልየትና ቢሎም፣ ኩሎም ናይ ሃይማኖት መራሕትን ናይ ፖለቲካ ላዕለዎት ኣካላትን ዘረዳድእን ንዘተ ዘተባብዕን ናይ ሓባር ድላይ ከተባብዑን ናይ ዓለምን ሕዝብን መጻኢ ብኣጽዋርን ኃይልን ዘይኮነስ ብምርድዳን ብዘተን ብምኽባር ፍትሕን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድ ጥራሕ ኢይ ዝረጋገጽ። ቀጺሎም ኣብ ከባቢ ሰሜን ኣፍሪቃ ዘሎ ህልዉ ኩነታትን ኮታ መላእ ኩነታት ኣፍሪቃ ዘኪሮም ኣዛ ክፍሊ ዓለም ብሓቂ ናይ ኩላትን ቆላሕታ የድልያ። ኣብዚ እዋን ዓቢይ ጾም ኣብ ቅድሚ ስቓይ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሕማማቱን ትንሣኤኡን ንዅሉ ዘርኢ ሰብ ከምዝኾነ ተረዲእና እቲ ኣብ ዘይውዳእ ሕማማት ዝነብር ሕዝቢ ክርስቶስ ከምዝተንስኤ ኣሚኑ ካብ ስቓዩ ክናገፍ ምዃኑ ኣጽኒዑ ክኣምን ብመንፈስ ምሕጋዝ ጥራሕ ዘይኮነ ብተግባር ምድጋፉ እውን የድልዮ፣ ኣብ ዘይውዳእ ሕማማት ክነብር ክንሓድጎ የብልናን እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።








All the contents on this site are copyrighted ©.