2011-04-02 15:04:02

ህሉው ኩነታት ኣይቨርይኮስት


ኣብ ኣይቨርይኮስ ኣብ ዝሓለፈ 2010 ዓ.ም. ወርሒ ሕዳር ዝተኻየደ ዳግማዊ ዙር ሕዝባዊ መረጻ ናይቶም ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር ኮይኖም ዘገልገሉ ዳግም ንምርጫ ዝቐረቡ ላውረንት ግባግቦ ዝቃወም RealAudioMP3 ናይ ፖሊቲካ ሰልፊ መራሒ ኣላሳነ ኡታራ ከምዝሰዓሩ ዝንገረሎምን ብዓለም ሓቆፍ ደረጃ ዝእመነሎም እውን እንተኾነ፣ ግባግቦ ነቲ ሕዝቢ ዘረጋገጾ ድላይ ኣይቅበልን ሰዓሪ ኣነ ኢዩ ስልጣን ንኦታራ ኣየረክብን ብምባሎም ምኽንያት ኣብ ኣይቨርይኮስ ሕድ ሕዳዊ ግጭት ከምዘንቀለ እንክንገር፣ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ኦታራን ደገፍቲ ግባግቦ ዝተባርዔ ውግእ እናሰፍሔ ይቕጽል ከምዘሎ ይንገር።

ናይ ኦታራ ደገፍቲ ዕጡቓት ኃይሊ ነታ ናይ ምሕደራ ኣገልግሎት መንግሥቲ ርእሰ ከተማ ተባሂላ ዝንገረላ ከተማ ያሙሱክሮ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ናብ ናይ ኣይቨርይኮስት ርእሰ ከተም ኣቢጃን ከምዝኣተዉን ላውረንት ግባግቦ ኣብ ዝርክበሉ ናይ ርእሰ ብሔር ሕንጻ ከባቢ ውግእ ይካየድ ከምዘሎ ዝተፈላለያ ናይ ዜና ኣገልግሎት ይሕብራ።

እቲ ኣብ መንጎ ደገፍቲ ኦታራን ግባግቦን ዝካይድ ዘሎ ውግእ ደው ንምባል ኣብ ኣይቨሪኮስት ተመዲቡ ዘሎ ናይ ሕቡራት መንግሥታት ዓቃቢ ሰላም ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎን፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሓንቲ ኣብ ኣይቨርይኮስት ናይ ሕቡራት መንግሥታት ቤት ጽሕፈት ወግዓዊ ኣካያዲት ሥራሕ ስዊድናዊት ዜጋ ከምእተቐትላ እውን እንክሕበር፣ ኣብ ቶሪኖ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ናይ ሃገራት ኣፍሪቃ መንግሥታትን ቅዋማትን ታሪክ መምህር ናይ ታሪኽ ሊቅ ኣና ቦኖ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርኦ ቃለ ምልልስ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኣይቨርይኮስት ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ግባግቦ ክርስትያን ኦታራ ድማ ሰዓቢ ሃይማኖት ምስልምና ብምዃኖም እቲ ኣብ መንጎኦም ተኸሲቱ ዘሎ ወጥረት ሃይማኖታዊ መልክዕ ዝለበሰ ኢዩ ዝመስል። ኦታራ እንተድኣ ብሓቂ ዝሰዓሩ ኮይኖም ኣብ ኣይቨርይኮስት ቀዳማይ ናይ ሃይማኖት ምስልምና ሰዓቢ ርእሰ ብሔር ከምዝኾኑ ሓቢረን፣ ማኅበረሰብ ዓለም ኦታራ በቲ ዝተኻየደ ሕዝባዊ ምርጫ ስዒሮም እንክብል ዝሃቦም ሕጋዊ ተቐባልነት ሕዉኽ ኢዩ። ሳዕቤኑ ድማ ኣሉታዊ ምዃኑ ይርኤ ኣሎ። ስለምታይ ቅድም ቀዳድም ናጻን ግልጽን ሕዝባዊ ምርጫ ንኽረጋገጽ ዝሓቶም ቀጥዕታት ኣይነበረን፣ ብቐዳማይ ደረጃ እቶም ዘይሕጋውያን ዕጡቓት ኃይልታት ዕጥቆም ከውርዱ ኔርዎም፣ ብኻልኣይ ደረጃ ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎም ምዝገባ ዜጋታት ክጠናቐቕ ኔርዎ፣ ብዝሒ ሕዝብ ኣይቨርይኮስትን ናይ ምምራጽ መሰል ዘለዎ ብዝሒ ዜጋን ኣዚዩ ዝተረሓሓቐ ኢዩ ዝመስል፣ ስለዚህ ሓደ ምርጫ ዴሞክራሲያውነቱ ዘረጋገጹ ቀጥዕታት ከየማልኤ ዝተኻየደ ክነሱ ኣብቲ ከምዚ ዓይነት ምርጫ ዝግለጽ ውጽኢት ሕጋዊ ተቐባልነት ምሃብ ካብ ጥቅሙ ጉድኣቱ የምዝን። ኣዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ብሔር ግባግቦ ነቲ ተኸሲቱ ዘሎ ወጥረት ንምውጋድ ብሔራዊ ሃገራዊ ሓድነት መንግሥቲ ክቐውም ዝሓሸ ኢዩ እንተበሉ እውን፣ ናይ ርእሰ ብሔር ሥልጣኖም ኣብቲ ቅኸውም ዝሓትዎ ዘለዉ ብሔራዊ ናይ ሓድነት መንሥቲ ክቕጽል ኢዩ ድላዮም። እዚ ድማ ነቲ መፍትሒ ዘይ መፍትሒ ኮይኑ ክርኤ ዝድርኾ ድላይ ምዃኑ ቦኖ ሓቢረን፣ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ኣይቨርይኮስት እታ ብኤኮኖሚ እዚያ ዕቢየት ዘርአየት ኣፍሪቃዊት ሃገር ምዃና ከምዝተንገረላን፣ ስለዚህ እቲ ናይ ኤኮኖሚ መሠረታዊ ሃብታ ኣብ ቁጠባን ዕዳጋን ዓቢ ተራ ዘለዎን ንናይ ዓለም ኤኮኖሚ ዝስሕብ እውን ኢዩ፣ እዚ ንገዛእ ርእሱ ምስቲ ኅልዉ ኩነታትን ዝተኻየደ ምርጫን ዘስዕቦ ዘሎ ውጥረት ኣተሒዝካ ክርኤ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ እንክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ደምደማ።








All the contents on this site are copyrighted ©.