2011-04-05 15:11:10

ብፁዓን ጳጳሳት ጀርመንን ኣፍሪቃን


ስደተይናታትን ተመዛበልትን እቶም ኣዚዮም ንዝተፈላለዩ ሓደጋታት ዝተቓልዑ ክፍሊ ኅብረተሰብ ምዃኖም ኣብ ሙንሽን ከተማ ፈደራላዊት ሬፓብሊክ ጀርመን ናይ ጀርመንን ኣፍሪቃን ብፁዓን ጳጳሳት RealAudioMP3 ካብ ዕለት 28 መጋቢት 2011 ዓ.ም. ክሳብ ዕለት 2 ሚያዝያ 2011 ዓ.ም. ስደት ኣፍሪቃዊ ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሎም ብዛዕባ ነቲ ኣብዚ እዋን እናሰፍሔ ዝርኤ ዘሎ ጸኣት ኣፍሪቃውያን ንምምይያጥ ኣብ ዘካይድዎ ናይ ሓባር ጉባኤ ገሊጾም፣ ናይ ተመዛበልትን ስደተይናታትን ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ሕጋውን ግብረ ገባውን ውሕስነት ኃላፍነት ናይ ኩሎም መንግሥታት ኢዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና አገልግሎት ሓቢሩ።

ጸኣት ዜጋታት ደው ንምባል እቲ ኣብ ዓለም ዝረጋገጽ ዘሎ ዓለማውነት ምትሕስሳር ኣብ ምትሕብባርን ፍትሕን ዝቖመ ክኸውን ይግባእ ቢሎም፣ እቶም ናይ ፖለቲካ ዑቕባ ዝሓቱ ዜጋታት ጉዳዮም ተጻርዩ ሰብኣዊ መሰልን ፍቓድን ተኸቢሩሎም ክነብሩ ዘኽእል እወታዊ መልሲ ረኺቦም ናይ መጻኢ ሕይወቶም ክመርሑን፣ እቲ ዘቕርብዎ ናይ ዑቕባ ሕቶ ብቑዕ ኣይኮነን ተባሂሎም ዝንጸጉ ስደተይናታት ምስ ናይ ሰብኣዊ ርኅራሄ ዝተተሓሓዘ ዓለም ሓቆፍ መምርሒ ስደተይናታት ዘመልክቶ ዓንቀጽ ብዝሰማማዕ መገዲ እወታዊ መልሲ ተዋሂብዎም ክነብሩ ይግባእ ቢሎም፣ እቲ ዕለታዊ ናብራኡ ነኸመሓይሽን ናይ ገዛእ ርእሱን ስድራ ቤቱን ናይ መጻኢ ሕይወት ከጣጥሕ ተገዲዱ ዝስደድ ከም ገበነይና ምርኣይን ኣሉታዊ ቅድመ ፍርዲ ምሃብን ጌጋ ምዃኑን፣ ስደተይና ማኅበራውን ሃይማኖታውን ባህላውን ሃብቲ ከምዝኾነ ናይ ኣፍሪቃን ጀርመንን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ ሰነድ ኣመልኪቶም፣ እቲ ብድኽነት ኤኮኖሚ ተገዲዱ ዝስደድ ናይ ዓለም ከይዲ ኤኮኖምን ቁጠባን ፍትሓውን ንምትሕብባር ዝድግፍን ነዚ ዘተባብዕን ምስ ዝኸውን ሽግሩ ከምዝውገድን ንስደተ እውን ከምዘየምርሕ ብፁዓን ጳጳሳት ኣተሓሳሲቦም ኣብ ምትሕብባርን ምትሕስሳብን ፍትሕን ዝቖመ ምትእስሳር ዓለማውነት ክተባብዕ ኣብናይ ሓባር ናይ ጉባኤ ፍጻሜ ሰነድ ጻውዒት ከምዘቕረቡ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.