2011-04-02 16:51:31

ርሊጳበ ንአይቨሪኮስት ናይ ሰላም መልእኽተኛ ልኢኾም ፡

 


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ትማሊ አብ ቅርዓተ ቅዱስ ጰጥሮስ ንምእመናን ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም ።

በነዲቶስ መበል ዓሰርተ ሽዱሽተ አብዚ ትማሊ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ”ቲ አብ ምዕራባዊ አፍሪቃ አብ አይቨሪኮስት ዚክየድ ዘሎ ሕድሕዳዊ ግጭት አልዒሎም እዚ ግጭት”ዚ ብዝቀልተፈ ግዜ ክግታእ ህዝቢ አይቨሪኮስት

ብሰላም ክንብር ዘኽእሎ ኩነታት ክርከብ አጽኒዖም አተሐሳሲቦም ።

ብጠንቅ”ዚ ዝሐለፈ ወርሒ ሕዳር አብ አይቨሪኮስት ዝተጀመረ ፖሊቲካዊ ህውከትን ግጭትን ሐሙሽተ ሚእቲ ሰባት ሕይወቶም ከም ዝስአኑ ሕደ ሚልዮን ህዝቢ ክአ ካብ ቤት ንብረቱ ክዘናበል ከም ዝተገደደን ይፍለጥ ።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ እዚ አብ አይቨሪኮስት ተኸሲቱ ዘሎ ፓሊቲካውን ማሕበራውን ወጥሪ ብዙሕ ከም ዘተሐሳሰቦም አመልኪቶም ምእንቲቶም ሕይወቶም ዝስአኑ ከም ዝጽልዩን ምስቶም በዚ ሰብ ዘምጽኦ ግጭት”ዚ አብ ስቃያ ዝወደቁ ብመንፈስ ምስኦም ከም ዝሐብሩን ጠቂሶም ዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ ፡ ነዚ አብዛ አፍሪቃዊት ሀገር ተኸሲቱ ዘሎ ዘሕዝን ግጭትን ወጥርን ከይውዓለ ከይሐደረ ነባሪ ፍታሕ ከደልን ክአ ተማሕጺኖም።

ጠንቂ ናይዚ አብ አይቨሪኮስት ተኸሲቱ ዘሎ ህውከትን ግጭትን እቲ ዝሐለፈ ወርሒ ሕዳር አብታ ሀገር ዝተኻየደ ፕረሲደንታዊ ምርጫን ውጽኢቱን ከም ዝኾነ ክዝከር ከሎ፡ አብቲ ምርጫ አብ ስልጣን ዝነብሩ ሎርን ባግቦን አለሳነ ኳታራን ንውድድር ከም ዝቀረቡ ክዝከር ከሎ ፡ አምራጺ ኮሚስዮን ኳታራ ዝበዝሕ ድምጺ ከም ዘምጽኦ ምሰፍለጠ ሎርን ባግቦ ነቲ ውጽኢት አይቅበልን ብማለት ካብ ስልጣኖም ከም ዘይወርዱ ስለ ዘፍለጡ ከም ዝኾነ ይዝከር ።

ሀገራት ሐቆፍ ማሕበረ ሰብ አለሳነ ኳታራ አብቲ ፕረዚደንታዊ ውድድር ከም ዝተዓወቱን ከም መራሒ ሀገር ከም ዝፈለጦምን ክዝከር ከሎ ሎራን ባግቦ እቲ ውጽኢት ቅኑዕ ስለዘይኮነ ካብ ስልጣነይ አይወርድን ስለ ዝበሉ አብ ሞንጎ ናይ ክልቲኦም ደገፍቲ ግጭትን ሕውከትን ተላዒሉ እነሆ ናይ በማእት ዝቁጸር ህዝቢ ሕይወት ጠፊኡ ህዝቢ አደዳ ስደትን ሽግርን ኮይኑ ይርከብ ከም ዘሎ ይፍለጥ ።

ሕብረት አፍሪቃ ንሎራን ባግቦን አለሳነ ኳታራን ከተዓርቅ ዘካየዶ ጻዕሪ አዎንታዊ ውጽኢት ከም ዘይረኸበ ክዝከር ከሎ ኩነታት አይቨሪኮስት ካብ ሕማቅ ናብ ዝኽፍኤ ክሰጋገር ይርኤ ከም ዘሎ ይምልከት ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ሀገራት ሐቆፍ ማሕበረ ሰብ ነዞም ብስልጣን ዝብአሱ ዘለዉ ሰባት አራኺቡ ከታዓርቆምን ህዝቢ ካብዚ ዘለዎ ሕማቅ ናብራ ክናገፍን ትማሊ ንምእመናን ሮብዓዊ ተምህርተ ክርስቶስ ኣአብ ዝሀብሉ ግዜ አተሐሳሲቦም።

ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አብ ምምሕጻንን ምትሕስሳብን ዓለም ለኸ ማሕበረ ሰብ ጥራሕ ከይተቆጠቡ ፡ አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍጥሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ታክሰን ኮዶዎ ንአቨሪኮስት ከም ዝልእክዎም ሐበሬታ ሂቦም አለዉ ።

በዚ ቅድስነቶም ዝሀብዎ ሐበሬታ መሠረት ፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብፁዕ ካርዲናል ፒተር ታክሰን ኮዶዎ ምስ ሎራን ባግቦን አለሳነ ኳታራን ተራኺብም ሰላም ክርከበሉ ዝኽእል ኩነታት ክድህስሱ ኢዮም ። እቲወቅታዊ ኩነታት ክአ ንቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘተሐሳሰቦምን ከም ዘሰከፎምን ክገልጽሎም ኢዮ ።

ብኻልእ ዜና ናይ አብ አይቨሪኮስት ናይ ርእሰ ከተማ አቢጃን ሊቀ ጳጳጳስ ብጹዕ አቡነ ጂን ፒየር ኩትዋ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ህውከት አይቨሪኮስት ሰላማዊ መዕለቢ ክረክብ ዘተሐላለፍዎ መልእኽቲ ከም ዘሐጎሶምን እቲ መልእኽቲ ተስማዕነት ክረክብን ተስፋ ከም ዘለዎም ከም ዝገለጹ ፊደስ ዝተባህለ አገልግሎት ዜና አመልኪቱ።

አብዚ ግዜ”ዚ አብ አቢጃንን አብ ያመሱክሮን ዓበይቲ ከተማታት አይቨሪኮስት ናይ ሎራን ባግቦን አለሳነ ኳታራን ሚሊሽያታት ተፋጢጦም ከም ዘለዉ ከባቲ ቦታ ዝመጹ ዜናታት አመልኪቶም።

አብ አይቨሪኮስት ሰብአውን ማሕበራውን ቅልውላው ሰፊኑ ስለ ዘሎ እዚ ህጹጽ ፍታሕ ክረክብ ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ከም ዝሐተታ ተፈሊጡ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.