2011-04-02 15:05:06

ጃፓን


ኣብ ጃፓን መጋቢት 11 2011 ዓ.ም. ዝተኸስተ ርእደ መሬትን ርእደ ምድሪ ባሕርን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ማእለያ ዘይብሉ መጉዳእቲ ከምዘስዓበ እንክንገር፣ ኣብ ማእከላት ትካላት ኑክሊየር ዓቢይ RealAudioMP3 ጸገም ከምዘኸተለን፣ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኒክሊየር ንምቁጽጻር ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ሕጂ እውን ይቕጽል ከምዘሎን፣ ብፍላይ እቲ ኣዚዩ ዝተጎድኤ ናይ ፉኪሺማ ናይ ኑክሊየር መጻረዪ ትካል ንምቁጽጻር ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ገና ኣብ ፍጻሜ ከምዘይበጽሔ ክፍለጥ እንከሎ፣ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ኑክሊየር ናብቲ ልሙድ ቀጥዓዊ ኩነቱ ንኽምለስ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ይቕጽል ኣውን እንተሃለወ፣ መዓስ ክጠናቐቕ ምዃኑ ግን ቅድም ቢልካ ንምግማት ከምዘሸግር መራሔ መንግሥቲ ጃፓን ናኦቶ ካን ገሊጾም።

በቲ ርእደ መሬት ዝተጠቕዑ ናይ ኑክሊየር ማእከላት ናብ ከባቢ ዝፍንውዎ ጸርጊ ኣቶም ኣብ ልዕሊ ሕይወት ዓቢይ ጉድኣት ከምኡ እውን ኣብ ከባቢ መጠነ ሰፊሕ ዕንወት የስዕብ ከምዘሎ እንክሕበር፣ ኣብቲ ከባቢ መጠን ጸርጊ ኣዚዩ ልዑሉ ምዃኑ ኢዩ ዝንገር። ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ሓደጋ ማእከል ኑክሊየር ንምቁጽጻር ብፍላይ ድማ ነቲ ናይ ፉኩሺማ ናይ ኑክሊየር መጻረይ ማእከል ዘስዕቦ መጉዳእቲ ካብቲ ቅድሚ 25 ሓሙሽተን ዓመት ኣብ 1986 ዓ.ም. ኣብ ትካል ናይ ኑክሊየር ጸዓት ቸርኖቢል ዘጋጠመ ሓደጋ ምስፋሕ ጸርጊ ዘስዓቦ ናይ ሰብን ንብረትን መጉዳእቲ ዝለዓለ ከይኸውን ከምቲ ናይ ቸርኖበል ናይ ኑክሊየር ማእከል ብሰሜንቶ ምቕባሩ ኢዩ ዝሓሸ እንክብሉ ናይ ኑክሊየር ሥነ ኣካል ሊቅ ፕሮፈሶር ጆቫኒ ፊዮረንቲኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ገሊጾም።

ኣብ ቶኪዮ ቆሞስ ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ኢግናዚዮ ወዲ 46 ዓመት ወንጌላዊ ልኡኽ ኣባ ዶመኒኮ ቪታሊ ብወግኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ኣብ ጃፓን ዝርከባ ናይ ዝተፈለላለይ ኣቢያተ ክርስትያን ምእመናንን መንፈሳዊ መራሕትን ነቲ ዝተጎድኤ ሕዝቢ ጃፓን ኣብ ምጽንናዕን ናይ ሰብኣውን መንፈሳውን ድጋፍ ኣብ ምቕራብ ከምእተዋፈራ ሓቢሮም፣ ኵሉ ብዛዕባ ናይ ኑክሊየር ጸርጊ ፍልጠት ከምዘይብሉ ርጉጽ ኢዩ፣ ስለዚህ ናይ መራኸቡ ብዙኃን ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብቑዕ ሓበሬታ ክህባ ናይ ግድን ኢዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ደምደሙ።







All the contents on this site are copyrighted ©.